ዝወለደቶ እትበልዕ ወንበር

[ብሃይለ ገብሩ] 17/06/2017 ዓ/ም ህልዉ እናቐተለት ንምዉት ትዝኽር ንልምዓት ገዲፋ ጉድጓድ ሞት ትፍሕር ንኽቡር ቐቲላ ኸቢራ እትነብር ባዕላ ቀቲላ ኣብ ልዕሌኻ ጉንጉን ኣበባ ተንብር ከምኡ’ያ ንሳ ኣብ ናይ ህዝባ ሬሳ እትጭፍር! ሰላም ዘይትፎቱ ሕስርቲ ብነብሳ ፍርናሽ ዝኩርኩሓ ዝምችዋ ሬሳ ምዉት እተብዝሕ ክትኸብር ዓርሳ ን50 ዓመታት ደም መንኣሰይ ትግራይ ገይራ መተንፈሳ ከምኡ’ያ ንሳ ህልዉ ዘይግድሳ ሬሳ […]

Continue Reading - ንባብ ይቕጽል

ጀጋኑ ተጋደልቲ

አንቱም ጀጋኑ ተጋደልቲ ድሮ ተረሲዑ ‘ቱ ኹሉ መስዋእቲ ስኣን ለባማት ውሕሉላት መራሕቲ ሰዒርኩምስ ኮይንኩም ተምበርከኽቲ። ክሳዕ መኣዝ ‘ዩ ትዕግስትኻ ኣሽሓት ደቅኻ ሰዊእኻ አንታ ገባር ጻዕረኛ ሓረስታይ ተልዓል’ባ ጸዋር ህዝቢ ትግራይ። ተባራበር ተንስእ ድያስፓራ ይእኸል ድቃስ ትግራይ ተወሪራ እኖኻ ሰበይትኻ ሓፍትኻ ተደፊራ ሕዝቢ ‘ና ጸነተ ብጥምየት ብፌራ ዓው ኢልካ አእውይ ንዓለም ንገራ። እዙ ወለዶ ብሰላም ተቐቢሉ […]

Continue Reading - ንባብ ይቕጽል

ጽዋእ-ሞት

[ገ/ኢ. ጐርፉ] ሓደ ኣለና ኢሎም “ቴድሮስ! ቴድሮስ!” ክብሉ “ኢድ ዘይህብ ጅግና” ኢሎም ክዕልሉ፣ ትግራይ ዕጽፊ ጌርና፣ ድማይ ሠሊስናሉ። ቴድሮስዶ ኣምሓራይ? እንኡ ቅማንቲ ቋረይቲኮ እያ። በደል ደጃት ውበ ንምኽሓስ ብሞያ፣ ረገጾም ነምሓራ ንጐንደር ብሓዊ ኣውዓያ! ጀጋኑና ነልዕል ንወድሶ ስሞም፣ ሠለስተ መራሕቲ፣ “ኢድና ኣይንሃብ!” ኢሎም  ርእሶም ዝረሸኑ፣ ትግራዎትና እዮም! እስቲ ቑጸረለይ መን-መን ክብል እየ? ኣባ-ነብሶ – ኣስመላሽ፣ […]

Continue Reading - ንባብ ይቕጽል

ሓድሽ ወለዶ ይለብም!

[ገ/ኢ. ጐርፉ] ብዘይ ሕንቃቔ፣ ብዘይ ቄንጣ-ምንጢ ህዝበይ ዕማመት ጉልባብኪ ቀንጥጢ ክተምጽኢ ዘላቒ ሱር-ነቀል ለውጢ! ትግራይን ኤርትራን እንትሓብራ ዝኾነ-ይኹን ሓይሊ ከም ዝብንቁራ ፍሉጥ እዩ ብታሪኽ ኣርእየን፣ ዘመስከራ። ይኹን ድኣ እምበር ንኽልቲአን ኣድንቊሩ፣ ከይነቕሓ ዓይነን ሸፊኑ፣ አዕዊሩ፣ ይጻወተለን ኣሎ ጸላኢ ንሓዋሩ። መራሕተን ብሃተፍተፍ ዴሞክራሲ ባኅሪሮም ዝደንቈሩ፣ ካብ ተንኰል ምንሊኽ ዘይተምሃሩ፣ ጨካናት፣ ብህዝቦም ዝሽቅጡ፣ ዘይምሕሩ! ዝገርም እዩ፣ ‘ታይ […]

Continue Reading - ንባብ ይቕጽል