መግለፂ ኣልቦ ተቓርኖታት ትግራይ ዘይተነግሩ እምበር ዘይተገብሩ ግፍዕታትን ኣመፃትን ጉሕለት ነውርታት የለውን:: ነቶም ጀኖሳይድ ዝፈፀሙ ፀላዕትና ዘንዕቑ ኣነወርቲ ተግባራት እዮም ዝፍፀሙ ዘለው::
ንሎሚ ብዛእባ ኣብ መቐለ መለስን ኣዋሽን ካመፕታት ዝሕከሙ ኣብልእሊ ዝነበሩ ሓርበኛታት ኣካል ጉድዓት ዂናት ትግራይ ብኣመራርሓ እቶም ካምፓታት ዝኾኑ ንኣካለ ጉዱዓት ተባሒሉ ዘተመደበ ባጀት ንውልቃዊ ረብሀዖም ብምውዓል ብሚልዮናት ዘግመት ገንዘብ ብምጉሓል ኣብ መቐለ ህንፃታት ዘስርሁ ዘለው በኣል ብወዲ ገቲራ ብወዲ ባቤ ብጓል መሓመድን ዝፍለጡ ዕሉላት ገበነኛታት ናይ ፅንተት ነጋዶ ነቲ እኩይ ተግባራት ጉሕለት ሰዘቓልእዎም ጥራይ ኣብልእሊ ተጋዳላይ ኢንጅነር ኣሸናፊ ኃይለስላሰ መሰፍን ብፆቱን ብቀጥታ ተዕዛዝ ወዲ ገቲራ ብኣጀብቲ ወዲ ገቲራ ነቲ ንሰለ ትግራይ ኸብል ሓንቲ እግሩ ዝሰዓነ ተጋዳላይ ኣሸናፊ ብጭካነ ቀጥቂጦም ብምእፋን ምስ ካልኦት ልእሊ 15 ዝኾኑ ኣካል ጉዱዓት ተጋደልቲ ትግራይ ብሓባር ጭውዮም ናብ ቆላ ተምቤን ብምውሳድ ከቢድ ሰቓይን ግፍዕታን ይፍፀምሎም ኣለው::
ወዲገቲራ ዝተባሕለ እሉይ ገበነኛን ወዲ ባቤን ጓል መሓመድን ብዘመሓለፍዎ ትእዛዝ እዞም ንፁሓት ተጋደልቲ ኣብ ኣፍሞት ይርከቡ ኣለው:: እወ ናይ ሎሚ ትግራይ ገበነኛታት ኣመፅቲ ጎሓሉ ዘረፍቲ ከምደላዮም ዝዕንደሩላ ዝደለይዎ ሰብ ዝዓስሩላ ዝቐትሉላ ዝእምፁላ ንፁሓን ዝዕሰሩላ ደቂ ኣንሰትቶ ዝእመፃላ ዓዲ ኾይና ትርከብ:: እወ ትግራይ ዓዲ ስረቕትን ኣመፅትን ከም ወዲ ገቲራ ዝኣመሰሉ ናይ ቀትሪ ኣዛብዕ መዕንደሪት ኾይና ትርከብ::
እቲ ዘሕዝንን ዝገርምን ድማ ናይ ተጋዳላይ ኣሸናፊ ወለዲ ንባእሎም ተጋደልቲ ምዃኖም እዩ:: እንዳ ጨካናት ጎሓሉ እታ ንሸምውን ዝሽቅጡላ ብፃይነት ብውልቃዊ ጥቅሞም እንተመፂኻዮም ቦታ የብልኻን::
ንጉዳይ ኣሸናፍን ካልኦት ተጋደልቲ ኣካል ጉዱዓት ዂናት በዘይ ኣገባብ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንኸሳቐዩ ፍትሒ ንኸይረኸቡ ድምፆም ንኸይሰማእ ሰቓዮም ሕዘቢ ትግራይ ንኸይሰምኦ ዐፈና ብምግባር ንፍትሓዊ ሕቶ ኣካል ጉዱዓት ፀማም እዝኒ ዘሕቡ ዘለው ድማ ጀነራል ታደሰ ወረደን ጀነራል ፍሰሓ ማንጁስን ኢሳኢያስ ታደሰን ዝተባሕሉ ሓላፍነት ዘይሰምዖም ሓለፍቲ ፀጥታ መንግሰቲ ትግራይ እዮም::
ነዚ አነዋሪ ገበናት ትፍፅሙ ዘለኹም በላእቲ ሰጋ ሰብ ዝኾንኩም ወዲ ገቲራ ወዲ ባቤን ጓል መሓመድን ኣብ መቐለን ኣዲስ አበባን ካልኦት ከተማታት ትግራይን በቲ ዝዘረፍኩሞ ናይ ኣካል ጉዱዓት ተጋደልቲ ትግራይ ገንዘብ ዝሃነፀኩሞ ዘገዛእኹምዎ ንብረት ሕድ ሕድ ዝርዝር መረዳእታ አብኢድና ከምዘሎ ክንገልፅ ነፈቱ:: እዚድማ ናይ ደም ንብረትን ሓፍትን ሰለዝኾነ ብሕጊ ከትሕተቱ ምዃንኩም ክትፈልጡ ይግባእ::
ሎሚ ዘመነ ደጂታል እዩ ካብ ዐይኒ ሕዘቢ ዝኽወል ዘምልጥን ሓበሬታ የለን:: ኹሉ ትግራዋይ ነዚ እኩይ ሰይጣናዊ ናይ ኣመፅን ፋሉልነትን ተግባራት ከውግዞን ክቓለሶን ይግባእ:: ግዚያዊ መንግሰቲ ትግራይ ነዚ ሓደገኛ ናይ ኣመፅን ጭካነን ተገባራት ብህፁፅ ጠጠው ከብሎ ይግባእ:: ነቶም ብዘይ ኣበሳ ኣብ ሰቓይ ዝርከቡ ኹሎም ተጋደልቲ ብህፁፅ ከፍትሆም ይግባእ።
ትግራይ ካብ ዝሞተላ ዘቐተላ ዝዕንድረላ መመሊሱ ዘቐትለላ ዓዲ ኾይና ትርከብ ኣንቱም ንግዚያዊ ናይ ሚደያ ዝናን ምቆትን ምጎሳን ኢልኩም ንናይ ኣካል ጉዱዓት ዂናት ትግራይ ብህፁፅ እንተዘይ ፈቲሄዮ ድሕሪ ሕዚ ብሸመይ ከይትፅውዑኒ ዘበልኩም ክም በኣል ጀነራል ምግበይ ሀይለ ኣለኻዶ? እንታይ ኢልናባ ኽንፅውዐካ? ዝበልካዮ ካብምጥላም ዝወለድካዮ ምሰዓን ይሓይሽ ይብሉ ወልድና ኣብ ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይ ዘለኹም ኩልኹም ይምልከተኩም እዩ::
እቶም ትማሊ ንስኻትኩም እናመራሕኹም እናኣዘዝኩም አብልእሊ ፀላእቲ ታሪኻዊ ጅግንነት ዝፈፀሙ ሓረበኛታት ኣካል ጉዱዓት ተጋደልቲ ትግራይ ብናይ ውሸጢ ጎሓሉ ኣመፀኛታት እናተሳቐዩ ሰሚዕኹም ከምዘይ ሰማዕኹም ርዒኹም ከምዘይ ረዓኹም ኣፅቂጥኩም ዘለኹም ብታሪኽን ብሕግን ተሓተቲ ኢኹም::
ኣመራሓ ሰራዊት ትግራይ ክንዲ እቲ ኹሉ ትግራዋይ ዝሓበኩም ክብርን ፍቅርን ብኹሉ ትግራዋይ ብዐይኒ ጥርጣረ ኽትረዐዩ ዘግብር ተግባራት ትፍፅሙ ኣለኹም:: ካብዚኦም ሓደ ድማ ንኣካል ጉዱዓት ተጋደልቲ ትግራይ ዘርዐኹሞ ሽለልትነትን ክህደት እዩ::
ግደፉ ናብልብኹም ተመለሱ በጃኹም ሉኣላዊ መሬት ትግራይ ኣብትሕቲ ወረርቲ ኣብዘለሉ ተፋናቐልቲ ኣብ መከራን ስቓይን ኣበዘለውሉ ደቂኣንሰትዮ ትግራይ በብመዓልቱ ብግፍዒ ኣበዘቅተላሉ ናይ ወርቂ መዓድናት ትግራይ ብናይ ፅነተት ነጋዶን ፖለቲከኛታትን ዝተፈላለዩ ናይ ጥፍዓት ጉጀለታት በናይ ሰራዊት ኣባላት ፍሉይ ሓለዋን ምትሕብባርን ብዘሰምብድ መልከዑ ብቻይናውያን ናይጀራውያን ኽይተርፈ ዝተሳተፈሉ ዓለም ለኻዊ መልክዕን ተሕዝቶን ብዘለዎ ኣገባብ እናተጓሕጉሀ ኣብዘለሉ እዋን ኣካል ጉዱዓት ሰአን መደሓኒትን ሕክመናን እኹል መግብን ይሳቐዩ ኣብዘለውሉ እዋን ኹታስ እታ ዓዲ ሕግን ሰርዓትን እትፍለጥ ዝነበረት ትግራይ በሰንኪ ቀይዲ በተኽ ካብ ሕሉፋት ናይ ውድቀት ታሪኻዊ ጌጋታት ዘይምሓር ድሑርን ፀቢብ ንውልቃዊ ሰልጣኑን ረበሕዑን ልእሊ ሕልውናን ረብሓን ሕዘቢ ትግራይ ዝሰርዕ ጉጅለ ትግራይ ከም ትግራይ ኣብ ከቢድ ናይ ሞትን ሸረትን ሓደጋ ኣብዘለትሉ እዋን እቶም ብሕጊ ክሕተቱን ከዕሰሩን ዝግብዖም ገበነኛታት ኣሰርቲ ዝኾኑሉ እቶም ንፁሓት ድማ ዝዕሩሉ ዘመነ ግርምቢጥ ኾይኑ ኣሎ::
ንዝኹሉ ቀንዲ ናይ ኣምበሳ ድርሻ ዝወሰድ ድማ ነቲ ኣማፂ ጉጅለ ዘተባብዑ ዘለው ኣመራሓን ኣዘዝትን ፀጥታን ሰሪዊትን ትግራይ እዮም:: ኣካለ ጉዱዓት ሓረበኛታት ተጋደልቲ ትግራይ ሸልማትን ኽብርን እምበር ብዓቀይቶት ከም ወዲ ገቲራን ወዲ ባቤን ጓል መሓመድን ብዝኣመሰሉ ገበነኛታት ማዕሰርትን መከራን ስቓይን ኣይግብኦምን:: ንተጋዳላይ ኣሸናፍን በፆቱን መዕሰሪዖም ቀንዲ ምኸንያት ነቲ ብሸም ኣካል ጉዱዓት ዝመፅእ ሓገዛት ይዝረፍ ሰዝነበረ ሰለ ዘቓልዕዎም እዩ:: ፍትሒ ንተጋላይ ኣሰናፍን በፆቱን ፍትሒ ንኹሎም ኣብ ቤት ማዕሰርትታት ቆላተምቤን ይሰቐዩ ንዘለው ተጋደልቲ ትግራይ። ገበነኛታታ ወዲ ገቲራን ወዲ ባቤን ጓል መሓመድን ከምኡውን እቶም ጨካናት ናይ ወዲ ገቲራ ኣጀብቲ ንኣሰናፊ ኣብልሊ መጉዳዕቱ የሳቐይዎ ኣለው:: ናብ ሕጊ ንኸቐርቡልና ብሸም ማሕበር ተጋሩ ንፍተሕን መሰልን ማዕርንትን ተጋሩ ንፅውእ::
The Tigrayan Advocacy Group for Human Rights and Justice in the UK & EU
Email: info@tag-hr.org
