1) ሕሰም ተመዛበልትና ክሳብ ዝቐፀለን ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ክሳብ ዘይተረጋገፀን፡ ‘ትግራይ ኣላ ምባል’ ኣይከኣልን!
መሬት ዓዲ’ቦና ኣብ ኢድ ጨካናት ፀላእቲ ካብ ዝኣቱ ንነዘ ኣብ ዘለው ክልተ ዓመታት፡ ካብ መረበቶም ዘይለቐቑ ይኹኑ ተመዛቢሎም ፎቖዶ መፅለሊ ዝርከቡ ደቂ ትግራይ ኣብ 21 ክፍለ ዘበን እቲ ዝኸፈአ ግፍዕን መከራን በፂሕዎምን እናበፅሖምን ይርከብ። ሳልሳይ ወያነ ትግራይ መሬት ዓዲ’ቦና ተመሊሱ ሰብ ዋና ምሕደርኡ ደቂ ትግራይ ክሳብ ዘይኾኑን ተመዛበልትና ዳግማይ መንበሪኦም ተረኪቦም ህዱእ ናብራ ክሳብ ዘይጀመሩን ‘ትግራይ ኣላ ምባል ኣይከኣልን’ ኢሉ ይኣምን።
ከምቲ ደጋጊምና ዝበልናዮ፡ ረብሓ ስርዓት ኢትዮጵያን ህወሓትን ዘኽብር ‘ውዕሊ ፕሪቶሪያ’ ጥራይ ኣሚንካ ዝዕየ ክዋኖ ንትግራይና ዝተርፍ ነገር የብሉን። ውድብና ሐዚ እውን ኣድላይነት ዝተዋደደ ቃልሲ ፖለቲካ፣ ሚዲያ፣ ዓለምለኸ ሕጊን ዲፕሎማሲን ከካይድ ንሕድሕድ ትግራዋይ ዝፅውዕ ኾይኑ፡ እዚ ንምስላጥ ድማ ብፍላይ ረብሓ ብሄረ ትግራይ ክኸብሩ ኣብ ዝቃለሱ ውዳበታት ኣትዩ ክቃለስን ዝተበታተነ ዓቕሙ ክእክብን ይፅውዕ።
2) ወራር ዕስለ ኣምበጣን ሓደጋ ጥሜትን!
ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ዝተተፈላለዩ ኸባቢታት ትግራይ ኣትዩ ኣብ ዘራእቲ ሓረስታይ ትግራይ ሓደጋ የብፅሕ ኣሎ። ዝምልከቶ ኣካል መገዲ ረኽቢ (communication) ብዝተዋደደ መልክዑ ክሰርሕን ብፅፉፍን ቅልጡፍን መገዲ ንህዝቢ ሓበሬታ ክህብን ዝፅውዕ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፡ ዝኸኣለ ኹሉ ትግራዋይ ኣዝርእቲ ገባር ኣብ ምድሓን ክረባረብ ድማ ይፅውዕ።
ብኻሊእ ወገን፡ ንብዙሓት ኣዋርሕ ጠጠው ዝበለ ዕደላ ሰብኣዊ ሓገዝ ስዒቡ ብዙሓት ደቂ ትግራይ ብጥሜት ህይወቶም ምስኣኖም ቀፂሉ ኣሎ። ሐዚ እውን ውድብና ክልከላ ሰብኣዊ ሓገዝ ብቑልጡፍ ክለዓል ንዝምልከቶም ዓለም ለኸ ትካላት ደጋጊሙ እናፍለጠ ዝርከብ ኾይኑ ሕድሕድ ትግራዋይ እዚ ዘደንግፅ ኩነተ ትግራይ ንምቕያር ኣብ ዝግበር ቃልሲ ኢዱ ብሓያሎ ክሓውስ ይፅውዕ።
8 ነሓሰ 2015 ዓም
መቐለ ትግራይ

