ሓድሽ ወለዶ ይለብም!

Poem

[ገ/ኢ. ጐርፉ]

ብዘይ ሕንቃቔ፣ ብዘይ ቄንጣ-ምንጢ
ህዝበይ ዕማመት ጉልባብኪ ቀንጥጢ
ክተምጽኢ ዘላቒ ሱር-ነቀል ለውጢ!

ትግራይን ኤርትራን እንትሓብራ
ዝኾነ-ይኹን ሓይሊ ከም ዝብንቁራ
ፍሉጥ እዩ ብታሪኽ ኣርእየን፣ ዘመስከራ።

ይኹን ድኣ እምበር ንኽልቲአን ኣድንቊሩ፣
ከይነቕሓ ዓይነን ሸፊኑ፣ አዕዊሩ፣
ይጻወተለን ኣሎ ጸላኢ ንሓዋሩ።

መራሕተን ብሃተፍተፍ ዴሞክራሲ ባኅሪሮም ዝደንቈሩ፣
ካብ ተንኰል ምንሊኽ ዘይተምሃሩ፣
ጨካናት፣ ብህዝቦም ዝሽቅጡ፣ ዘይምሕሩ!

ዝገርም እዩ፣ ‘ታይ ክንዛረበሉ!
ምንሊኽ ዝተኸሎ ዕሾኽ ማይ አስትዮም ዘብቁሉ፣
ፍረ ኣፍርዮም፣ ገጸ-በረከት ዘቕርቡሉ።

ሓድሽ ወለዶ ዓይኑ ይኽፈት ፈጢኑ
ካብ ደናቑር መራሕቲ ርእሱ ኣድሒኑ
‘ገደልኩም እተዉ’ ኢሉ፣ ጠንጢኑ!

ንሻዕብያን ወያነን ኮኒኑ፣ ኣውጊዙ፣
ሐቢሩ፣ ኢድ-ንኢድ ተተሓሒዙ፣
ይገስግስ ንቕድሚት ሠይፉ መዚዙ።

ትግራይን ኤርትራን ምስ ተሓባበራ፣
እታ ጥንታዊት ኣዂስም እሞ ብሓደ ይፈጥራ፣
ንብዘላ ኣፍሪቃ እኳ ምተቘጻጸራ።

ጎባጥ ዝኾነ ኹሉ ይቕናዕ፣
ሓድሽ ወለዶ ይለብም፣ ይጽናዕ!
ሰማዒ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ።

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *