መቐለ ንንብዓት ኣሸንዳ መልሲ ሂባ

Editorial

ድልየት ኣሸንዳን ድልየት ፖለቲካን ዝቐረበላ መቐለ ሓዱሽዘይመስል ኽዳን ግና ሓዱሽ ቍናኖን ኵምሪ ኣርቴፊሻል ፀጉርንብዝገበራ ብከበሮን ዝላን ዘይተሰነያ ደቂ ኣንስትዮ ብቐትሪከይኮነስ  ኣጋግዘ ኣብ ቧለኒ ፀወታ ኣተኣናጊዳ እያ

ጎደናታት መቐለሹቓት መቐለገዛውቲ መቐለ ብድምቀትኣሸንዳ ኣይተዓንገሉን ተጓዓዘቲ እግሪ ሓዛለይ ሓዛለይ ብዝብላፅቡቓት ተጋሩ ብዙሕ ኣይተሃወኩን

ሓሓሊፈን ቲም ቲም ካብ ዝብላ ድምፂታት ከበሮን ድኽምዝበላ ደርፍታትን ወፃኢ መቐለ ብኣሸንዳ ብዙሕ ኣይሳዕሰዓትንእዚ ማለት ቧለኒ መቐለ ሰበስልጣንን ደረፍቲ ሙዚቀኛታትክርእያ ብዝኸዳ ጎርዞታትን ኣይመልኣ ማለት ኣይኮነን

መቐለ ንነባር ባህላ መሰረት ገይራ ኣሸንዳ ክተኽብር ወነኣይነበራን ዋላ እተን ብኲምሪ ኣርቴፊሻል ፀጉሪ ዘጌፃጎርዞታትውን ዳርጋ ኩለን ኩሕሊ ኣይገበራን ፍርቂ ስምዒትምንባሩ ዝሕብር ብዙሕ ምልክት ምርኣይ ይከ ነይሩ

ብድምር መቐለ ስቕ ዝበለ ኣሸንዳ ፀምቢላ

ብኻሊእ ገፅ ካብ ዋዜማ ኣትሒዞም ኣድርፉ ከምተብሃሉዝዛረቡ ዳሙዙቃን ካፌታትን ከምኡወን ብመኪና ሞንታረቦፅዒኖም ዝነበሩን ወገና ንመቐለ ቁርብ ተፃዒኖምዋእምበር መቐለስ ሰማእታታ ጉዱኣታ ምዝካር ምርጫኣምዃኑ ነተን ብዙሕ ዊዒስኪስ ዘይብላ ጎርዞታት ተጋሩንተጉዓዝቲ ንዝበዝሕዎም ጎደናታታ ሪኢኻ ትግንዘብ  

ኣጋግዘ ናብ ቧለኒ ዝውሕዛ ደቂ ኣንስትዮ ሪኢኻ ድማ ኣሸንዳብምሸትኾይኑ ድዩ? ናይ መን ባህሊ እዩ? ናይ መን ትእዛዝድልየት እዩ ኢልካ ሕቶ ኣቐሚጥኻ ትሓልፍ

ሰብ እኮ ንሚድያታት ትግራይ ሪኡ እዞም ተጋሩስ ሓሊፍሎምናብ ሳዕስዒት ኣትየም ይብለና ይኸውን ዝበለት መቐለ ግናንንብዓት ኣሸንዳ ምላሽ ሂባ እያ  ጎደናታታ መቐለ ሙሉእመዓለቲ ጋሕ ዝበለ ዕለተ ኣሸንዳ ኣተኣናጊዶም እዮም እተንትግራይ ኣብ ንቡር ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ብጉጅለታት ኣብጎደናታት መቐለ ተርኢተን ዘቕርባ ዝነበራ ድሙቓት ደቂኣሸንዳ እንትዘላን ቁፅይፅይ እንትብላ ኣይተርኣያን

እቶም ህዝብና ቁስሉ ረሲዑ ክብሃል ዝደለዩ ወገናት ካብ ቅድሚድሮ ኣሸንዳ ጀሚሮም ፂኢሮም እዮም ይኹንእምበር ሕቶፍትሒ መሊኡ ብዝፈሰሶ ሕሊና ተጋሩ ድልየቶም ተዓወተሎምኣይመስል

ኣቤት ኣብ ሚድያታት ነበርካ ድፍኢት ልዕሊ40 መጎስጎሲሓፂር መልእክቲታት ዘለዎም ቪድዮታት ከዳለዉ ተነጊርዎምታሕትን ላዕልን ኢሎም ዝኸኣልዎ ኣቕሪ ኣብ ኩሎምግና ፍትሒ ከይትዝከር ካብ ፍትሒ ወፃኢ ሰላም ከትዕምብብዝምነይ መልእኽቲ ጥራይ ኣመሓላሊፎም ብኻሊእ ገፅኣውሮጳን ኣሜሪካን ዝምውልዎ ዓለምለኸ ትካላት ብተፃራሪፍትሒ ስግግር እንድሕር ዘይተተግቢሩ ዘላቂ ሰላም የለን እሞንፍትሒ ስግግር ኣሳርሑና ይብሉ ኣለዉ

ካብ ትካላት ኣዲሰ ኣበባ ኣለሻ ሰፖንሰር ሺፕ ዝኸረሙ ትካላትመንግስቲ ትግራይ ኣሸንዳ ንፍትሒ ክንገብራ ኢናእንተዝብልዎም ካብቲ  ብሸራፍ ኣስናን እናተስሓቑ ለሚኖምዘዋህለልዎ ቕርሺ ዝያዳ ምረኸቡ ኣቱም ተጋሩ ትግራይ መንዩዘዕውራ ዘሎ? መንዩባ ንኣሸንዳውን መስዋእቲ ክትኸውን ሜላኢሉ ዝሰርሐ? አረ መንዩ ብኣሻሓት ዘመን ዝተሃነፀ ክብርታትናክንስንድው ላዕልን ታሕትን ዝብል ዘሎ?

ብዝኾነ ብርኪ ሰጊድና እንተይኮነስ ክምቲ ንሃ ሃይለስላሴግበረሎም ዝነበረ መሬት ልሒስና  እንተንሕሽከርውን ዞባ ፖለቲካ ብሕሽክርና ከምዘይዕረ ብኲናትውን ከምዘይውዳእካብቲ ኣብ ዝባን ተጋሩ ዊዒሉ ዘሎ ጉድኣትን ጥፍኣትን መንክነግረና ይግባእ

ትግራይ ብሓዱሽ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባስትራቴጂ ብቑዕሲቪል ውዳበን ንረብሓ ተጋሩ ብዝተቓነየ ኩለመዳያዊ ወፍሪንምትእስሳርን ዘሳልጥ ሚስጢራዊ ሓይሊ ካብ ውሽጣ ትድሕንንደገውን ትተርፍ ኢልና እንተዘይተበጊስና ሽሕ ጊዜእንንሕሽከር ናይዝኾኑ በዓልስልጣን ሒሳብ ቁፅሪ ይኽፈናይ ገሊኦምውን ገዛ ይልቀቕ ትግራይ ድማ ንሓዱሽ ቤዛነትሓሽከር ክትኸውን ጥራይ ትጥለብ

ኣሸንዳ-መቐለ ኣብ ዝባና ዝተነበረ ሽርሒ ስዓራ ዝሕል ዝበለፅምብል ዘኪራ ፍትሒ ተምንያ ዛዚማቶ  

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *