“ሊሂቅ ትግራይ ብፍላይ ድማ ብስትራተጂካዊ ውድቀት ኣመራርሓ ህወሓት ዝተፈጠረ ድኽመት ኩለ-መዳይ ዓቕሚ ህዝቢ ትግራይ ተዳኺሙ ናይ ደገን ውሽጥን ሓይሊታት ምድሕርሓር ዝላዓለ ዕድል ረኺቦም ብኹሉ ገፅ ተዋዲዶም ህዝቢ ትግራይ ብዝኸፍአ ዘጥቅዕሉ መድረኽ ኾይኑ ኣሎ።
ብምዃኑ ውን ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ ክልቲኡ ምንጪ (ደጋውን ውሽጣውን) እቲ ሓደ ካብቲ ካሊእ ብዘይንኣኣስ ግን ድማ ብቐንዱ ብናይ ውሽጥና ድኽመታት ሓደጋ ብሄራዊ ህልውና ዘጋጠመሉ መድረኽ ኮይኑ ኣሎ። ስለዚ ድማ ኣመራርሓ ውድብና መሰረታዊ ናይ ኣሰላልፋ ሽግር ‘ዩ ገጢምዎ ዘሎ።
‘ዚ ናይ ኣሰላልፋ ሽግር ኣብቲ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ናብ ፅግዕተኛ ገዛኢ ደርቢ ብምስግጋር ዘሎ ከይዲ እንትግለፅ፣ ኣብ ካድረታት፣ ማእኸለዎትን ታሕተዎትን ኣመራርሓታት ድማ ዝሓዝካዮ ስልጣን ከም መድፍኢ ናብራን መንበሪን ጌርካ ምርኣይ ዝግለፅ ፅግዕተኛ ምብስባስ ኮይኑ ዝወፀሉ እዋን “ሎና። ሕዚ እቲ ቐንዲ ሕቶ ናይ ምዃንን ዘይምዃንን ‘ዩ። እቲ ወሳናይ ግጥም ኣብ መንጎ ምዃንን ዘይምዃንን ‘ዩ።
ንምዃን ወሳናይ ደርባዊ ቃልሲ እነካይደሉ እዋን “ዩ። ‘ዚ ይፍፀም ይዕወት ዶ? ብዘይጥርጥር ንምዃን ዘኽእሉ ጉዳያት ናይ መስመር ሃፍቲ ሎ፤ ነዚ ዝተረደአ ዝተቐበለ ህዝቢ፣ ኣባልን ካድረን “ሎ። ገፊሕን ዓሚቕን ተሞክሮ “ሎ።
ተጠሚሩ ክዋሳእ ዝኽእል ይውሓድ ይብዛሕ ኣመራርሓ “ሎ። ስለዝኾነ ክንኮን ውን ኣለና ብሕታዊ ኣማራፂ “ዩ። ክንኮን ዘግብር ዕድል ውን ገፊሕ ‘ዩ።”
