ዘይሕጋዊ “ጡረተኛ ” መራሒ ትእምት!

Politics

“ኣነ እየ ሕጋዊ ቦርድ” እናበለ ብዓጋም ጠሓስ ዝጓዓዝ ዘሎ ብዶ/ር ኣብርሃም ተኸስተ ዝምራሕ ኣካል ካብ ዝፈፀሞም ብዙሓት ዘይሕጋዉን መነወርን ተግባራት ንሓንቲ መዚዘ ከውገዐኩም::

ዶ/ር ኣብርሃም ተኸስተ ብግዚያዉነት CEO ማእኸል ኢንቨስትመንት ትእምት ኮይኖም ክመርሑ ብ13 ሰነ ዝሾምዎ ሰብ ኣይተ ጥላሁን ታረቀ ይበሃሉ:: ተጋዳላይ ጥላሁን ዳይሬክተር ምግባረ ሰናይ ትእምት ኮይኖም እናመርሑ ዝነበሩ’ዮም::

ንሶም ኣብ 2015 ዓ.ም ጥሮተኦም ዘእኸሉ’ዮም:: ይኹን’ምበር ብዘመልከትዎ መሰረትን ሕጊ ትእምት ብዝፈቕዶን ጥረቶኦም ንኽልተ ዓመት ተናዊሕሎም እናሰርሑ ድሕሪ ምፅናሕ ኣብ ወርሒ ሕዳር መዓልቶም ወዲኦም ክሰናበቱ በቲ መናዉሒ ፍቓድ ዝሃበ ኣካል ሕጋዊ ደብዳቤ ተፃሒፍሎም’ዩ::

ይኹን’ምበር ኣይተ ጥላሁን ንዝተገበረሎም ሓለፋ ኣመስጊኖም ብኽብሪ ኣብ ክንዲ ምስንባት ኣብ ሞንጎ “ሕጋዉን ዘይሕጋዉን ቦርድታት” ንዘጋጠመ ምስሕሓብ ብምጥቃምን ብዶ/ር ኣብርሃም ምስ ዝምራሕ ዘይሕጋዊ ኣካል ብምዉጋንን “እምቢ ጥሮታ ኣይወፅእን” ብምባል ብሓይሎም ዘለው’ዮም:: ነዚ ዝተዓዘበ ኣመራርሓ ቦርድ መሃየኦም ብኣሰራርሓ ክቋረፅ ገይሩ’ዩ:: ንሶም ዝሰርሕዎ ስራሕ’ዉን ምክትሎም ክሰርሕዎ ተገይሩ’ዩ:: ካብ ቢሮ ግን እምቢ ኣይወፅእን ኢሎም ኣለው ክሳብ ሕዚ:: መኪና’ዉን ኣየረክብን ኢሎም ኣለው ክሳብ ሎሚ:: ኣብዚ መዳይ ኣመራርሓ ቦርድ ትእምት ኣብ ልዕሊ ዝሓንገደ ኣይተ ጥላሁን ሕጋዊ ስጉምቲ ንምንታይ ከምዘይወሰደ ኣይተረደአንን:: ዝኾነ ኮይኑ ሕንግድና ኣይተ ጥላሁን ብኣዮኻ በሃላይነት እኒ ዶር ኣብርሃም ተኸስተ ዝመፀ’ዩ::

ብጥሮታ ዝተሰናበቱን ብእምቢታ ቢሮን መኪናን ትእምት ዝጥቀሙ ዘለዉን ጥሮተኛ ኣይተ ጥላሁን ሕዚ ድማ “መራሒ ቦርድ ኣነ እየ” ብዝበለ ዶ/ር ኣብርሃም ተኸስተ ሓላፊ ምግባረ ሰናይ ትእምትን ግዚያዊ CEO ማእኸል ኢንቨስትመንት ትእምትን ኮይኖም ክሰርሑ’ዮም ተሾይሞም ዘለው:: ልቢ በሉ ካብ ናይ ምግባረ ሰናይ ሓላፍነቶም ብጥሮታ ዝተሰናበቱ ኣይተ ጥላሁን ኣብ ስርሖም’ዉን ክቕፅሉ ኣብ ርእሲኡ ንማእኸል ኢንቨስትመንት’ዉን ብተደራብነት ክመርሑ እዩ ብዘይሕጋዊ ኣመራርሓ ቦርድ ዘይሕጋዊ ሽመት ንዘይሕጋዊ ሰብ ተዋሂቡ ዘሎ:: እዚ እንታይ ይበሃል?

  1. ካብ ሓላፍነት ምግባረ ሰናይ ትእምት ብጥሮታ ዝተሰናበተ ሰብ ከመይ ኢሉ ኣብ ስራሕ ቀፅል ይበሃል?
  2. ኣብ ቁ-1 ካብ ዝተነፀረ ሓላፍነት ስራሕ ብጥሮታ ዝተሰናበተ ሰብ ንምንታይ ንቁ-1 ስራሕን CEO ማእኸል ኢንቨስትመንትን ኮይኑ ንኽልቲኡ ክመርሕ ተሰይሙ?
  3. እሞ ድማስ ምሁር ትግራይ ከምተስኣነ ንማእኸል ኢንቨስትመንት ትእምት ዘምርሕ ድልዉነት ዓቕምን ተሞክሮን ዘይብሉ ሰብ ከመይ ኢሉ ይምደብ!

ብዘይሕጋዊ ሸያማይ ዘይሕጋዊ ሽመት ዝረኸቡ ዘይሕጋዊ ሰብ ኣይተ ጥላሁን ታረቀ ንዝተገበረሎም ዘይሕጋዊ ዉዕለታ ንምምላስ ሕዚ ኣብ ማእኸል ኢንቨስትመንት ትእምት ቀንዲ ዘይሕጋዊ ጫዳሪ ኮይኖም ኣለው:

  • ማሕተም ብምሸት ብኣስገዳድ መንጣሊ ንሶም
  • ኣዉሪደካ ሸይመካ ኣጠንቂቐኻ ወዘተ ዝብሉ ሓሰር ደብዳቤታት ፀሓፊ ንሶም
  • ናብ ናይ CEO ቢሮ ዘው ኢሎም ኣትዮም ዝተቐመጡ ንሶም
  • ኣኼባ ፀዋዕን ኣፈራራሕን ንሶም
  • መኪና እንዳማቶም ብሓይሊ ብምጥቃምን ዘይምልከቶም መሃያ ሃቡኒ ኢሎም ብምምጓትን ንሕጊ ብምፍራስ ብዉሽጣዊ ሰራሕተኘኦም ከይተረፉ ኣብ ትዕዝብቲ ዝወደቑ ክንሶም ሕዚ ተሓላቒ ሕጊ መሲሎም ዝዋስኡ ዘለው ሞራል ኣልቦ ንሶም ወዘተ…::

ካብዚ ምርዳእ ዝከኣል “ትእምት እንተዘይጨቢጠ ሞይተ ይርከብ ኣለኹ” ብዝብል ኣካል ዝምራሕ ዘሎ ምንቅስቓስ እኒ ዶር ኣብርሃም ተኸስተ ዕላምኡ ንትእምት ንምሕዋይን ናብ ዘላቒ ምዕባለ ንምስግጋርን ዘይኮነ ንምጥቕቓምን ሃፍቲ ንምቁፅፃርን ምዃኑ ካብዛ ናይ ኣይተ ጥላሁን ምደባ ቅልዕቲ ተግባሮም ምርዳእ ቀሊል ይመስለኒ::

ነዚኣ ተራጉድ ካልአይቲ ኣብነት ድማ ንሓላፊ መምርሒ ፋይናንስ ማእኸል ኢንቨስትመንት ትእምት ኣይተ ኣለምሰገድ ኣሰፋ ተኪኦም ክሰርሑ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝተመደቡ ኣብ ደጀና ኬሚካል ኢንዱስትሪ ሓላፊ ጠቕላላ ግልጋሎት ኮይኖም ዝሰርሑ ዘለው ተጋዳላይ መሓሪ ሕዚ ዝመፅእ ዘሎ ወርሒ ሓምለ ጡሮታ ክወፁ ዝተቐረቡ’ዮም:: ብትምህርቲ ድልዉነትን ብልምድን ብቑዕ ዝኾኑን ኣብ ክሊ ዕድመ መንእሰይ ንዝርከቡን ኣይተ ኣለምሰገድ ኣሰፋ ኣልዒልካ በቲ ሓላፍነት ልምድን ድልዉነት ትምህርትን ንዘይብሎም እሞ ድማ ጡረታ ክወፁ ሓንቲ ወርሒ ንዝተረፈቶም ተጋዳላይ መሓሪ ምምዳብ ንትእምት ንምሕዋይ ዘይኮነስ ንምዝራፍ ንምጥቕቓምን ንምቁፅፃርን ዝዓለመ ምዃኑ ግልፂ ይመስለኒ::

ብኣይተ ቴዎድሮስ ሓጎስ ዝምራሕ ህልዉን ሕጋዉን ኣመራርሓ ቦርድ ትካላት ትእምት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ብጥቕሚ ዝተኣሳሰረ ጉጅለ ከይወድቃን ምእንተ ሕዉየተንን ቀፃሊ ዕብየተንን ካብ ፖለቲካዊ ንኽክእ ነፃ ኮይነን ብብቑዓት በዓል ሞያታት (ፕሮፌሽናልስ) ክምርሓ ይግባእ ብምባል’ዩ ብመተሓዳደሪ ደምቢ ትእምት መሰረት ብሕጊ ገቲሩ ሒዙ ዘሎ:: ኣግባብነት ዘለዎ ቅዋም’ዩ:: ይንእድ ድማ!

ኣባል ኣመራርሓ ቦርድ ትእምት ኣይተ ፀጋይ በርሀ ሓደ እዋን ኣብ ሚድያ ቀሪቦም ብዛዕባ ትእምት ካብ ዝተዛረብዎ ንሓንቲ መትከል ብምጥቃስ ክሰናበት:-

“ትካላት ትእምት ከምቲ ዝመፃእናዮ ጉጉይ መንገዲ ምስ ውድብ ህወሓት (TPLF) ተጣቢቐን ክኸዳ የብለንን:: እዚ ዘልማድ’ምበር ሕጊ ትእምት ይኹን ሕጊ ሃገር ኣይፈቅድን:: ስለዚ ሃለዋት ትእምት ናይ ህዝቢ ትግራይ ኮይነን ብዘላቕነት እናዓምበባ ንክቕፅላ ደጊም ካብ ፖለቲካን ውድብ ህወሓት (TPLF) ነፃ ኮይነን ብብቑዓት በዓል ሞያታት (ፕሮፌሽናልስ) ክምራሓ ይግባእ:: ነዚኣ በዚ ኣገባብ ኣሰጋጊረ እየ ስልጠነይ ከረክብን ክሓልፍን ዝደሊ:: ምእንተ’ዚ ክንሟጎት ኢና:: ክሳብ ላዕሊ ሰበር’ዉን ክንከይድ ኢና::” ……ናእዳ ንኢደ!!

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *