ጋዜጣዊ መግለፂ ውድብ ዲሞክራሲያዊ ስምረት ትግራይ (Press Statement: Tigray Democratic Solidarity Party)

News Press Releases


Source Credit (ምንጪ): ላዛ ትግርኛ (Laza Tigrigna)

ውድብና ዴሞክራሲያዊ ስምረት ትግራይ (ስምረት) ሎሚ ዕለት 23/09/2017 ዓ.ም ቅድሚ ቀትሪ ዕላዊ ስርሑ ምጅማሩ ብምብሳር ፣ ናይ ቀፃሊ መደባትን ካልኦት ብዛዕባ ውድብ ስምረት ዝምልከቱ ሓፈሻዊ መብርህታት ኣመልኪቱ ተጋዳላይ ረዳኢ ሓለፎም ንሚድያታት ጋዜጣዊ መግለፂ ሂቦም ኣለው::

ተጋዳላይ ረዳኢ ሓለፎም ኣባል ወዳቢ ኮሚቴን መተሓባበሪ ኮሚቴ ሚድያን ኮሚኒኬሽንን ውድብ ስምረት እንትኾኑ ውድብ ስምረት ወድዓዊ ኩነታት ትግራይ ፣ ኢትዮጵያ ፣ ከባቢናን ዓለምናን ኣገናዚቡ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው ንምፍታሕ ብዘኽእልን ዘለቒ ሰላም ንህዝብና ንምግሃድ ከምዝሰርሕ ዝብርሁ እንትኾኑ ዛጊድ ፕሮግራም ፣ ሕገ ደንብን ካልኦት ሓገዝቲ ሰነዳትን ተዳልዮም ብኣባል ፣ ደገፍትን ግዱሳት ምሁራት ተጋሩን ርኢቶ ተዋሂቡዎም ኣብ ዝቕፅል ሓደ ወርሕን ፈረቓን ኣብ ዘሎ ግዜ ውሽጢ መስራቲ ጉባኤ ኣብ ትግራይ ከተማ መቐለ ከምዝሳለጥ ተጋዳላይ ረዳኢ ገሊፆም።

ካብዚ ብተወሳኺ ዋና ቤት ፅሕፈት ውድብ ስምረት ኣብ ትግራይ ከተማ መቐለ ከምዝኸውን ካብ ሶኒ ዕለት 25/09/2017 ዓ.ም ጀሚሩ ድማ ኣብ መላእ ትግራይ ካብ ክልል ክሳብ ጣብያ ውድባዊ መሓውር ብምዝርጋሕ ምልመላን ምዝገባን ኣባላት ከምዝጅምርን ተጋዳላይ ረዳኢ ሓለፎም ሓቢሮም ኣለው።

ተጋዳላይ ረዳኢ ሓለፎም ኣብ መግለፂኦም ብተወሳኺ ብዘሃብዎ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብሙሉእነት ንክፍፀምን ዘላቒ ረብሓታት ትግራይ ንምርግጋፅን ምስ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ፣ ፌደራል መንግስቲ ፣ ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይን ማሕበረሰብ ዓለምን ውድብ ስምረት ሓቢሩ ከምዝሰርሕ ኣረጋጊፆም።

ውድብ ዴሞክራሲያዊ ስምረት ትግራይ (ስምረት)
ጉንበት 23/2017 ዓ.ም
ኣዲስ ኣበባ

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *