ምንም ከምዘይበፅሓና ኾይና ክንሓልፎ ንዓርስና ኣይነምህርን!

Editorial

ዘመን ይቑፀር ብዝተቐመጠሉ ቀመር መሰረትውን ዕለት ወርሒ ዓመት ኾይኑ ይሓልፍዓመት ድማ ብኻሊእ መት ይትካእ

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝተፈፀመ ስደትህልቂትጄኖሳይድ ፍትሒ ክሳብ ዝረክብ ኩሉሻብ ትኩስ ኮይኑ ይነብር ይኹንእምበር ዓመት ጌሩ ወርሒ ሓሊፍዎ ተባሂሉ ምንም ከምዘይበፅሐ ንክርሳዕ ዝመክር መንግስቲ ኾነ ዉልቀሰብ ንተልዩ ግና ተሓባባሪ እቲ ገበን ኾይኑ ይዉሰድ ንኣብነት ድሕሪ ስደትሞትን ሓደ ሚልዮን ተጋሩ ቁስልና ኣይንሕኸኽ ዝብል ፖለቲካዊ ኣንፈት መንግስቲ ትግራይ ፍፁም ፀረ ፍትጓንነትን እዩ ኣይኳይዶ ኣብ መጋባእያ ቐሪቡ ፍትሒ ዘይረኸበጉዳይስ እንተዝረክብ እው ንኸይድገምን ዓርሱ ዝከላኸል ጠንካራ ህዝቢ ንምፍጣርን ኩሉሻብ ክዝከርን ክምርመርንዝግበኦ ጉዳይ እዩ

ህዝቢ ትግራይ ብዘይኣፈላላይ ብዝወረዶ ልፍንታዊ ጨፍጫፍ ዘቃፅል ትኩስ ኣካላውን ናውን ቁስሊ እናሃለዎመንግስቲ ትግራይውን መድሓኒት ከምዘይተገብረሉ እናፈለጠ ቁስልውን ከምዘሳሒ እናተረደኦ ቁስልና ኣይንሕኸኽ ክብል ዝስማዕ ሓደገኛ ምሕደራ ኾይኑ ነቲሕዚ ድልየቱ ዝዛረብ ዘሎ መንግስቲ ኣንደበት ክህልዎምእንታን ዝተዓፀዋ ኣማኢቲ ኣሻሓተ ኣንደበታት ዳግማይፀላኢ ኾይኑ ይዓፅወን ኣሎ በዓል ዉራይ ክኸውን እናተገበኦብግላጭ ብቐትሪ ወኪል ሽማግለ መፅነታይ ኾይኑ ክሕደት ከሰላጥ ይውዕል

ኣብ ኣፍደገ ሞትን ሕየትን ዘሎ ተፈናቓላይውንዕለታዊ ግቢ መድሓኒት ካበ ማይን ፀሓይን ዝከላኸለሉ ግቡእ መፅለሊ ክረክብ ኣይከኣለን እቲ ሓደ ምኽንያት ድምፂዝኾነሉ መንግስቲ ኣይረኸበን ዝተረሰዓ ዝተጠለመ ህዝቢኾይኑ ኣበይ ድየ ተፈጢረህዝቢ ኣብዝርሰዓሉ ዓዲ ድየ ዘለኹ” እናበለ ሰብነቱ እናፀልአ ዝሓድር ህዝቢ ኾይኑ ይርከብእናጠመየ እናሓመመ ግና ቁስልና ኣይንሕኸኽ ጥራይይበሃል ቁስሊ መን ይፎቱ እዚ ኹሉ ቁስሊ ብሕመቅ ፖለቲካዊመሪሕነት ወሪድዎ እምበር ንመንግስቲ ግብሪ እናኸፈለዓዲዘልምዕእንዳማቱ ከይዱ ዘይዕምፅ ትግራዋይ መንነቱዝፎቱ ህዝቢ እዩ ነይሩሕዚ ግና ከምስድራ ፋሕ ፋሕኢሉምቁሽት ከምወረዳ ከምዞባ ተበቲኑ

ፎርናሎ ኣሪግዎ ሞጎጎ ተሰቢርዎ መብሰሊ ስኢኑ መብሰሊ ናተለቀሐ እንዳሕሩፁ ባዶ ቀርዩ ስለእኽለማይ እናተማህለ ለኣደዳ ቁርን ማይን ኾይኑ ናብ ሓዱሽ ዓመት ይኣትው ኣሎ ነቲኣብ ሻራን ገለ መፀግዒን ዘሎ ህዝቢ ትግራይ እቲ ሓዱሽ ዓመትተባሂሉ እንኳዕ ኣብፀሓኩም ክበሃለሉ ዝኸውን ዕለት ርሹኡበቲኹ ቃንዝኡ ወሲኹ ይኣትዎ ከምዘሎን ሕዚውን ብሚልዮንዝቑፀር ህዝቢ ኣብ ከቢድ ኣካላውን ሕሊናዊ ስቓይን ኮይኑይኣትዎ ከምዘሎ ምዝካር ምቅላሕ ሓገዝ ምግባርን ተጋሩግቡእና እዩ

ብርቱዕ ስቓይን ሕቶ ፍት ዘለዎ ህዝቢ እናተፀበየካሓዱሽ ረስኒ ፖለቲካዊ ምሕዝነት መጠን ዘይብሉ ወደኽደኽሜላ ዝመስሎ መሪሕነት ነቲ ዕድል እንተማፀዎ ህዝቢ ግናምንም ከምዘይተጎዳእ ኾይና ክንሓልፎ ንዓርስና ኣይነምህርን! ክብል ግድን እዩ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *