ዘመን ይቑፀር። ብዝተቐመጠሉ ቀመር መሰረትውን ዕለት፣ ወርሒ፣ ዓመት ኾይኑ ይሓልፍ፣ ዓመት ድማ ብኻሊእ ዓመት ይትካእ።
ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝተፈፀመ ስደት፣ ህልቂትን ጄኖሳይድን ገና ፍትሒ ክሳብ ዝረክብ ኩሉሻብ ትኩስ ኮይኑ ይነብር። ይኹንእምበር ዓመት ጌሩ ወርሒ ሓሊፍዎ ተባሂሉ ምንም ከምዘይበፅሐ ንክርሳዕ ዝመክር መንግስቲ ኾነ ዉልቀሰብ እንተልዩ ግና ተሓባባሪ እቲ ገበን ኾይኑ ይዉሰድ። ንኣብነት ድሕሪ ስደትን ሞትን ሓደ ሚልዮን ተጋሩ ቁስልና ኣይንሕኸኽ ዝብል ፖለቲካዊ ኣንፈት መንግስቲ ትግራይ ፍፁም ፀረ ፍትሕንጓንነትን እዩ። ኣይኳይዶ ኣብ መጋባእያ ቐሪቡ ፍትሒ ዘይረኸበጉዳይስ፥ እንተዝረክብ እውን ንኸይድገምን ዓርሱ ዝከላኸል ጠንካራ ህዝቢ ንምፍጣርን ኩሉሻብ ክዝከርን ክምርመርንዝግበኦ ጉዳይ እዩ።
ህዝቢ ትግራይ ብዘይኣፈላላይ ብዝወረዶ ልፍንታዊ ጨፍጫፍ ዘቃፅል ትኩስ ኣካላውን ሕሊናውን ቁስሊ እናሃለዎ፥ መንግስቲ ትግራይ እውን መድሓኒት ከምዘይተገብረሉ እናፈለጠ ቁስልውን ከምዘሳሒ እናተረደኦ “ቁስልና ኣይንሕኸኽ“ ክብል ዝስማዕ ሓደገኛ ምሕደራ ኾይኑ ኣሎ። ነቲሕዚ ድልየቱ ዝዛረብ ዘሎ መንግስቲ ኣንደበት ክህልዎምእንታን ዝተዓፀዋ ኣማኢቲ ኣሻሓተ ኣንደበታት፥ ዳግማይፀላኢ ኾይኑ ይዓፅወን ኣሎ። በዓል ዉራይ ክኸውን እናተገበኦብግላጭ ብቐትሪ ወኪል ሽማግለ መፅነታይ ኾይኑ ክሕደት ከሰላጥ ይውዕል።
ኣብ ኣፍደገ ሞትን ሕየትን ዘሎ ተፈናቓላይ እውንዕለታዊ ምግቢ፣ መድሓኒትን ካበ ማይን ፀሓይን ዝከላኸለሉ ግቡእ መፅለሊን ክረክብ ኣይከኣለን። እቲ ሓደ ምኽንያት ድምፂዝኾነሉ መንግስቲ ኣይረኸበን። ዝተረሰዓን ዝተጠለመን ህዝቢኾይኑ ኣሎ። “ኣበይ ድየ ተፈጢረ፥ ህዝቢ ኣብዝርሰዓሉ ዓዲ ድየ ዘለኹ” እናበለ ሰብነቱ እናፀልአ ዝሓድር ህዝቢ ኾይኑ ይርከብ።እናጠመየን እናሓመመን ግና “ቁስልና ኣይንሕኸኽ“ ጥራይይበሃል። ቁስሊ መን ይፎቱ፤ እዚ ኹሉ ቁስሊ ብሕመቅ ፖለቲካዊመሪሕነት ወሪድዎ እምበር ንመንግስቲ ግብሪ እናኸፈለ ፣ ዓዲዘልምዕ፣ እንዳማቱ ከይዱ ዘይዕምፅን ትግራዋይ መንነቱዝፎቱን ህዝቢ እዩ ነይሩ። ሕዚ ግና ከምስድራ “ፋሕ ፋሕ” ኢሉ፥ ከምቁሽት፣ ከምወረዳ፣ ከምዞባ ተበቲኑ።
ፎርናሎ ኣሪግዎ ሞጎጎ ተሰቢርዎ መብሰሊ ስኢኑ መብሰሊ እናተለቀሐ፣ እንዳሕሩፁ ባዶ ቀርዩ ስለእኽለማይ እናተማህለ ለኣደዳ ቁርን ማይን ኾይኑ ናብ ሓዱሽ ዓመት ይኣትው ኣሎ። ነቲኣብ ሻራን ገለ መፀግዒን ዘሎ ህዝቢ ትግራይ እቲ ሓዱሽ ዓመትተባሂሉ እንኳዕ ኣብፀሓኩም ክበሃለሉ ዝኸውን ዕለት ርሹኡበቲኹ ቃንዝኡ ወሲኹ ይኣትዎ ከምዘሎን ሕዚውን ብሚልዮንዝቑፀር ህዝቢ ኣብ ከቢድ ኣካላውን ሕሊናዊ ስቓይን ኮይኑይኣትዎ ከምዘሎ ምዝካር፣ ምቅላሕን ሓገዝ ምግባርን ተጋሩግቡእና እዩ።
ብርቱዕ ስቓይን ሕቶ ፍትሕን ዘለዎ ህዝቢ እናተፀበየካን ሓዱሽ ረስኒ ፖለቲካዊ ምሕዝነት መጠን ዘይብሉ ወደኽደኽሜላ ዝመስሎ መሪሕነት ነቲ ዕድል እንተማፀዎ ህዝቢ ግናምንም ከምዘይተጎዳእና ኾይና ክንሓልፎ ንዓርስና ኣይነምህርን! ክብል ግድን እዩ።
