ኣሸንዳ ነቢዓ፤ ኣሸንዳ መድረኽ ሕቶ ፍትሒ

Editorial

ንብዓት ጉድኣትን ሞትን ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ፍትሒ እንትረክብ ጥራይ ዘላቒ ሰላም ይረጋገጽ::

ኣሸንዳ እንትነብዕል ኣብ ሕሊና እንግድዓን ኣካል ንደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ቁጽርን ስፍርን ዘይብሉ በደል ተሸኪመን ምዃኑ ኩሉ ትግራዋይ ዝስሕቶ ኣይኮነንከም ሓደ ሰብ እንጉህየሉ ጉዳይውን እዩ ጓሂ እዚኣ ዘይብሉ ይውን ዝሃፈፈሉ እንተልዩ ንዓርሱ ይርኣያ

ብኣማ ኣሻሓት ተጋሩ ደቂ ኣንስትዮ ብዘይ. ሓጢኣተን ንዝወረደን መዓት ፍትሒ የናድያ ኣለዋብኣማኢቲ ኣሻሓት ኣዴታት ትግራይ ደቀን ካብ መኣዲ ትምህርቶም ናብ ዕጥቕን ኲናትን ተገዲዶም ኣትዮም ሃለዋት ደቀን ስኢነን ኣብቀንፎዘው ይርከባብተመሳሳሊ ክብሪ ገዝኣንን ኣቦ ደቀንን ዝኾኑ ሰብኡተን ዝሰኣናውን ተኾርምየን ፍትሒ ካብ ሰማይዉረድ ኣብ ምባል ኣለዋ

ብዕስለ ተደፊረን ንሕማም ተቓሊ ብኣካላውን ሕልናውንስቓይ እናተቓፀ ዝውዕላ ደቂኣንስትዮ ትግራይውን ብኣማኢቲኣሻሓት እየን

ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ክወግሕን ክመሽን ብናፍቕ ደቀን ሰብ ሓዳ ውሽጣዊ ጉድኣተን ብትኩስ ንብዓት ገፀን ንሕልነአንን እናተባረዐ ኣለሻ ፍትሒ ተደፊአን ዊዒለን ተደፊአን ይሓድራኣሸንዳውን ነቢዓትነብዕውን ኣላ

እሞድኣ ኣሸንዳ ንፍትሒ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይዶ ደው ትብልወይስ ንተበላፃይ ፖለቲካዊ ሽርሒኣሸንዳ ንብዓት ኣሕዋትና ኣዴታትናን ደቅናንን ዝድብስ ፍትሒዶ ወይስ ሕማምና ንረስዕን ዝብል ፖለቲካዊ ላግፂ ሽማሕማሕ ትበል ኣሸንዳ ንፍትሒ ዘይብሉ ሽዊ ሰላም ዝብል ቃልዶ ውይስ ንዘላቒ ሰላምልምዓትን ዘወንዝፈና መድርኽ ሕቶ ፍትሒ ትኹን?

ሰላምን ልምዓትን ካብ ፍትሒ ይዉልድ! ኣሽንዳ ንደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ተወሳኺ በሰላ ዝፈጥር በዓል ከይኮነስ ብፍትሒ ከምዝድበሳ ተስፋ ዘስንቕ ፍትሒ ዝሕተተሉ መድረኽ ክኸውን ይግባእንብዓትጉድኣትን በሰላን ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ኣብ ኣደባባይ እነቃልሓሉ ንፍትሒ ደው እንብለሉ መድረኽ ይኹን!

ነሓሰ 2015 (ግእዝ)

ሚድያ ሓርነት ትግራይ (TLM)

መቐለትግራይ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *