ሓርነት ከም ሰብ ዓርስኻን ሓሳብኻን ኾይንኻ ከም ማሕበራዊ እንስሳ ድማ ንሕግታትን ክብርታትን ማሕበረሰብካ ኣኽቢርካ ብኣማናዊ መንነትካ እትነብረሉ ግቡእ ናይ ሀይወት ፈለግ እዩ። ኣብ ጉዕዞ ህይወት ከየቛረፀ ዝውሕዝ ንእምነታቱ ንሓሳባቱንመሓዝቱ ዘልምዕ ንኻልኦት ዘይበልዕ ብስነምግባራዊ ጀግንነትኻ እተጥርዮ ዓርስኻ እትረኽበሉን እትነብረሉን ዉሽጣዊ ሓይሊ እዩ።
ሓርነቶም ዝኣወጁ ዉልቀሰባት እንትእከቡ ድማ ሓርነቱ ዘረጋገፀ ህዝቢ ይኾኑ። ሓርነቱ ዘረጋገፀ ህዝቢ ኣብ ምህዞ፣ ኣብስራሕ፣ ኣብ ፍርያት፣ ኣብ ፍትሒ ብሙሉእ ልቡ ትረኽቦ። ሓርነቱ ኣብ ህሊንኡ ዝወነነ ዉልቀሰብ ናይ ዓርሱን ናይ ካልኦትንዋጋ ኣዝዩ ኽባር ምኻኑ ዝፈልጥ ሰብ መኽበራይ፣ ገፅ ሰብእናረኣየ ገማዕ ገማዕ እናበለ ጉጅለኣዊ ሓሳብ ከይኮነስ ንፍልጠቱ ኣሚኑ ግና ድማ እናመርመረ እናሳነየ ዝነብር፣ ንተፈጥሮኣዊ መሰላት ተሓላቓይ፣ በዓል ሙሉእ ዓርሰ እምነት ይኸውን።
ብሓርነት ንኽነብር ኩሉ ዓቕሚ ተዋሂብዎ ዝተፈጠረ ወዲሰብ መንግስታት፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ከደምቲ ፖለቲካዊ ፅንሰ ሓሳብን ካብቶም ቀዲሞም ዝስርዑ መንጠልቲ ሓርነት እዮም።
እዚ ዘመን ሕድሕደ ትግራዋይ ዉልቃዊ ሓርነቱ ዝወነነ ድዩወይስ ኣይወነነን ኢልና እንርእየሉ ቁርፀኛ እዋን ኾይኑሎ። በዚዛዕባ ንዓርስና ንምዕቃን ድማ ሓርነት ከመይ ይምንጠል? ኢልናገለ ዉሽጣዊ ሓርነት ዘጥፍኡ መገድታት ንርአ። ሓርነትኻብስሑት ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ብኸይዲ ትምንጠል። ናፃ ኣውፂእናካ ብዝብሉ እዋናዊያን ሰበስልጣን እውን ትምንጠል ሞኣብ ጉዳይ ዓድኻ ካልአዋይ ትኸውን። ፖለቲካዊ ልዕልና ዝረኸቡ ፖለቲከኛታት ተለኣኣኺ ፅንሰ ሓሳቦም እንተዘይኾይን ኻብቕፅዓትን ብምንሻውን ሓርነትኻ ይምንዝዑኻ። ነዚኦምን ካልኦት ሓቅታትን ሪኢና ትግራዋይ ዉልቃዊ ሓርነቱ ዝወነነ ህዝቢ ድዩ? ሓርነቱ እንተዝውንንኸ ኣይመልመዓንዶ? ኩሉ ክእለታቱ ብፍርያት ኣይመርኣየንዶ? ካብ ገለ ሓይልታት ተፀባዪ ሓሳብን ቃላትን ኣይኮነንዶ? ንመስዋእትነቱ ዋጋ ኣይምሓተተንዶ? እናኸፍኦ ተመሳሲልኻ ምንባር ይሓይሽ ምበለዶ ነይሩ? ሓራ ሃገርኸ ኣይምነንንዶ? ኢልና ሓቲትና ንለከዓዮ።
ዉልቃዊ ሓርነት ዘይወነነ ኣብ ዝኾነ ብርኪ ዘሎ ዉልቀሰብ፣ ሙሁር፣ ሰራዊት፣ በዓል ሃፍቲ… ኣብ መቑሕ ዝነብር ሓቀኛ ጣዕሚ ህይወት ዘይረኸበ፣ ናይ ጎተቱ መናብርቲ፣ ዕድል ደቁ ብምህዞ ዘየመዓራርን ናይ ካልኦት ባርያ ኾይኑን ይሓልፍ።
ትግራዋይ ንረብሓን ዉልቃዊ ሓርነት ምልስ ኢሉ ክርኢ ኣለዎ። ገለ ረብሓታት ውልቃዊ ሓርነት ንምጥቃስ ብኹሉ መዳይ ንባዕልኻ ትምስል፣ ንኻልኦት ስለተኽብርን ስለዘኽብሩኻን ምስካልኦት ብሰነያ ትነብር፣ ፍልፍል እወንታዊ ሓድነት ትኸውን፣ ንሰባት ክትመስል ዲሕ ኣይትብልን ንዓርስኻ ትመስል፣ ሓቂ ትዛረብ ንሓቂውን ትሰምዓ። ብደቀቐቲ ተስፋታት ሸንዳሕዳሕ ኢልካ መሰልካ ኣሕሊፍካ ኣይትህብ ንካልኦትውን ኣይተሸድንን። ተበላፃይ ከይኮንካስ ተሳታፋይ ለማናይ ከይኮንካስ ወሃባይ ትኸውን፣ መጣቓዓይ ከይኮንካስ ዝተረደኦ ደጋፋይ ኮይንካ በዓልፍረ ትኸውን፣ ተሓሽካራይ ከይኮንካስ ምኽንያታዊ ተኸታሊ ትኸውን፣ ክትሕስው ዘገድደካ ነገር ኣቐዲምኻ ስለዝቐተልካዮ ሓሶት ባዕላ ትሃድመካ፤ ርኡይ ሓቀኛ ትኸውን::
እዚ ዝመስል መንነት ዝህበካ ዉሽጣዊ ሓይሊ ደርቢካ ምንባር ንሕሊናኻ ኣደዳ ደጋዊ በትሪ ጌርካ እናተገረፍካ ንምንባር ፈቓድ ምሃብ እዩ። ዉፅኢቱ ድኽነትን ዕንወትን እምብር ካልእ ተስፋ የብሉን።
ስለዝኾነ ተጋሩ ንሙሉእ ውልቃዊ ሓርነት ንትባዕ! ካበቶም ዘይሓቀኛ መንነትና ክንውን ዘለማመዱና ፖለቲካዊ መቑሓትን ሃይማኖታዊ ኾኑ ካልኦት ድሕረታትን ሓራ ንውፃእ። ሓራ ዝወፀ ዉልቀሰብ ተኣኪቡ ሓራ ዝወፀ ዓዲ ይውንን።
Welcome Teferi [TLM]
ክፍተት ሚድያ ትግራይ ንምምላእ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ንፅረት፣ ሓርነትን ናፅነትን ዓብዪ እጃምን ተፅዕኖን ክህልወኩም/ክተሕድሩ ከም ሓደ ባህጊ ናፅነት ትግራይ እተወፍይዎ ዝነኣድ እዩ። Welcome again!
ፅቡቅ ሐሳብ