እኒ ፃድቃን፣ ጌታቸው፣ ወደሸብር “ይቀተሉ” ዝበሃሉላ ፤ ብሓይሊ ብረት ዝስጎጉላ፣ “ባንዳ”፣ “ፀላኢ” ዝብሃሉላ፤ ስም ብንፁህን ሙሉእን ልቢ ንትግራይ ዝተቓለሰ ሰብ ኹሉ ፀለሎ ዝኽደነላ፤ ክልተ እግሩ ወፍዩ ሓንቲ ስባር ክራንች ዝስእነላ፤ ሂወት ሓደ ሚልዮን ሰብ ዝበልዑ እኒ ደብረፅዮን ዝዕንድሩላ፤ እኒ ኣወል ስዒድ ብኸበሮን ዕልልታ ልምዓት ጉጅለታት፣ ብዓጀባ፣ “ናይ ጅግና” ኣቀባብላ ዝግበረላ ናይ ሎሚ ናይኒ ፈትለወርቅ ትግራይ ንህዝቢ እንደርታ፣ ዓጋመ፣ ራያ፣ ሽረ፣ ኣኽሱም፣ ተምቤን፣ ኢሮብ፣ ተፈናቓላይ ምዕራብ፣ ወጀራት ወ.ዘ.ተ እንታዩ እያ ኮይና ዘላ ማለት እዩ?
ጀኖሳይድ ትግራይ ዝኸሓዱ፣ ብብሄርን ሃገረ ትግራይ ዘየኣምኑ፣ ሃፍቲ ትግራይ ዝጉሕጉሑ፣ ህዝቢ እናጠመየ እናሃለወ እኽሊ ዝሰርቁ፣ መሰሉ ዝሓተተ ህዝቢ ዝቀትሉ ዝጨውዩ ዘኣስሩ ዘሳቕዩ ዘሳድዱ፣ ደርዘን ዘይመልኡ ሰባት ዓድና ከሕድጉና፣ ዓድናን መንነትናን ከጥፍኡልና፣ ህዝብና መሊኦም ከፅንቱና ከመይ ፈቒድናሎም?
ድማ ተጋሩ እኳ ከይኾኑ ገሊኦም ሰራዊት ሚኒሊክ ደቒሉ ዝገደፎም ደቂ “ተሰማ ኣስረሳ”ት ዘይተጋሩ፣ ገሊኦም ፍርቂ ወይ ሙሉእ ጎኖም መረብ ሰጊሮም ዝውለዱ (ንኣብነት እኒ ፈትለወርቅ፣ ደብረፅዮን፣ ኣለም ወ.ዘ.ተ) ብደም መንእሰይ ትግራይ ሓለውቲ ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት ዝኾኑ ናይ ኳና ኣትማን፤ ገሊኦም ድማ ምስ ነብሶም፣ ታሪኾም፣ ሕልንኦምን ሓቅን ዝተፃልኡ ናይ ሰብሓት ነጋ ዓኽታ ተቐበልቲ ዝኾኑ ተጋሩ — ብዓል እዚኦም ዓድና ከጥፍኡ ከመይ ንፈቕደሎም?
ይርድአኒ እዩ ዝብል ትግራዋይ ስኩፍ ስለዝኾነ ከምዚኦም ዝበሉ ሓቅታት ኣንቲዑ ክዛረበሎም ኣይደልን፤ ኮይኑ ግን እቲ ሓቂ ንሱ እዩ።
ደብረፅዮን ገብረሚካኤል: ካብ ተመዛበልቲ ቕድሚ ኹሉ ውድብና ክንድሕን ኢና ንደሊ።
ደብረፅዮን ገብረሚካኤል: “1 ሚልዮን ጠፊኡ ዝበሃል ንስልጣንን ንመሪሕነት መውቀዒ እዩ እምበር ዳታን መረጃ የለን”::
ብርሃነ ገብረገርግስ: “ደብረፅዮን መራሒ ንኸውን ምምራፅ ኣብይ ስሕተት እዩ:: ትግራይ ናብ ዘይኮነ ክመርሓ እዩ::”