
OFFICIAL CORRESPONDENCE UTE-OC-20241213-101
ሓሙስ, ታህሣሥ 3, 2017
ክፉት መግለጺ
መግለፂ ቅዋም
ማሕበር ተጋሩ ኣውሮፓ ብተደጋጋሚ ኣብ ትግራይ፣ ንትግራይ ዝመስልን ንህልዊ ኹነታትና ኣብ ግምት ዘእተወን ምሕደራ ክትከልን፣ ነዚ ውን ሓቓፋይን ምእኹልን ቤት ምኽሪ ክስየም፣ ከምኡ ‘ውን ተመዛበልቲ ወገናትና ምምላስን፣ ካብ ቐረባ ግዘ ንነዘ ድማ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝካየዱ ዘለው ብርሰት ሃፍቲን ህይወትን ህዝብና ዘስዕቡ ዘለው ተግባራት ጠጠው ክብሉ ተግባራዊ ስራሕቲ ክስራሕ እናፀወዐ መፂኡ እዩ። ናይዚ መቐፀልታ ዝኾኑ ኣብ ቐረባ ግዘ ምስ ድያስፖራ ዝተዳለው ክልተ መድረኻት ናይ ላዕለዎት ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር ብዛዕባ ምስረታ ሓቓፊ ቤት ምኽሪ፣ ተመዛበልቲ ወገናትን ናይ ዘይሕጋዊ ማዕድን ዕደናን ዝምልከቱ ሕቶታት ኣቕረብና ምንባርና ይዝከር።
ሓቓፋይ ቤት ምኽሪ
ሓቓፋይ ቤት ምኽሪ ብዝምልከት ዝተውሃቡ መልሲታት ይስረሐሉ’ሎ እዩ ኣብዚ ሰለስተ ሰሙን ሓደ ወርሒ ተግባራዊ ለውጢታት ምልክታት ክትርእዩ ኢኹም ዝብል እንትኾን፣ እንሆ ከምቲ ልሙድ ኣመራርሓ ግምት ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ቃል ካብ ዝኣትወሎም ግን ተግባር ዘይብሉ ኮይኑ ቐፂሉ ይርከብ።
ማተኣ እዚ ግዘ መናወሒ መልሲ ምሃብ ጠጠው ኢሉ፣ ሓቋፋይ ቤት ምኽሪ ትግራይ ብህፁፅ ክምስረት እናፀወዐ፣ ዝትግበረሉ ግዘ ገደብ ብግልፂ ክቕመጥ ኩሉ ትግራዋይ ብትረት ክጠልብን፣ ንተግባራዊነቱ ሕቶ ካብ ምሕታት ብዝዘለለ ብድፍረት ክቃለስ ይፀውዕ።
ተመዛበልቲ ወገናትና
ተመዛበልቲ ዝምልከት ንዘልዐልናዮ ሕቶ ድማ ምስ ፈደራል መንግስቲ ንስርሐሉ ኣለና ከምቲ ፐላን እንተኸይዱን፣ ከምቲ ዝተለምደ እንተዘይተዓናቒፉ ኣብ ቐረባ ግዘ ዝምለስሉ እናሰራሕና ኢና ዝብል ቁንፁል መልሲ እዩ ተዋሂብዎ። ሰነ 30 ብዝብል ክልተ እግሪ ተመዛበልቲ ንምምላስ ዝተቐመጡ ናይ ግዘ ገደባት ውን ውሑድ ስራሕ ዝተተግበረሎምን፣ ኣጉል ተስፋ ወሃብቲ ምዕራፋት ኮይኖም እዮም ሓሊፎም።
ተመዛበልቲ ኣብ ማዓስከራት ከይድኻ ምዝርራብን ምሳቶም ሓቢርካ ምስራሕን፣ ንምንታይ ተሸፋፊኑ ከም ዝተሓለፈ ዋላ’ኳ ግልፂ እንተዘይኮነ፣ መሰል ተመዛበልቲ ወገናትናን፣ ሓላፍነት ግ.ም.ት ብምዃኑ ክትግበርን፣ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ምምላስ ብዝምልከት ግልፂ ምልዛብ ክግበርን ፍኖተ ካርታ ክቕመጥን ማተኣ የዘኻኽር።
ዘይሕጋዊ ናይ ማዓድን ዕደና
ኣብ ሰሜን ምዕራብን ማእኸላይ ዞባን ዝካየድ ዘሎ ዘይሕጋዊ ዕደና ማዓድን ዝተፃረየ ሓበረታ ከምዘሎን ካብ ናይ ወታደራዊ ኣመራርሓ ክሳብ ፖለቲከኛታት ህውሓት ዝሳተፉሉ ከም ዝኾነን ግልፂ መልሲ ተዋሂቡ እዩ። ተግባራዊ ስጉምቲ ካብ ሎሚ ፅባሕ ክውሰድ ይኸውን ብዝብል ብተስፋ እኳ እንተተፀበና፣ ክሳብ ሀዚ ተግባራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ኣይረአይን። ኣብዚ ናይ 24/11/2024 ዓ/ም/ፈ ብፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ዝተገብረ መግለፂ ልክዕ ከምቲ ምስ ድያስፖራ ኣብ ዝመኸረሉ መድርኽ ዝተብሃለ ብተመሳሳሊ እዚ ተግባር ጠጠው ንክብል ዝተሓሰበን ዝተተለመን ነገር ከምዘየለ ዝገለፅ ሓበረታ እዩ ተዋሂቡ። እዚ ፍፃመ ሎሚ ዕቑር ሃፍቲ ዓዲ ጓሕጊሑ፣ ህዝብና ከፀንቱ ክሓልሙንማሕበር ተጋሩ ኣውሮፓ ክሰርሑን ምስ ዝነብሩ ሓይሊታት ብምትሕብባር ዝግበርን ዓቕሚ ፀላእትና ዘጎልብትን እንትኾን፤ ብሕጊ ዝተኸልከሉ መርዛማት ኬሚካላት ተጠቒምካ ዝካየድ ዘሎን፣ ዘላቒ ናይ ሰብን ከባብያዊን ብርሰት ዘስዕብ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ዝተሓበረን ዝፍለጥን እዩ። ይኹን እምበር ሓይሊ ፀጥታን ድሕነንትን፣ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ግምትን እዚ ጠጠው ንክብል ዝሰርሖ ዝኾነ ይኹን ስራሕ ዘይምህላው ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ኣባላቱ ውን ኣብዚ ስራሕ ዝተዋፈሩ ምህላዎም ንህዝብና ብናይ ባዕልትና ዝንብሎም ሰባት ዝግበር ዘሎ ብምዃኑ ንህዝብና ንምእማኑን ንምቅላሱን ከቢድ ገይርዎ ይርከብ።
ኣብ ሰሜን ምዕራብን ማእኸላይ ዞባን ዝካየድ ዘሎ ዘይሕጋዊ ዕደና ማዓድን ብዘይ ውዓል ሕደር ጠጠው ክብል ስለዘለዎ፣ ኩሉ ትግራዋይ ብቐንዲ ግን ህዝቢ ከባቢ ስሜን ምዕራብን ማእኸላይ ዞባን ፍትሒ ናብ ኢዱ ከውርድን፣ ብእምብይታ እዚ ሓደጋ ጠጠው ከብል ብሓባር ክወፍር ማተኣ ይፅውዕ።
ሓይሊ ፀጥታን ድሕንነትን ትግራይ
ብተወሳኺ ብተደጋጋሚ ዝረአ ናይ ወታደራዊ ኣመራርሓ ኣብ ፖለቲካ ትግራይ ካብ ልክዕ ዝሓለፈ ሻራዊ ኢድ ኣእታዊነት፣ ትግራይ ሀዚ ስሩዕ ምሕደራ ከይህልውን ህዝባዊ ድሌታት ዘማእኸለ ናይ ፖለቲካዊ ስግግር ከይትገብር ዘምክን ዘሎ ተግባር ከምዝኾነ ማተኣ ይኣምን። ኣካል መንግስታዊ ማሓውር ኮይንኻ ግን ብግልባጡ ኣንፃር እቲ ዘለኻሉ ምሕደራ ዓመፅ ወሊዑ ምስ ዝቃለስ ወገን ተሰረዕኻን፣ “ዘይሻራዊ” ንምዃን ዝብያል ተደጋጋሚ ዝግለፅ ኣባሃህላ ሕጋዊን ህልዊ ብርኪ እቲ ትካል ብትኽክል ዘይገልፅን ብምዃኑ፣ ሓይሊ ፀጥትናን ድሕንነንትን ረብሓ ህዝቢ ብዘውሕሰሉ መንገዲ ክዕረን መንግስታዊ ማሓውር ተዘርጊሑ ናብ ንቡር ኩነታት ንምለሰሉ መንገዲ ኣብ ምውሓስ ተግባራዊ ስራሕ ክሰርሕን ማተኣ ቅድሚ ሐዚ ምፅዋዑ ዝፍለጥ ‘ኳ እንተኾነ፣ ተግባራዊ ለውጢ ግን ኣይትዓዘብናን።
ሓይሊ ፀጥታን ድሕንነትን ትግራይ ንስሩዕ ምምሕዳር ተባሂሎም ብግዚአዊ ምምሕዳር ዝውሰዱ ንጥፈታትን ዝርጋሐ ምምሕዳርን ተግባራዊ ክኾኑ ከፈፅም፣ ጠለብ ህዝብና ዝኾነ ንህልዊ ኹነታት ትግራይ ኣብ ግምት ዘእተወ ቤት ምኽሪ ብህፁፅ ክጣየሽ ክሰርሕን ፀቕጢ ክፈጥርን፣ እቲ ዘይሕጋዊ ናይ ማዓድን ዕደና ምስ ህዝቡ ብምውጋን ብዘይ ውዓል ሕደር ጠጠው ከብሎን፣ ድሕንነት ተጋሩ ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ ኣሕዋትናን ኣዴታትናን ከውሕስ ኮታስ ንረብሓ ህዝቢ ትግራይ ዝቆመ ትካል ምዃኑ ብተግባር ከርእይ ማተኣ የተሓሳስብ።
ብሽም ሲቭክ ትካላት ዝወፀ መግለፂ
ኣብ ዝሓለፈ ቕነ ብሽም ሲቪክ ማሕበራት ኣብ ትግራይ ካብ 7 ትካላት ዝወፀ መግለፂ ‘ውን መሰረታዊ ዓምዲ ሲቪክ ማሕበር፣ ህልውና ሕጊን ኣገዳሲነት ምኽባር ልዕልና ሕጊን ዝጠሓሰን፣ ኣብ ትግራይ ብሽም ሲቪክ ትካል ጉዳይ ፖለቲካዊ ሰልፊ ምስላጥ ዘተኣታትውን ተግባር እዩ። ማተኣ መሰል ተጋሩ ንምሕላቕን ንምውሓስን ዓሊሙ ዝተመስረተን ብትረት ዝቃለሰሉን ዕላማኡ ብምዃኑ፣ እቲ ዝወፀ መሰረታዊ መሰል ሓደ ዜጋ ዝዕፍን መግለፂ ብትሪ ይኹንን።
ሓላፍነትን ግቡእን ሲቪክ ማሕበራት ናይ ህዝቢ ድምፂ ምዃን፣ ክትትልን ምጥንኻርን መንግስታዊ ምሕድራን ኣብ ምዝማን ባህሊ ፖለቲካ ትግራይን ኣድሂበን ብዘይ ንሕስያን ሻራውነትን ክነጥፋ ‘ውን ማተኣ ምሕዝነታዊ ፃውዒት ይገብር።
ማተኣ እዞም ኣብ ላዕሊ ዝፀወዖም ተግባራት ክፍፀሙ ናይ ህዝብና ተሪር ቃልሲ ከም ዝጠልቡ ይርዳእ። ህዝቢ ድሌታቱን ባህጉን ብግልፂ የቐምጥን ይዛረብን ኣብ ዘለሉ እዋን፣ መራሕቲ ኢና ዝብሉ ግን እቲ ናይ ህዝቢ ንጎኒ ገዲፎም፣ ሓንሳብ ብመልክዕ ፖለቲካኛ፣ ኻሊእ ግዘ ብሲቪክ ማሕበራት ሽም ከምኡ ድማ ብወታደራዊ ኣዘዝቲማሕበር ተጋሩ ኣውሮፓ እናመፁ ናይ ባዕልቶም፣ ምስቲ ናይ ህዝብና ድሌታት ፈፂሙ ዘይሳነን ካብ ረብሓ ትግራዋይ ዝራሓቐን ሓሳብ፣ ብሽም ህዝብና ብግዲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ቐፃሊ ክፅዕኑ ይውዕሉ ኣለው። ናይዚ ምድግጋም ማዕልታዊ ዝርእይ ትግራዋይ ኣብ ዓዱ ብናቱ ዝብሎም መራሕቲ ተሰማዓይ ከምዘይኮነን፣ ህዝባዊ ምሕደራ ከምዘይብሉን ከምኡ ‘ውን ናቱ ምሕደራ ክምስርት ከምዘይተፈቕደሉን ብምርኣዩ ኣብ ብዙሕ ሰንፈለልን ዓብዪ ስግኣትን ይርከብ። ትግራይ ህዝባ ብፍላይ ድማ እቲ መንእሰይ ውላዳ ዓይኑ እናረኣየ ክመልሳ ናብ ዘይኽእል ብርኪ ውድቀት ብፍጥነት እናትጉዓዘት ትርከብ። ህዝቢ ውድቀት ዓዱ ብስኽፍታ፣ ናተይነትን ውዕለታን ዓጂቡ ክስኒ ኣብ ታሪኽ ዓለም እዚ ንፈለማ ከይኮነ ኣይተርፍን። ህዝቢ ትግራይ ብኸቢድ መስዋእቲ ዝረኸቦ ግዝያዊ ምምሕዳር ናይ ምምስራት ዕድል፣ ስልጣንን ልዕሊ ሕጊ ኮይንዃ ዝርከብ ረብሓን ዘዕወሮም ውልቀ ሰባትን ጉጅለታትን፣ ንክብሪ፥ መስዋእትን ታሪኽን ትግራይ ብዘሕስርን ዘመራስሕን መንገዲ ስልጣን ብደገ ክትኮበሎም ክጓየዩ ዝውዕሉ ክንሶም ህዝብና እታ ብቓልሱ ዝረኸባ ዝተሸራረፈት ዓርሱ ናይ ምምሕዳር መሰል ካብ ኢዱ ኣሕዲገምዎን ኸሊአምዎን ይርከቡ።
ማተኣ ካብዚ ንደሓር ህዝብና ተቐባሊ ትእዛዝን ተፀባዪ ዘይግሃድ ሕልሚን ኮይኑ ብኸምዚ ክቕፅል ኣለዎ ኢሉ ኣያምንን። ስለዚ ህዝብና ካብ ኢዱ ዝተመንዘዖ ስልጣን ናብ ባዕሉ ክመልስ ኣለዎ፤ መንእሰይ ትግራይ ህዝብኻን ዓድኻን ካብ ዝኸፍአ ሓደጋ ክትውሓስ ተወዲብኻ ብትረት ቓልስኻ ክተሐይል ይግባእ። ግ.ም.ት ተደጋጋሚ መግለፂታት ካብ ምሃብ ወፂኡ ዝተውሃቦ ኃላፊነት ብተግባር ክዓምም፣ እቱ ተረካቢ ዓዲ ዝኾነ መንእሰይ ትውልዲን ከምኡ ‘ውን ፖለቲካ ውድባት ትግራይ ብምስታፍ፣ ብተግባር ዓዲ ናይ ምምራሕ ሓላፍነቱ ክዋፃእ ክትቃልስ ይግባእ።
ሐዚ ዝረኣዩ ዘለው ንጥፈታትን ምልክታትን ካብ ልክዕ ብዝዘለል ኣወንታዊ ኣረኣእያ፣ ተስፋ ምቑራፀን ልምዲ ምልኪን፥ ናይ ዓብዪ ሓደጋ ደወል ምዃኖም ንምርዳእ ዝፅገምን፣ ንምዕራይ ዘይነጥፍን ቑፅሪ ሰብና ብዙሕ እዩ። ይኹን እምበር ብኣጋ ተግባራዊ ምትዕርራያት እንተዘይተገሮም፥ ካብ ዝግመት ግዘ ብዝሓፀረ ትግራይና ዓድና ከስእና ናብ ዝንኽእለሉ ብርኪ ውድቀት ትወርድ ከምዘላ እናዘኻኸርና፣ ኣብ ኣውሮፓ ዝንነብር ተጋሩ ውዳበና ኣጠናኺርና ዓድና ኣብ ምድሓን እጃምና ክንዋፃእ ማተኣ ብዕሊ ይፅውዕ።
ክብርን ሞጎስን ንሰማእታትና፣ ሰላም ንህዝብና!

