The following press statement states the political and territorial issues in Tigray, emphasising transparency for the establishment of the council, peace, and stability. It highlights the illegal confiscation of lands, kidnappings, disappearances, and bad governance; condemns illegal actions; demands political reform; and advocates for peaceful resolution, adherence to the rule of law, and respect for regional autonomy. Next steps include promoting all-inclusive dialogue, legal compliance, and nonviolence to support sustainable peace.
ካብ ኣብ ሓራ መሬትን ውሽጢ ከተማ ዘለው አመራርሓ ከተማ መቀለን 7ተእን ክፍለ ከተማታትን ንቤት ምኽሪ ሰላምን ለውጥን ዝቐረቡ ሕቶታትን ርኢቶታትን
መእተዊ
ከም ዝፍለጥ፣ ህዝቢ ትግራይ ዘካየዶ ናይ መኸተ ቃልስን ንዕኡ ስዒቡ ዝተኸፈለ ከቢድ መስዋእትን መሰረት ብምግባር፣ ክልቲኦም ሓይልታት ናብ ድርድር ብምምጻእ ውዕሊ ፕሪቶርያ ክፍረም ኪኢሉ እዩ። ድሕሪ ምፍራም ውዕሊ ፕሪቶርያ፣ ኣብ ትግራይ ዋላ ‘ኳ ምስ ፀገማቱ ግዝያዊ ምምሕዳር ተመስሪቱ ናብ ተግባር ዝኣተወ እንተዀነ፣ ነዚ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝተዋህብዎ ልኡኻት ኣብ ምፍጻምን ውዕሊ ፕሪቶርያ ኣብ ምትግባርን ዓበይቲ ፀገማት ተራእዮም እዮም።
ናይዚ ቀንዲ ፀገም ድማ ወታደራዊ ኣዘዝቲ ናይ ሓደ ጉጅለ አብ ስልጣን ዘሎ ዓሌት መገልገልትን ዋርድያታትን ከምዝኾነ 15 ጥሪ 2017ዓ.ም ብዕሊ ኣዊጆም እዮም። በቲ ኣዋጆም መሰረት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብውዕሊ ፕሪቶሪያ ዘይኮነስ ብናታቶም ድልየት ጥራሕ ክውሰን ብምግባር እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር በቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2016 ዓ.ም ዘይሕጋዊ ጉባኤ ዘከየደ ፍንጫል ጉጅለ ህወሓት ክውነን ከምዘለዎ ወስኖም። እዚ ማለት ነቲ ኣብ መሪሕነት ህወሓት ዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ከምዘይለ ቆፂሮም ወይ ድማ ነቲ ሓደ ጉጅለ ከምፀላኢ ፈሪጆም ነቲ ሓደ ዓሌታዊ ጉጅለ ከዓ ብኣንፃሩ ከም ናታቶም ኣካል ገይሮም ሙሉእ ድጋፎም ክገብርሉን ኩሉ ዓይነት ኣማራፂ ተጠቒሞም ናብ መንግስትነት ክምልስዎን ወስኖም ማለት እዩ።
ብፍላይ ከተማና ከተማ መቀለ ናይቲ ድሑር ጉጅለ ዓሌታዊ ስልጣን መዐንደሪት ካብ ትኾን ንብርክት ዝበለ ዘመናት ፀኒሓ እያ ሐዚ ኻዓ ካብቲ ዝነበረቶ በዝባአሰ መጭወይት ዜጋታታ መንበሪት ዘይትፈልጦም ሰባት ተወራሪት ሃፍታ መሬታን መመለሲት ዘይሕጋዊ መንግስቲ ወይ ወዝፍ ቤት ምኽሪ ኮይና ዝነበራ ድምቀት አብ ምስአንን ምዕቃብን እናተቃለሰት ትርከብ ።
ድሕሪ ናይ ለውጢ ምንቅስቃስ እውን ከምተን ካልኦት ዘባታት ለወጢ ንምምፃእ ኩናት ይአክል ሰላም እና ንደሊ ብምባል መሪሕነታ አብ ክልተ ብምምቃል እቲ ሰላም ዘደሊ መሪሕነታ ሰላም ሲኢኑ ንቃልሲ ካብ ዝነበሮ ናብራ ገልኡ ንሓራ ገሊኡ ንአዲስ አበባ ገሊኡ አብ ውሽጢ ብምኻን ከምብሐድሽ ተወዲቡ ለወጢ ንምምፃእ እናተቃለሰ ፀኒሑን ሐዚ እውን ዝቅፅል ዘሎን እዩ።
እዚ መሰረት ብምግባር፣ ኣብ ዝጣየሽ ዘሎ ቤት ምኽሪ ሰላምን ለውጥን ትግራይ፣ ከም ዞባ መቀለ ኣመራርሓ ኣብቲ ቤት ምኽሪ ዘለው ስሕታት ክስተኻኸሉ ኢሉ ዝሓስቦም ሕቶታትን ርኢቶታትን፣ ከምኡ’ውን ኣብ ቀፃሊ ኣብ ትግራይ ክመፅእ ንዝደልዮ ለውጢ ዘለውዎ ስኽፍታታት ከም ዝስዕብ የቕርብ፦
1. አብ ጉዳይ ግልፅነት ዘሎ ፀገም፦
እቲ ንባዕሉ “ቤት ምኽሪ ሰላምን ለውጥን” ዝብል ሽም ዝሃበ ውዳበ እውን ካብቲ ድሑር ጉጅለ ብዝኸፍአ መልክዑ ግልፅነት ከይህሉ ተወዲቡ ዝቃለስ ኣካል ኮይኑ ኣሎ። ብኣንፃር ዕላማ እውን ናይ ውልቀ ሰባት ፃምእን ህርፋንን ስልጣን ንምምላእን እምበር ባህግን ድልየትን ህዝቢ ትግራይ ዘየገድሶ እኽብካብ እዩ። ናይ ብሓቂ ንህዝቢ ትግራይ ዝሕለቕ እማ ተዝኸውን ነይሩ “ዘይተወከሉ ኣካላት ይወከሉ፣ እቲ ውክልና እውን ፍትሓውን ሚዛናዊነቱ ዝተሓለወን ይኹን” ክበሃል ከሎ ጉድለታቱ ኣሪሙ ንምምዕርራይ ክሰርሕ ነይሩ እዩ። ካብ ፈለማኡ ብሸፈጥ ዝጀመረ ኣካል መወዳእታኡ እውን ሸፈጥ ኮይኑ። እቲ ሕቡእ ድልየት እንትቕላዕ ግን ንሱ ዝእዝዞ መንግስቲ ናይ ምጥያሽ ዕማም ይፍፅም ከምዘሎ እቲ ኣብ ዞባታት፣ ወረዳታትን ከተማታትን ዝገብሮ ዘሎ ምትዕርራይ እኹል መርእዪ እዩ። ኣብ ሕድሕድ ዞባ፣ ወረዳን ከተማን ሸውዓተ ኣባላት ዘለውዎ ኮሚቴ ብምጥያሽ ስርዓተ መንግስትን ኣመሰራርታኡን ዝቆፃፀርን ዝመርሕን ጉጅለ ዝምድብ ዘሎ ኮይኑ እቲ ዝኸፍአ መዳዩ ድማ ብዛዕባ እዚ ካብ መሪሕነት ዞባ፣ ከተማ ኮነ ወረዳ ክስወር ዝተደለየሉ ምሽጢር እዩ። ህዝባዊ ዕላማ ተሓንጊጡ ዝቃለስ ዘሎ መሪሕነት ብዛዕባ ምትዕርራይ መንግስቲ ግን ኣይምልከተካን ተባሂሉ ንጎኒ ተገዲፉ ኣሎ።
‘ንሰላምን ለውጥን ይሰርሕ ኣለኹ ዝብል ኣካል ንምንታይ ብሕብሕብእተይ ክኸይድ ከምዝደለየ ንምግማቱ ዘፀገም ኣይኮነን። ካብ ፈለማ ናይ ሰላም ኮነ ናይ ለውጢ ድልየት ዘይነበሮ ነገር ግን ቅቡልነት ውድብ ስምረት ብምድኻም ኣቢሉ ካብ ፌዴራል ዝርከብ ኩሉ ዓይነት ሓገዝ ተጠቒሙ ንባዕሉ ንምድላብ ዓላማ ዝነበሮ ኣካል ዝጀመሮ ናይ ሸፈጥ ውዳበ ምዃኑ ብዙሕ ዘከራኽር ኣይኮነን። ካብዚ ሓሊፉ እውን እቲ ቃልሲ ምእንቲ ክኹለፍ ነቶም መራሕቲ ለውጢ ምግላልን ምድፋእን ከም መሳርሒ ይጥቀመሉ ከምዘሎ ዘመላኽት እዩ ። ኣብዚ መዳይ እዚ ውዳበ ‘ቤት ምኽሪን’ ጉጅለ ሓወልቲ ሰማእታትን ተመሳሳሊ ከይድን ውፅኢትን ከምዘለዎም ምእማት ኣየፀግምን።
ብሽም ‘ምንቅስቓስ ደለይቲ ለውጢ’ ጀሚሩ ሕዚ ድማ ‘ቤት ምኽሪ ሰላምን ለውጥን’ ብዝብል ካልእ ቀሚሽ ነቲ ናይ ለውጢ ምንቅስቓስ ዝሕንሽሽ ዘሎ
ውዳበ እዩ። ‘ለውጢ” እናበለ ንደለይቲ ለውጢ የሳድድን የፀልምን ኣሎ። መንእሰይ ተወዲቦም ከይንቀሳቐሱ ዕንቅፋት ኮይኑ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ድማ ‘መናእሰይ መናእሰይ ኣይትበሉና” እናበለ መንእሰይ ኣብ ምብታን ይውዕል። እቶም መናእሰይ ከም ገለ ኢሎም እንትውደቡ ከዓ ኣብ ውሽጦም ኣትዩ ክጨውዮም እንተዘይክኢሉ ከዓ ክብትኖም እናተንቀሳቐሰ መፂኡ እዩ። ንባዕሉ ዝጥዕሞ መስፈርቲ ኣውፂኡ ንዒኡ ዝመስሉ ሰባት እናኣከበ ዝተፈልየ ሓሳብ ዘለዎም ኣካላት ግን ከይቐርብዎ ብማዕዶ የፀልም። ናብ ሚድያ እናወፅአ ይፃረፍን የፀልምን። ብሽም ለውጢ ተወዲቡ ብተግባር ግን ብርኡይ ፀረ ለውጢ ምንቅስቓስ እናገበረ እቲ ደላይ ለውጢ ተስፋ ቆሪፁ ክበታተን እዩ ዝሰርሕ ዘሎ። ኣብዚ መድረኽ ብሽም ፀለውቲ ተባሂሎም ዝኣተው ውልቀ ሰባት ካብቲ ናብቲ መድረኽ ዘይኣተወ ወይ ክኣቱ ዘይተደለየ ሰብ ብምንታይ ይፍለዩ ኢሉ ሕቶ ንዘልዕል ሰብ መልሱ ቀሊል እዩ። ነቶም ንባዕሎም ሰብ ዋና ገይሮም ዝሓስቡ ውልቀ ሰባት ክሳዕ ዝመሰለ ኣብ ውድባት ይኹን ኣብ ማሕበራት ወይ እውን ኣብ ሚድያ ይኹን ኣብ ዝኾነ ቦታ ይሃሉ ዝኾነ ሰብ ክኣቱ ይኽእል እዩ። ብኣንፃሩ ንሓቀኛ ለውጢ ዝቃለስ ምሁር፣ መንእሰይ፣ ኣክቲቪስት፣ ጋዜጠኛን ካድረን ግን ብፀላኢ ተፈሪጁ ኣብዘይለሉ እናተፀለመ እዩ ዝውዕል።
2. አብ ሓቋፋይነቱ ዘሎ ፀገም፦
አብዚ ዘሎ ፀገም እውን ከብቲ አብ ግልፅነቱ ዘሎ ፀገም ዝነአኤስ አይኮነን ብገጣሚ ናብዚ ወዳበ እዚ ዝአተው ወልቀ ሰባት ይኹነ ትከላት ዘለዎም ጥንካሬ አብ ምቅፃል ዘልዕልዎ ናይ ግልፅነት ሓቋፈይነትን አብ ምትእንጋድ ዘሎ ፀገም ክስተኻኸል ተዘይኪኢሉ ካብ ዝገደደ ናብ ዝኸፈአ ንሳጋገር ከም ዘለና ክፍለጥ አለዎ።
3. መደምደምታን ድልየትን
ብሓፈሻ፣ ከም ዞባ መቀለ እዚ ቤት ምኽሪ ሰላምን ለውጥን ከም ውዳበ ኣድላይ እኳ እንተዀነ፣ ኣብ ኣፈፃፅምኡ ዘለዉ ዓበይቲ ፀገማት ኣብ ውሽጢ ደለይቲ ለውጢ ኣፈላላይ ዝፈጥሩን ፅባሕ ኣብ ትግራይ ኣቲና ክመፅእ ንዝንደልዮ ለውጢ ዝዕንቅፉን ስለ ዝዀኑ፣ ኣብ ኣመራርሓና ዓበይቲ ሕቶታትን ቅሬታታትን ከም ዘለዉ ተፈሊጡ መፍትሒታት ክቕመጥ አለዎ።
ንቐፃሊት ትግራይ ዝጠቅም ኣብ ኩሎም ኣጀንዳታት ግልፅነት እናፈጠርካ፣ ካብቲ ልሙድን ናይቲ ጉጅለ መግለፂታት ዝዀኑ ሕቱኽቱኻትን ወፃኢ ብምዃን፣ ብልቢ ኣብ ትግራይ ሓቀኛ ለውጢ ንምምጻእ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ዓብይን ኩለመዳያውን ፀገም ኣትዩ ዝርከብ ህዝቢ ትግራይ ዘድሕንን ዝክሕስን ቃልሲ ምግባር የድሊ።
አብ ምደባታት ዘሎ ሕትኹትኹ ካብ ብእዋኑ ተዘይተአሪሙ ዝፈጥሮ ፀገምን ኪሳራ ዝኸፈአ ክኸውን እዩ። ልመድ አሰራርሓ ፀሊኡ ዝቃለስ ህዝቢ ደጊምኻ ናብኡ ምእታው አብ ህዝቢ ዘለካ ንዕቀት ወይ ፅልኢ ንምግላፅ ዝግበር ድልየት እዩ
ብስሩ ግን መን ክምድብ ኮሎ እዩ ህዝቢ ዝቅበሎ መን ክምድብ ኮሎ እዩ ህዝቢ ዘይቅበሎ (አብ ባዓልኻ ንቡር አብ ካሊእ ዘይንቡር) ዝኾነሉ ምኽንያት ብምንታይ እዩ።
ተመንጢሉ ንዝፀነሐ ዓርሰ ምሕደራኡ ንምምላስ ኢሉ ዝቀለስ ዘሎ ህዝቢ ሐዚ እውን ካብቲ ዝነበርኻዮ ምሕደራ ውልቀ ሰባት ክንቅይረልኻ እምበር ካብኡ አይትወፅእን ዝብል አተሓሳስባን ናይ ተግባር ምኳረታትን ፍፁም ተቀባልነት ዘይብሉ ምዃኑ ፈሊጡ ብሽም ቤት ምኽሪ ሰላምን ለውጥን ዝተወደበ ውዳበ ፀገማቱ ከስተኻኽል ንፅውዕ።
ካብ ኣብ ሓራ መሬትን ውሽጢ ከተማ ዘለው አመራርሓ ከተማ መቀለን 7ተእን ክፍለ ከተማታትን
