ጀጋኑ ተጋደልቲ

Poem

አንቱም ጀጋኑ ተጋደልቲ
ድሮ ተረሲዑ ‘ቱ ኹሉ መስዋእቲ
ስኣን ለባማት ውሕሉላት መራሕቲ
ሰዒርኩምስ ኮይንኩም ተምበርከኽቲ።

ክሳዕ መኣዝ ‘ዩ ትዕግስትኻ
ኣሽሓት ደቅኻ ሰዊእኻ
አንታ ገባር ጻዕረኛ ሓረስታይ
ተልዓል’ባ ጸዋር ህዝቢ ትግራይ።

ተባራበር ተንስእ ድያስፓራ
ይእኸል ድቃስ ትግራይ ተወሪራ
እኖኻ ሰበይትኻ ሓፍትኻ ተደፊራ
ሕዝቢ ‘ና ጸነተ ብጥምየት ብፌራ
ዓው ኢልካ አእውይ ንዓለም ንገራ።

እዙ ወለዶ ብሰላም ተቐቢሉ
ንቐፃላይ ወለዶ ኸሳግር ምሒሉ
ብፍልጠትን ዘተን ንሓዋሩ
ዓይኒ ጸላእቱ አዕዚሙ አዕዊሩ
ብብረት ዘይኮነስ ብቅልጽም በአእምሮ
ብሓንጐሉ ንኹሉ ዘስምሮ
ብምስትውዐል ዝፍጸም ይግበሮ።

Author: ተገኪ
Edited by: ጎገእ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *