ንብዓት ጉድኣትን ሞትን ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ፍትሒ እንትረክብ ጥራይ ዘላቒ ሰላም ይረጋገጽ::
ኣሸንዳ እንትነብዕል ኣብ ሕሊና፣ እንግድዓን ኣካል ንደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ቁጽርን ስፍርን ዘይብሉ በደል ተሸኪመን ምዃኑ ኩሉ ትግራዋይ ዝስሕቶ ኣይኮነን። ከም ሓደ ሰብ እንጉህየሉ ጉዳይውን እዩ። እዛ ጓሂ እዚኣ ዘይብሉ ወይውን ዝሃፈፈሉ እንተልዩ ንዓርሱ ይርኣያ።
ብኣማኢቲ ኣሻሓት ተጋሩ ደቂ ኣንስትዮ ብዘይ. ሓጢኣተን ንዝወረደን መዓት ፍትሒ የናድያ ኣለዋ። ብኣማኢቲ ኣሻሓት ኣዴታት ትግራይ ደቀን ካብ መኣዲ ትምህርቶም ናብ ዕጥቕን ኲናትን ተገዲዶም ኣትዮም ሃለዋት ደቀን ስኢነን ኣብቀንፎዘው ይርከባ። ብተመሳሳሊ ክብሪ ገዝኣንን ኣቦ ደቀንን ዝኾኑ ሰብኡተን ዝሰኣናውን ተኾርምየን ፍትሒ ካብ ሰማይዉረድ ኣብ ምባል ኣለዋ።
ብዕስለ ተደፊረን ንሕማም ተቓሊዐን ብኣካላውን ሕልናውንስቓይ እናተቓፀላ ዝውዕላ ደቂኣንስትዮ ትግራይውን ብኣማኢቲኣሻሓት እየን።
ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ክወግሕን ክመሽን ብናፍቕ ደቀን ንሰብ ሓዳረንን ውሽጣዊ ጉድኣተን ብትኩስ ንብዓት ገፀን ንሕልነአንን እናተባረዐ ኣለሻ ፍትሒ ተደፊአን ዊዒለን ተደፊአን ይሓድራ። ኣሸንዳውን ነቢዓ፤ ትነብዕ’ውን ኣላ።
እሞድኣ ኣሸንዳ ንፍትሒ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይዶ ደው ትብልወይስ ንተበላፃይ ፖለቲካዊ ሽርሒ፤ ኣሸንዳ ንብዓት ኣሕዋትና ኣዴታትናን ደቅናንን ዝድብስ ፍትሒዶ ወይስ ሕማምና ንረስዕን ዝብል ፖለቲካዊ ላግፂ ሽማሕማሕ ትበል። ኣሸንዳ ንፍትሒ ዘይብሉ መዐሽዊ ሰላም ዝብል ቃልዶ ውይስ ንዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ዘወንዝፈና መድርኽ ሕቶ ፍትሒ ትኹን?
ሰላምን ልምዓትን ካብ ፍትሒ ይዉልድ! ኣሽንዳ ንደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ተወሳኺ በሰላ ዝፈጥር በዓል ከይኮነስ ብፍትሒ ከምዝድበሳ ተስፋ ዘስንቕ ፍትሒ ዝሕተተሉ መድረኽ ክኸውን ይግባእ። ንብዓት፣ ጉድኣትን በሰላን ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ኣብ ኣደባባይ እነቃልሓሉ ንፍትሒ ደው እንብለሉ መድረኽ ይኹን!
ነሓሰ 2015 (ግእዝ)
ሚድያ ሓርነት ትግራይ (TLM)
መቐለ፣ ትግራይ
