ድልየት ኣሸንዳን ድልየት ፖለቲካን ዝቐረበላ መቐለ ሓዱሽዘይመስል ኽዳን ግና ሓዱሽ ቍናኖን ኵምሪ ኣርቴፊሻል ፀጉርንብዝገበራ ብከበሮን ዝላን ዘይተሰነያ ደቂ ኣንስትዮ ብቐትሪከይኮነስ ብኣጋግዘ ኣብ ቧለኒ ፀወታ ኣተኣናጊዳ እያ።
ጎደናታት መቐለ፣ ሹቓት መቐለ፣ ገዛውቲ መቐለ ብድምቀትኣሸንዳ ኣይተዓንገሉን። ተጓዓዘቲ እግሪ ሓዛለይ ሓዛለይ ብዝብላፅቡቓት ተጋሩ ብዙሕ ኣይተሃወኩን።
ሓሓሊፈን ቲም ቲም ካብ ዝብላ ድምፂታት ከበሮን ድኽምዝበላ ደርፍታትን ወፃኢ መቐለ ብኣሸንዳ ብዙሕ ኣይሳዕሰዓትን።እዚ ማለት ቧለኒ መቐለ ብሰበስልጣንን ደረፍቲ ሙዚቀኛታትክርእያ ብዝኸዳ ጎርዞታትን ኣይመልኣን ማለት ኣይኮነን።
መቐለ ንነባር ባህላ መሰረት ገይራ ኣሸንዳ ክተኽብር ወነኣይነበራን። ዋላ እተን ብኲምሪ ኣርቴፊሻል ፀጉሪ ዘጌፃጎርዞታትውን ዳርጋ ኩለን ኩሕሊ ኣይገበራን። ፍርቂ ስምዒትምንባሩ ዝሕብር ብዙሕ ምልክት ምርኣይ ይከኣል ነይሩ።
ብድምር መቐለ ስቕ ዝበለ ኣሸንዳ ፀምቢላ።
ብኻሊእ ገፅ ካብ ዋዜማ ኣትሒዞም ኣድርፉ ከምተብሃሉዝዛረቡ ዳሙዙቃን ካፌታትን ከምኡወን ብመኪና ሞንታረቦፅዒኖም ይዞሩ ዝነበሩን ወገናት ንመቐለ ቁርብ ተፃዒኖምዋእምበር መቐለስ ሰማእታታን ጉዱኣታን ምዝካር ምርጫኣምዃኑ ነተን ብዙሕ ዊዒስኪስ ዘይብላ ጎርዞታት ተጋሩንተጉዓዝቲ ንዝበዝሕዎም ጎደናታታ ሪኢኻ ትግንዘብ።
ኣጋግዘ ናብ ቧለኒ ዝውሕዛ ደቂ ኣንስትዮ ሪኢኻ ድማ ኣሸንዳብምሸትኾይኑ ድዩ? ናይ መን ባህሊ እዩ? ናይ መን ትእዛዝንድልየትን እዩ ኢልካ ሕቶ ኣቐሚጥኻ ትሓልፍ።
ሰብ እኮ ንሚድያታት ትግራይ ሪኡ እዞም ተጋሩስ ሓሊፍሎምናብ ሳዕስዒት ኣትየም ይብለና ይኸውን ዝበለት መቐለ ግናንንብዓት ኣሸንዳ ምላሽ ሂባ እያ። ጎደናታታ መቐለ ሙሉእመዓለቲ ጋሕ ዝበለ ዕለተ ኣሸንዳ ኣተኣናጊዶም እዮም። እተንትግራይ ኣብ ንቡር ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ብጉጅለታት ኣብጎደናታት መቐለ ተርኢተን ዘቕርባ ዝነበራ ድሙቓት ደቂኣሸንዳ እንትዘላን ቁፅይፅይ እንትብላ ኣይተርኣያን።
እቶም ህዝብና ቁስሉ ረሲዑ ክብሃል ዝደለዩ ወገናት ካብ ቅድሚድሮ ኣሸንዳ ጀሚሮም ፂኢሮም እዮም። ይኹንእምበር ሕቶፍትሒ መሊኡ ብዝፈሰሶ ሕሊና ተጋሩ ድልየቶም ዘተዓወተሎምኣይመስልን።
ኣቤት ኣብ ሚድያታት ዝነበርካ ድፍኢት፤ ልዕሊ40 መጎስጎሲሓፂር መልእክቲታት ዘለዎም ቪድዮታት ከዳለዉ ተነጊርዎምታሕትን ላዕልን ኢሎም። ዝኸኣልዎ ኣቕሪቦም። ኣብ ኩሎምግና ፍትሒ ከይትዝከር ካብ ፍትሒ ወፃኢ ሰላም ከትዕምብብዝምነይ መልእኽቲ ጥራይ ኣመሓላሊፎም። ብኻሊእ ገፅኣውሮጳን ኣሜሪካን ዝምውልዎም ዓለምለኸ ትካላት ብተፃራሪፍትሒ ስግግር እንድሕር ዘይተተግቢሩ ዘላቂ ሰላም የለን እሞንፍትሒ ስግግር ኣሳርሑና ይብሉ ኣለዉ።
ካብ ትካላት ኣዲሰ ኣበባ ኣለሻ ሰፖንሰር ሺፕ ዝኸረሙ ትካላትመንግስቲ ትግራይ ኣሸንዳ ንፍትሒ ክንገብራ ኢናእንተዝብልዎም ካብቲ ብሸራፍ ኣስናን እናተስሓቑ ለሚኖምዘዋህለልዎ ቕርሺ ዝያዳ ምረኸቡ። ኣቱም ተጋሩ ትግራይ መንዩዘዕውራ ዘሎ? መንዩባ ንኣሸንዳውን መስዋእቲ ክትኸውን ሜላኢሉ ዝሰርሐ? አረ መንዩ ብኣሻሓት ዘመን ዝተሃነፀ ክብርታትናክንስንድው ላዕልን ታሕትን ዝብል ዘሎ?
ብዝኾነ ብብርኪ ሰጊድና እንተይኮነስ ክምቲ ንሃፀይ ሃይለስላሴይግበረሎም ዝነበረ መሬት ልሒስና እንተንሕሽከርውን ናይዚዞባ ፖለቲካ ብሕሽክርና ከምዘይዕረ ብኲናትውን ከምዘይውዳእካብቲ ኣብ ዝባን ተጋሩ ዊዒሉ ዘሎ ጉድኣትን ጥፍኣትን መንክነግረና ይግባእ።
ትግራይ ብሓዱሽ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ፣ ስትራቴጂ፣ ብቑዕሲቪል ውዳበን ንረብሓ ተጋሩ ብዝተቓነየ ኩለመዳያዊ ወፍሪንምትእስሳርን ዘሳልጥ ሚስጢራዊ ሓይሊ ካብ ውሽጣ ትድሕንንደገውን ትተርፍ ኢልና እንተዘይተበጊስና ሽሕ ጊዜእንተንሕሽከር ናይዝኾኑ በዓልስልጣን ሒሳብ ቁፅሪ ይኽፈትናይ ገሊኦምውን ገዛ ይልቀቕ ትግራይ ድማ ንሓዱሽ ቤዛነትሓሽከር ክትኸውን ጥራይ ትጥለብ።
ኣሸንዳ-መቐለ ኣብ ዝባና ዝተነበረ ሽርሒ ስዓራ ዝሕል ዝበለፅምብል ዘኪራ ፍትሒ ተምንያ ዛዚማቶ።
