ኣብዙ ሰሙን ብዛዓባ ጀነራል ፃድቃን ገ/ትንሳኤ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ተወዙዑ ዘሎ ዝምልከት ሓፂር ፅሑፍ

Articles Politics

[ብተስፋይ ሓየሎም፣ ዓለምለኻዊ መጽናዕትን ጸጥታን ክኢላ ምርምር – By Tesfay Hayelom, International study and security Research expert]

ናይ ኤርትራ መንግስቲ/ሻዕብያ ምስ እኒ በዓል ዶ/ር ደብረፅዮን ተስማዕሚዖም ንጀነራል ፃድቃን ነጥፈኣዮ ኢሎም ዝብል ተወዙዑ ኣሎ፡፡ እዝይ ሓቂ ድዩ ኣይኮነን ክፃረ ኣለዎ?

ነዙ ክፉእ ሓሳብ ፖለቲዊ ምኽንያት ኣለዎዶ? እወ ኣለዎ

ጀነራል ፃድቃን ኣብ ወርሒ ሕዲር 2017 ዓ/ም ብናይ ፌዴራል መንግስቲ ፃዊዒት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝነበረ ኣኼባ ብወገን ኤርትራ ዘሎ ድንበር ክፍቲ ስለዝኾነን እቲ ፅንተት እውን በሰራዊት ኤርትራ ይቕፅል ስለ ዘሎን ናይ ኢትዮጵያ መከላኸሊ ሰራዊት ዓለም ለኸ ድንበር ክሕሉ ኣለዎ ኢሉ እዩ፡፡

ነዙ ድማ በዞም ዝስዕቡ ምኽንያታት መብርሂ ሂብሉ እዩ፡-

1. ብመሰረት ስምምዕነት ውዕሊ ፕሪቶሪያ ዓለም ለኸ ድንበር ናይ ምሕላው ሓላፍነት ናይ ፌዴራል መንግስቲ ስለዝኾነ፡፡ ዓለም ለኸ ድንበር ምሕላው ብወገን ድንበር ኤርትራ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ መከራን ስቓይን ከቕንስ ስለ ዝገብርን ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ትግራይን ዘየድሊ ተወሳኺ ተፃብኦ ስለ ዝቕንስን እዩ፡፡ ዓለም ለኸ ድንበር ምሕላው ሰላም ከምፅእ ስለ ዝኽእል፣ ንሕና ድማ ሰላም ክህሉ ስለንደሊ እዩ፡፡

2. ትግራይ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ሰላም ስምምዕ ስለዘይገበረት እዩ፡፡

3. ክሳብ ሐዚ መንግስቲ ኤርትራ ብዘሓት ናይ ትግራይ ቦታት ጎቢጡ ፅንተት ይቕፅል ስለዘሎ፡፡ ምዕራብ ትግራይ ጥራሕ ኣይኮነን ብወረርቲ ተታሒዙ ዘሎ ከም ኢሮብ፣ ቆላ እገላ፣ ባድመ፣ ሸራሮ፣ ጉለመኻዳ ዝበሉ ከባብታት ትግራይ እቲ ህዝቢ ተፈናቒሉ ከምዘሎ፣ ትግራይ ኣይኮንኩምን ኤርትራ ኢኹም እናበለ መንነት ብሓይሊ ይቕይር ስለዘሎ፣ እዙ ድማ ናይ ፕሪቶሪያ ስምምዕነት ስለ ዝጠሕስን ነዙ ደው ከብሎ ዘለዎ ፌዴራል መንግስቲ ስለዝኾነ፡፡

4. ብመሰረት ስምምዕነት ውዕሊ ፕሪቶሪያ ካብ ናይ ኢትዮጵያ ፌዴራል ሰራዊት ወፃኢ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዘለው ወረርቲ ሓይልታት ክወፁ ከም ዘለዎም ነዙ ዘፈፅም ድማ ናይ ኢትዮጵያ ፌዴራል ሰራዊት እዩ ዝብል፡፡ ስለዙይ ፌዴራል መንግስቲ ናይ ኣምሓራ ሓይልን ናይ ኤርትራ ሓይልን ካብ ትግራይ ከውፀኦም ኣለዎ፡፡

5. ናይ ትግራይ ፀጥታ ሓይሊ /ሰራዊት ትግራይ/ ዓቕሚ ስለዘለዎ ኢልና ንናይ ኤርትራ ሰራዊት ብሓይሊ ከልቅቖም ኣለዎ እንተይልና ድማ ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ኤርትራን ናብ ዘየድሊ ተወሳኺ ደምነት ስለ ዘእቱን ክምረፅ ስለዘይግባእን እዩ፡፡ ምስ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ተኣሳሲሩ ድማ ናብ ካልእ መካትዕን መጠራጠርን ዚዕባ ስለ ዘእቱ እዩ፡፡ እቲ ሕጋውን ተመራፅን መንገዲ ፌዴ ራል መንግስቲ ምስ ዓለም ለኸ ሓይልታት ብሓባር ፅዕንቶ ብምፍጣር ናይ ፕሪቶሪያ ስምምዕነት መሰረት ገይሩ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ዝሓዞም መሬት ትግራይ /ኢትዮጵያ ክለቁን ተመዛበልቲ ናብ ቦተኦም ክምለሱን ምግባርና እዩ፡፡ጀነራል ፃድቃን እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተገለፁ ነጥብታት ሓሲቡ ብምንጋሩ በቶም ምስ ብልፅግና ኮይንና ናይ ትግራይ ግዝያዊ ምምሕዳር ከም ብሓዱሽ ንመስርት ንጀነራል ፃድቃንን ጌታቸው ረዳን ጥራሕ ኣውርደልና እምበር ዝብሉ ዝነበሩ ናይ ዶ/ር ደብረፅዮን ጉጅለ ጀነራል ፃድቃን ናይ ኢትዮጵያ ሰራዊት ናብ ትግራይ ይእቶ ኢሉ እናበሉ ከም ከሓዲ ዓዱ ተወሲደ ክሕደት ተባሂሉ ሰፊሕ ናይ ፀለመ ፕሮፓጋንዳ ተኻይድሉ እዩ፡፡ ብወገን ሻዕብያ ድማ ገና ብገና ፌዴራል መንግስትን ትግራይን ብሓባር ኮይኖም ናብ ኤርትራ የቕንዑ ኣለው ጠፋእና ዝብል ራዕድን ሽበራን ፈጢሩ እዩ፡፡ እዙይ ከም ሓደ መበገሲ ፀለመ ዝተጠቐምሉ ጉዳይ እዩ፡፡

እቲ ዋና ጉዳይ ግን ጀነራል ፃድቃን ኣብ ፅሑፉ ዘቐመጦ ጉዳይ እዩ

ብሓምለ 2016 ዓ/ም ጀነራል ፃድቃን በዛዓባ ፖለቲካዊ ምሕደራ ትግራይ ኣብ ዝብል ፅሑፉ፣ ህዝቢ ትግራይ፣ ጉዳይ ኤርትራን ቀርኒ ኣፍሪካን ዝምልከት እዞም ዝስዕቡ ሓሳባት ኣቐሚጡ እዩ፡፡

  • እዙ ናይ ቀርኒ ኣፍሪካ ፖለቲካ ይቕየር ዝብል፤
  • እዙ ናይ ቀርኒ ኣፍሪካ ብፍላይ ከዓ ናይ ኢትዮጵያን ኤርትራን /ትግራይን ኤርትራን ፖለቲካ ካብ ተፃበኦ ይውፃእ ዝብል፤
  • ካብ ናይ ምልኪ ፖለቲካ ዝበልኩኻ ጥራሕ ስማዕ /ግበር /ዝብል ፖለቲካ ይውፃእ፤
  • ኣነ እየ ወራሲ ወንበር ዝብል ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ይቀየር ዝብል፤
  • ሙሁርን መንእሰይን ናብቲ ዋና ናይ ፖለቲካ መሰርሕ ይእቶ፤  ንሱ ይሓዞ፤
  • ናይ ተወዳዳራይን ብሓቀኛ መረፃን ስልጣን መሓዝን ፖለቲካ ይተካእ ዝብሉ ሓሳባት በቲ መንእሰይን ሙሁርን ተቐባልነት ይረኽቡ ኣለው እዮም፤
  • ጉዳይ ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ኤርትራን ዝምለከት ኣብ ገፅ 25 እቲ ፅሑፍ ዘለው መሰረታዊ ሓሳባት ዝምልከት ድማ:- “ንናይ ክልቲኡ (ትግራይን ኤርትራን) ህዝቢ ረብሓን ደሕንነትን ምዕሩይ ምሕዳር ብምምፃእ ታሪኻዊ ሓድነቱ ከጠናኽር ይግባእ፡፡ ብናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ግዝያዊ መኽሰብ ከይተጎልበበ ብናይ ክልቲኡ ህዝቢ ድልየትን ጥቕምን መሰረት መፃኢ ዕድሉ ዝውስነሉ ባይታ ክፍጠር ኣለዎ፡፡ ኣብዙ ብፍላይ ኣብ ትግራይን ኤርትራን ዘለው መናእሰይ ደቅና እቶም ቀዳሞት ናይ ክልቲኡ ወገን ወለዶም ዝፈፀምዎም ጌጋታት ፈቲሖም ናይ ክልቲኡ ህዝቢ መፃኢ ዕድል ክልምልም፣ ሰላምን ልምዓትን፣ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ክህነፅን ሰናይ ጉርበትና ክህሉን መንእሰይ ትግራይን መንእሰይ ኤርትራን ተዋዲዶም ሰላማውን ፖለቲካውን ቃልሶም ከበርትዑ ይግባእ፡፡”

ነዞም ሓሳባት እዙኦም ጀነራል ፃድቃን ብግልፂ ኣብ ፅሑፉ ኣቐሚጥዎም እናሃለወ ብሓሳትን ልበወልድን ፀለመን ፕሮፓጋንዳን ዘካይደ ብክልቲኡ ወገን ዘለው ምልኽትን ገበነኛታትን ሓይልታት ነቲ ሰናይ ጉርብትናን ሰላማዊ ናብራን ክልቲኡ ህዝቢ ዘይብህጉ እዮም፡፡

እዞም ልዕል ኢሎም ዝተገለፁ ሓሳባት ነቶም ኣብ ትግራይ ዝነብሩ ሐዙውን ብዓመፅን እምቢታን ስልጣን መሊሶም ክሕዙ ዝፅዕሩ ዘለው ናይ ዶ/ር ደብረፅዮን ጉጅለን  ደገፍቶምን ኣደንጊፅዎም እዩ፡፡ ብሓሳብ ክምጉትዎን ክካትዕዎን ኣይከኣሉን፡፡ ሻዕብያ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ድከቱ ኣእትዩ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ እውን ፅንተት ፈፂሙን ይፍፅምን ኣሎ፡፡ ክልቲኦምሓይልታት ወንጀለኛታት እዮም፡፡ ናይ ክልቲኡ ህዝቢ መንእሰይ ስልጣን ክሕዝን ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ክህነፅን ኣይደልዩን፡፡ ፀለመ ተወዱእዎም እቲ ዘለዎም መማረፂ ቅድሚ ጠቕሊሎም ምጥፈኦም እቲ ዋና ናይዙ ሓሳብ መመንጨውን በዓል ቤትን ዝኾነ ጀነራል ፃድቃን ንምጥፋእ ከም ሓደ መማመረፂ ይወስድዎ ኣለው፡፡ ብወገን ኤርትራ እውን እዙ ናይ ለውጢ ሓሳብ ኣብቲ መንእሰይን ሙሁርን ዓብዪ ተቐባልነት ይረክብ ኣሎ፡፡ እቲ ኣብ ትግራይ ዝግበር ዘሎ ናይ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ኣብ ኤርትራ እውን ይስማዕ ጥራሕ ዘይኮነስ ንኢሳያስ ኣፈወርቅን ሰዓብቱን ናይቲ መንእሰይ ኤርትራ ናይ ለውጢ ባህጊ ምልዕዓሉ የርዕዶም ኣሎ፡፡

ተጋሩ መናእሰይ ኣብ ኤርትራ ይሃልው ኣብ ትግራይ፣ አዲስ ኣባባ፣ ዋሽንግተን፣ ለንደን፣ ኔዘርላንድ፣ በርሊን፣ እስራኤልን ካልእ ቦታን ዘለው ይስማዕምዑ ኣለው ይሰምዑ እውን ኣለው፡፡ እዙ ምንቅስቃስ ቀፃላይ ክልቲኦም ህዝብታት ኩሉ ጉልበቱ ነኒባዕሉ ንምጥፍፋእ ምዃን ተሪፉ ንሰላምን ሓባራዊ ረብሓን ክስለፍ ከም ዘለዎ ብኣካል ከይተኣከበን ከይተራኸብን ኣብ ዘለዎ ኮይኑ ብሓሳብ ይረዳዳእ ኣሎ፡፡ ነቶም ኣብ ክልቲኡ ወገን ዘለው ወንጀለኛታት መራሕቲ ድማ ሕልፈቶም እናቐረበት ትኸይድ ከም ዘላ ከረኣዮም ገይሩ ኣሎ፡፡ ናይዙ ምንቅስቃስ መራሒ ጀነራል ፃድቃን እዩ፡፡

ስለዙይ ከየጥፈአና ቀልጢፍና ነጥፋእዮ ካብ ስልጣን ተወጊደ እውን ዓሪፉ ስለዘየንብረና ብህይወት ከም ዘይህሉ ንግበሮ ክብሉ ከለው ካብ ናቶም ረብሓ ንምሕላውን ካብ ወንጀሎም ንምክልኻልን ክፍፅምዎ ካብ ዝደለዩ ድሕረትን ድንቁርና ፖለቲካን ተበጊስካ ክረአ ከሎ ሓቆም እዮም፡፡ እቲ ዋና መበገሲ ጉዳይ እዙ ኣብ ላዕሊ ዝተገለፀ ሓሳብ እዩ፡፡

እሞ እንታይ ይገበር?

  • ብክልቲኡ ቦታት (ትግራይን ኤርትራን) ዘሎ ትግራዋይ መንእሰይን ሙሁርን ኣብ ሃለወ ይሃሉ ናይቲ ጉዳይ በዓል ዋና ባዕሉ ይኹን፤
  • ነቶም መለኽቲ ኣልዩ ጉዳይ ዓዲ ከቃንዕ ይግባእ፤
  • ክልቲኡ ህዝቢ ኣብ ተፃበኦ /ኩናትን ወረ ኩናትን ክነበር ዝገበሩና ዘለው ወንጀለኛታት መራሕቲ ይኣኽሎኩም ይበሎም፡፡ ዕድሜኦም የሕፅሮ፡፡
  • ናይ ዝሓለፈ መከራ ይኣክል ክልቲኡ ህዝቢ ብሰላምን ሰናይ ጉርብትናን ይንበር፡፡
  • መንእሰይ ትግራይን መንእሰይ ኤርትራን ኣብ ዘለውዎ ኮይኖም እቲ ፖለቲካዊ ሕመቕን ኩናትን ወረ ኩናት ይኣከል ይበሉ ሰላም፣ ልምዓትን ዴሞክራስን ሰናይ ጉርብትናን ይህነፁ፡፡ ሕሉፋት ጌጋታት ከይድገሙ ክልቲኡ ህዝቢ ናይ ሓባር ታሪኽ፣ ረብሓ፣ ስግኣትን ዕድልን፣ መፃኢ ተስፋን ዘለዎ ህዝቢ እዩ፡፡ መናእሰይ ክልቲኡ ወገን ነዙ ተረዱእኹምን ተሰማዕሚዕኹምን ዕድልኩምን ዕድል ዓድኹምን ህዝብኹምን ብተሳትፎን ሰናይ ድልየትን ባዕልኹም ወስኑ፡፡ ናይ ክልቲኡ ህዝቢ ሰላም ንናይ ቀርኒ ኣፍሪካ ሰላም ዓብዪ እጃም ኣለዎ እዩ፡፡

 

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *