[ብሄርሞን ፍቃዱ፣ ጋዜጣ_ፕላስ]
ብሔራዊ መዓልቲ ባንዴራ ምብዓል ታሪኻዊ ውህደትን ሓድነትን ኢትዮጵያውያን ከም ዘጠናኽር ዋና ኣሰናዳኢ ትግራይ ሊበርቲ ሚዲያ (TLM) ኣይተ በረኸት ኪሮስ ገሊፆም።
ነባርነቶም ኣብ አሜሪካ ዝኾኑ ሙሁርን ተመራማርን፤ ዋና ኣሰናዳእን አቕራብን ትግራይ ሊበርቲ ሚዲያ (TLM) ኣይተ በረኸት ኪሮስ ንጋዜጣ ወጋሕታ ከም ዝገለፅዎ፤ምብዓል ምልክት ሓድነት፣ መንነትን ሃገራዊ ሓበንን ዝኾነ ብሄራዊ መዓልቲ ባንዴራ ኢትዮጵያ ታሪኻዊ ትእስስርን ሓድነትን ኢትዮጵያውያን ዘጠናኽርን ስምዒት ፍቕሪ ሃገር ዘዕብይን ‘ዩ።
ብሔራዊ ሰንደቕ ዓላማ ኢትዮጵያ ምልክት ሓድነት፣ መንነትን ሃገራዊ ሓበንን ምዃኑ ዝገለፁ ኣይተ በረኸት፤ ኣቐዲሙ ብኣመራርሓታት ነበር ህወሓት ዝተወሃበ “ጨርቂ እዩ” ዝብል መግለፂ ፈፂሙ ዓብዪ ስሕተት ምዃኑ ገሊፆም። ሰንደቕ ዓላማ ካብ ጨርቅነት ንላዕሊ ዓሙቕ ዝኾነ ናይ መንነትን ታሪኻዊ ክብርን ዝሓዘ እዩ ኢሎም።
ኣይተ በረኸት ከም ዝገለፅዎ፤ ባንዴራ ኢትዮጵያ መግለፂ መንነት፣ ታሪኽን ሓድነትን ህዝቢ ክልል ትግራይን መላእ ኢትዮጵያን እምበር ከምቲ ቕድም ክብል ተራ ‹‹ጨርቂ›› ተባሂሉ ብአመራርሓ ነበር ህወሓት ዝተገለፀ ኣይኮነን፤ እዚ ማለት ንሃገሮም ዝነበሮም ክብሪ ክንደይ ዝኣክል ትሑትን ዝወረደን ከም ዝነበረ ዘመላኽት እዩ።
ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ስርዓታት ኣብ እዋን ሃፀይ ዮውሃንስ፣ንጉሥ ኃይለ ሥላሰን ሐዚ ድማ ኣብ እዋን ፌደራላዊ ስርዓትን፤ ኣብ መንጎኦም ዝነበሩ ምልክታትን ኣርማታትን እናተቐያየሩ እቶም ዋና ሕብሪታት ናይዛ ሃገር ሓድነት፣ ክብርን ናፃነትን ክውክሉ ከም ዝፀንሑ ኣዘኻኺሮም።
በቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ምኽንያት ኣብ ክልል ትግራይ ኮነ ተባሂሉ ባንዲራ ኢትዮጵያ ልዕል ኢሉ ከይውልብለብ ክግበር ከም ዝፀንሐ ዝሓበሩ ኣይተ በረኸት፤ እዚ ተግባር ጥንታውን ዘበናውን ታሪኽ ህዝቢ ክልል ትግራይ ከምኡ እውን መንነት ብሙሉእነት ከም ዘይወክል ኣይተ በረኸት ገሊፆም።
ኣብ ክልል ትግራይ ነበር ህወሓት ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓማውቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብምኽንያት ዘሕደሮ ኣሉታዊ ፅልዋ ፖለቲካ ምድንጋር መንነትን ባንዴራ ኢትዮጵያ ክፍጠር ከም ዝገበረ ሓቢሮም።
ዓላማን ታሪኻዊ ኣመፃፅኣ ባንዴራ ኢትዮጵያ ብትክክል ምእማንን ንሓባራዊ ሃገራዊ ምልክታት ዝህቦ ክብሪ ምዕባይ፣ ኣብ መንጎ ዜጋታት ዝረኣዩ ናይ ብሔራዊ መንነት ምድንጋራት ንምቕራፍን ሃገራዊ ሓድነት ንምጥንኻርን ዓብዪ ኣስተዋፅኦ ከም ዘለዎ ብምግላፅ ብፍላይ ኣብ ትግራይ እቲ ዝፀንሐ መሰረት ታሪኽ ተጋሩ ዝኾነ ባንዴራ ሃፀይ የውሃንስ ክልላዊ ባንዴራ ተዝኸውን ይምረፅ ክብሉ ሓቢሮም፡፡
ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ሓዱሽ ወለዶ መሰረታዊ ኢትዮጵያውነቱ ክጠራጥርን በተግብርን ለይትን ቀትርን ክሰርሕ ምፅንሑ ዝሓበሩ ኣይተ በረኸት፤እዚ ድማ ናብ ጥፍኣት ሞትን ጥፍኣትን ዳሪግዎ እዩ ምስ በሉ፤ ንኢትዮጵያ ብምክሓድ ምስ ባዕዳውያን ብምዃን ተመሊሱ ንምውጋእ ዘርኣዮ ምፍጭርጨር ፈፃሚ ክሕደት ሃገር ባዕሉ ምኻኑ ኣብዚ ቐረባ እዋን ግልፂ ኮይኑ እዩ ክብሉ ተዛሪቦም።
