[ብሃይለ ገብሩ]
17/06/2017 ዓ/ም
ህልዉ እናቐተለት ንምዉት ትዝኽር
ንልምዓት ገዲፋ ጉድጓድ ሞት ትፍሕር
ንኽቡር ቐቲላ ኸቢራ እትነብር
ባዕላ ቀቲላ ኣብ ልዕሌኻ ጉንጉን ኣበባ ተንብር
ከምኡ’ያ ንሳ ኣብ ናይ ህዝባ ሬሳ እትጭፍር!
ሰላም ዘይትፎቱ ሕስርቲ ብነብሳ
ፍርናሽ ዝኩርኩሓ ዝምችዋ ሬሳ
ምዉት እተብዝሕ ክትኸብር ዓርሳ
ን50 ዓመታት ደም መንኣሰይ ትግራይ ገይራ መተንፈሳ
ከምኡ’ያ ንሳ ህልዉ ዘይግድሳ ሬሳ ክትርኢ ብነብሳ ዘሐጉሳ
ገፊሕ ጉዳይ ፀሊም ዳስ ዘደስድስ
ዕድም ብኣልማሚት ንኹሉ ዝሓዉስ
ደም ሰብ ስዋ ኾይኑ ተቐይሩ ናብ ሜስ
ሬሳ ዝቀለባ ናይ ጥፍኣት መሃንዲስ!! (2)
ብመርዓታ ትቕመጥ ዓይና ተኳሒላ
ወንበር ዘይትወርድ ዋላ ፍሕት ኢላ
ደም ህዝቢ ምምጣት ዝለመደት ናይ ሰይጣን ታፔላ
ንኹሉ ትዕድም ኣብ ናይ ኲናት ጓይላ።
ከምኡ’ያ ንሳ ንብዓት ኣዶ ትግራይ ትሽቅጠሉ ምንዛሪ ናይ ሓወላ ።
ነቲ ኽቡር ህዝቢ ዝሓሊ ንነብሳ
ዝተወለደ ህፃን ኣፋ ዘኹልሳ
ኣፍ ሞት ሰጢሓቶ ውለትኡ ነኺሳ
ምሃብ ዘይኣመላ ከምኡ’ያ ንሳ።(2)
ሓቀኛ ቀቲላ ሌባ ትንከባከብ
ወዲ 80 ሓዚላ ወዲ 20 ንሰይጣን ትቅልብ
ቀትሪ ምስለይቲ ኩናት ንክትፈጥር መፅሓፈ ሰይጣን ተንብብ
ከምኡ እያ ንሳ ካብ ሞት ዘድሐና ገዲፋ ቀታሊኣ እትሕብሕብ
በቢ 20 ዓመት ዕሸላት መንኣሰይ ቁማር ኣትሒዛ ንሰይጣን ትምድብ
መቃብር ከይብልዋስ ቀየሕትን ፀለምትን ጀጋኑ ዝተሰውእሉ ክብሪ ሂቦም ኢለምዋ ውድብ !!( 2)
ብመርዓታ ትቕመጥ ዓይና ተኳሒላ
ወንበር ዘይትወርድ ዋላ ፍሕት ኢላ
ንኹሉ ትዕድም ኣብ ናይ ኲናት ጓይላ።
ከምኡ’ያ ንሳ ንብዓት ኣዶ ትግራይ ትሽቅጠሉ ምንዛሪ ናይ ሓወላ ።
ደም ህዝቢ ምምጣት ዝለመደት ናይ ሰይጣን ታፔላ!!
