ንዉልቃዊ ሓርነት ንተብዕ!

Editorial

ሓርነት ከም ሰብ ዓርስኻን ሓሳብኻን ኾይንኻ ከም ማሕበራዊ እንስሳ ድማ ንሕግታትን ክብርታትን ማሕበረሰብካ ኣኽቢርካ ብኣማናዊ መንነትካ እትነብረሉ ግቡእ ናይ ሀይወት ፈለግ እዩኣብ ጉዕዞ ህይወት ከየቛረፀ ዝውሕዝ ንእምነታቱ ንሓሳባቱንመሓዝቱ ዘልምዕ ንኻልኦት ዘይበልዕ ብስነምግባራዊ ጀግንነትኻ እተጥርዮ ዓርስኻ እትረኽበሉ እትነብረሉን ዉሽጣዊ ሓይሊ እዩ

ሓርነቶም ዝኣወጁ ዉልቀሰባት እንትእከቡ ድማ ሓርነቱ ዘረጋገፀ ህዝቢ ይኾኑ ሓርነቱ ዘረጋገፀ ህዝቢ ኣብ ምህዞ ኣብስራሕ ኣብ ፍርያት ኣብ ፍትሒ ብሙሉእ ልቡ ትረኽቦሓርነቱ ኣብ ህሊንኡ ዝወነነ ዉልቀሰብ ናይ ዓርሱን ናይ ካልኦትንዋጋ ኣዝዩ ኽባር ምኻኑ ዝፈልጥ ሰብ መኽበራይገፅ ሰብእናረኣየ ገማዕ ገማዕ እናበለ ጉጅለኣዊ ሓሳብ ከይኮነስ ንፍልጠቱ ኣሚኑ ግና ድማ እናመርመረ እናሳነየ ዝነብር፣ ንተፈጥሮኣዊ መሰላት ተሓላቓይዓል ሙሉእ ዓርሰ እምነት ይኸውን

ብሓርነት ንኽነብር ኩሉ ዓቕሚ ተዋሂብዎ ዝተፈጠረ ወዲሰብ መንግስታት መራሕቲ ሃይማኖት ከደምቲ ፖለቲካዊ ፅንሰ ሓሳብ ካብቶም ቀዲሞም ዝስርዑ መንጠልቲ ሓርነት እዮም

እዚ ዘመን ሕድሕደ ትግራዋይ ዉልቃዊ ሓርነቱ ዝወነነ ድዩወይስ ኣይወነነን ኢልና እንርእየሉ ቁርፀኛ እዋ ኾይኑሎበዚዛዕባ ንዓርስና ንምዕቃን ድማ ሓርነት ከመይ ይምንጠል? ኢልናገለ ዉሽጣዊ ሓርነት ዘጥፍኡ መገድታት ንርአ ሓርነትስሑት ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ብኸይዲ ትምንጠልናፃ ኣውፂእናካ ዝብሉ እዋናዊያን ሰበስልጣን እውን ትምንጠል ኣብ ጉዳይ ዓድኻ ካልአዋ ትኸውንፖለቲካዊ ልዕልና ዝረኸቡ ፖለቲከኛታት ተለኣኣኺ  ፅንሰ ሓሳቦም እንተዘይኾይን ኻብቕፅዓትን ብምንሻውን ሓርነትኻ ይምንዝዑኻነዚኦምካልኦት ሓቅታት ሪኢና ትግራዋይ ዉልቃዊ ሓርነቱ ዝወነነ ህዝቢ ድዩ? ሓርነቱ እንተዝውንንኸ ኣይመልመዓን? ኩሉ ክእለታቱ ብፍርያት ኣይመርኣየንዶ? ካብ ገለ ሓይልታት ተፀባዪ ሓሳብን ቃላትን ኣይኮነንዶ? ንመስዋእትነቱ ዋጋ ኣይምሓተተንዶ? እናኸፍኦ ተመሳሲ ምንባር ይሓይሽ ምበለዶ ነይሩ? ሓራ ሃገርኸ ኣይምነንንዶ? ኢልና ሓቲትና ንለከዓዮ

ዉልቃዊ ሓርነት ዘይወነነ ኣብ ዝኾነ ብርኪ ዘሎ ዉልቀሰብሙሁር ሰራዊት በዓል ሃፍቲ ኣብ መቑሕ ዝነብር ሓቀኛ ጣዕሚ ህይወት ዘይረኸበ ናይ ጎተቱ መናብርቲ ዕድል ደቁ ብምህዞ ዘየመዓራር ናይ ካልኦት ባርያ ኾይኑ ይሓልፍ

ትግራዋይ ረብሓን ዉልቃዊ ሓርነት ምልስ ኢሉ ክርኢ ኣለዎገለ ረብሓታት ውልቃዊ ሓርነት ንምጥቃስ ብኹሉ መዳይ ንባዕልኻ ትምስል ንኻልኦት ስለተኽብርን ስለዘኽብሩኻ ምስካልኦት ብሰነያ ትነብር ፍልፍል እወንታዊ ሓድነት ትኸውንንሰባት ክትመስል ዲሕ ይትብልን ንዓርስኻ ትመስል ሓቂ ትዛረብ ንሓቂውን ትሰምዓ ብደቀቐቲ ተስፋታት ሸንዳሕዳሕ ኢልካ መሰልካ ኣሕሊፍካ ኣይትህብ ካልኦትውን ኣይተሸድንንተበላፃይ ከይኮንካስ ተሳታፋይ ለማናይ ከይኮንካስ ወሃባይ ትኸውን መጣቓዓይ ከይኮንካስ ዝተረደኦ ደጋፋይ ኮይንካ በዓልፍረ ትኸውን ተሓሽካራይ ከይኮንካስ ምኽንያታዊ ተኸታሊ ትኸውንክትሕስው ዘገድደካ ነገር ኣቐዲምኻ ስለዝቐተልካዮ ሓሶት ባዕላ ትሃድመካ ርኡይ ሓቀኛ ትኸውን::

እዚ ዝመስል መንነት ዝህበካ ዉሽጣዊ ሓይሊ ደርቢካ ምንባር ንሕሊናኻ ኣደዳ ደጋዊ በትሪ ጌርካ እናተገረፍካ ንምንባር ፈቓድ ምሃብ እዩ ዉፅኢቱ ድኽነትን ዕንወትን እምብር ካልእ ተስፋ ብሉን

ስለዝኾነ ተጋሩ ሙሉእ ውልቃዊ ሓርነት ንትባዕ! ካበቶም ዘይሓቀኛ መንነትና ክንውን ዘለማመዱና ፖለቲካዊ መቑሓትን ሃይማኖታዊ ኾኑ ካልኦት ድሕረታትን ሓራ ንውፃእሓራ ዝወፀ ዉልቀሰብ ተኣኪቡ ሓራ ዝወፀ ዓዲ ይውንን

2 thoughts on “ንዉልቃዊ ሓርነት ንተብዕ!

  1. Welcome Teferi [TLM]
    ክፍተት ሚድያ ትግራይ ንምምላእ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ንፅረት፣ ሓርነትን ናፅነትን ዓብዪ እጃምን ተፅዕኖን ክህልወኩም/ክተሕድሩ ከም ሓደ ባህጊ ናፅነት ትግራይ እተወፍይዎ ዝነኣድ እዩ። Welcome again!

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *