ገበናት ግፋ ትግራይ

Articles

ሓምለ 2018
መቐለ፣ ትግራይ

1) መእተዊ

ዋላ እኳ ካብ ወርሒ ሚያዝያ ጀሚሩ ኣብ ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ብልጭ ድርግም ዝበሉ ናይ ግፋ ምልክታት እንተነበሩ ብዋናነት ግና ካብ ወርሒ ግንቦት ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ መናእሰያት ትግራይ ብዕሊ ግፋ ተጀሚሩ። እዚ ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ዝተገበሩ ብሓይሊ ምግዳድ ፅንዓት ብምግባር ዝቀረበ ሰነድ እዩ።

እዚ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተጋደደ ዝኸይድ ዘሎ ገበን ግፋ፡ ኣብዚ እዋንናብ ሓሙሽተ ዞባታት ዝፍፀም ዘሎ ኮይኑ ማእለያ ዘይብሉ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊ፣ ማሕበራውን ፀጥታውን ፀገማት እናፈጠረ ይርከብ። እዚ ተግባር ህዝብና ብቕሉዕ ዝቃወሞ ዘሎ ተግባር ዘሎ ዋላ እንተኾነ እቲ ብጉልበት ኣብ ስልጣን ዝተኾየጠ ሓይሊ ብሓይሊ ብረት ይፍፅሞ ኣሎ።

ከም ዝፍለጥ ኣብ ትግራይ ዝፍፀሙ ዘለው ግፋታትን ዝተፈላለዩ በደላትን ብዓለም ለኸ ሕጊ ክረኣዩ እንከለዉ፡ ዓበይቲ ጥሕሰታት ሕግን ሰብኣዊ መሰላትን ተገይሮም እዮም ዝውሰዱ። እዚ ማለት ኣብ ልዕሊ ሲቪላት ዝተፈፀመ ግፋ ዘይሕጋውን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን መሰረታዊ ናይ ደቂ ሰባት ናፅነት ዝምንጥልን ኮይኑ እዚ እውን ገበን ኣንፃር ሰብኣውነትን ዘሕትትን ኮይኑ ንረኽቦ።

እዚ ሰነድ ድማ ኣፈፃፅማ ገባናት ግፋ፣ ፈፀምቲ ኣካላት፣ ግፋ ዝፍፀመሎም ማሕበራዊ ንጥፈታት ሓዊሱ ሳዕቤናት ግፋን ኣብዚ ከይዲ ግፋ ዝፍፀሙ ዘለው ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ግፋ ደው ዝብለሎም መፍትሒ ሓሳባትን ዘጠቓለለ ሰነድ እዩ።

2) ከይድን ዝርዝር ኣፈፃፅማን ግፋ

ኣብ ትግራይ ሐዚ ዘሎ ኩነታት ምስ ግፋ ተተሓሒዙ ኣብ በቢ ከባቢኡ ብርክት ዝበሉን ብዝሕ ዝበለን ሓበሬታት እናወፁ ይርከቡ። እዚ ናይ መናእሰያት ናይ ግፋ ግዳይ ድማ እቶም ገፈፍቲ ዝበሃሉ ፀሊም ማስክ ብምግባርን ሻሽ ብምሽፍፋን ግፍዓዊ ብዝኾነ ኣገባብ መናእሰያት ብቀትርን ፀልማት ከውሊ ብምግባርን ብምግፋፍ እዚ ተግባር መዓልታዊ ስራሕ ናይቶም ገፈፍቲ እናኾነ ድማ ቀፂሉ ይርከብ። በዚ መሰረት ድማ በቢ ዞባኡ ኩነታት ግፋ እንታይ ይመስል ዝብል በዚ ኣገባብ ቀሪቡ ኣሎ።

2.1. ዞባ ሰሜን ምዕራብ

ካብ ወርሒ ግንቦት ጀሚሩ ኣብ ምግዳል ዝነበሩ ማለት እውን ካብቲ ሰራዊት ተሰናቢቶም ዝመፁ ኣባላት ሰራዊት ዝነበሩ ብሓይሊ ገፊፎም ናብ ከባቢ ዘላምበሳ ብምውሳድ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ዓፅዮም ፣ ካብ ሰብኣዊነት ብዝርሓቀ ኣገባብ ከም ካልኣይ ዜጋ ብዝርኣይሉ ኹነት ግዱድ ወታደራዊ ስልጠና ክወሃቦምድሕሪ ምፅናሕ ኣብ መወዳእታ ብለይቲ ካብቲ ቤት ትምህርቲ ተበታቲኖም ኣብ ከባቢ ኢሮብ ጠፊኦም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብ ወርሒ ግንቦት ውሽጢ ሰፊሕ ናይ ግፋ ኸይዲ ዝተሳለጠ እንትኸውን ኣብ ወረዳ ኣስገደ ፍለይ ቦታ ዓዲ መሓመዳይ ፣ ሕፃፅ ካብ ዝተብሃሉ ከባቢታት ናይቲ ከባቢ ነበርቲ መናእሰያትን ካብ መዓስከራት ዝተመዛበሉ ወገናትን ሓዊሱ ሰፊሕ ግፋ ተኻይዱ። ካብዚ ግፋ እዚ ተገፊፎም ድሕረ ባይተኦም ኣብ ሰራዊት ዝነበሩ እንተኾይኖም ናብ ኣርሚታት ዝተመደቡ እንትኾኑ: ካብዚ ድማ ኣብ ኣርሚ 42 ዝተመደቡ ከም ዘለው ይሕበር። ሓደ ተገፊፉ ናብ ኣርሚ 42 ድሕሪ ምፅንባር ፀኒሑ ድማ ካብቲ ኣሃዱ ዝጠፈአ እንትኸውን ኣብ ዓዲ መሓመዳይ ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ንዝትርከብ ሓራስ ብዓልቲ ገዝኡ ሰብኣይኪ ካብ ዝጠፈኦ ኣምፅእዮ ብምባል ብኣርባዕተ ማስክ ዝተሸፈኑ ዕጡቃት መንበሪ ገዘኣ ብምኽባብ ካብቲ ገዛ ብሓይሊ ናብ ናይቲ ከባቢ ፖሊስ ጣብያ ዝርከብ ወሲዶም ክትእሰር ተገይሩ።

ምስዚ ተተሓሒዙ ኣብ ወርሒ ግንቦት ውሽጢ ኣብ ውሱናት መዓልታት ካብ ክልቲኡ ቦታታት ማለት እውን ዓዲ መሓመዳይን ሕፃፅን ኣስታት ኣርባዕተ መኪና መናእሰያት ተፃዒኖም ከም ዝተገፈፉ ዝተገለፀ ኮይኑ እቲ ግፋ ክሳብ ሐዚ እውን እናቀፀለ ይርከብ። ኣብ ከተማ እንዳባጉና ብዕለት 13/10/2018 ናብ ዕለት 14/10/2018 ዘውግሕ ለይቲ ብርክት ዝበሉ መናእሰያት ዝተገፈፉ ኮይኖም ብኣርባዕተ መካይን ተፃዒኖም ክውሰዱተገይሩ።

ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ካብ ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ ጣብያ ዕጉብ ፣ ጣብያ መደባይ ጠሬር ካብ ዝተብሃሉ ከባቢታትን ከምኡ እውን ዊዳኽ ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ኣብ ወርቂ ምውፃእ ተዋፊሮም ዝነበሩ መናእሰያት ሓዊሱ ብሓይሊ ገፊፎም ብሓሙሽተ ኣይስዙ ብሓንቲ ኤነትረ መካይን ብጠቅላላ ብሽዱሽተ መካይን ናብ ኣንፈት ሽረ ፅዒነሞም ከም ዝኻዱ ይሕበር። ምስዚ ተተሓሒዙ እውን ብዕለት 12/9/2018 ኣብ ጣብያ መደባይ ጠሬር እቶም ገፈፍቲ በቲ ናይቲ ጣብያ ናይ ጥዕና ጣብያ ኣምቡላንስ ንግልጋሎት ገፈፉ ከውዕልዋ ተራእዩ እዩ። እዚ ድማ እታ ኣምቡላንስ ህፁፅ ምላሽ ንዝጠልባ ወላዳትን ሓራሳትን ግልጋሎት ከትህብ ዝግባእ ዋላ እንተነበረ ብሰሪ እዚ ሓይሊ መሳርሒ ገበናት ዝኾነሉ ኩነታት ተፈጢሩ እዩ።

ብተመሳሳሊ ኣብዚ ወረዳ እዚ ኣብ ጣብያ በለስ ዝተብሃለ ብዕለት 14/10/2018 ነቲ ነባራይ እታ ጣብያ “ንዑ መዳባርያ ንህበኩም ውሰዱ” ኢሎም ብምእዋጅ መዳበርያ ንክወስዱ ዝመፁ ገፊፎም ከም ዝወሰድዎም ይሕበር። ብካሊእ ካብ ላዕላይ ቆራሮ ጣብያ ነፋሲት ካብ ዝተብሃለ ቦታ ሓውኪ ኣምፅእዮ ወይ ንኣኺ ኢና ንወስድ ኢሎም ንሓንቲ ንነብሰ ፁር ጓል ኣንስተይቲ ገፊፎም እናወቀዑን እናገላተዑን ናብ ዛና ከም ዝወሰድዋ ዝተረጋገፀ ኮይኑ ብዝበፀሓ መጉዳእቲ ናብ ሽረ ኣምስሉ ናብ ዝበሃል ሕክምና ማእከል ኣትያ እያ።

ብተወሳኺ ኣብ ከተማ ሽረ ግፋ ዝቅፅል ዘሎ ኮይኑ ውሽጢ ንውሽጢ እናፅንዑ ድሕሪ ምፅናሕ ፀልማት ጉልባብ ገይሮም ብለይቲ ይገፉ ከም ዝፀንሑ ኮይኖም ስዒቦም ድማ ብጅምላ ኣብ ካፌታት ፣ እንዳ ቡን ወዘተ ብጅምላ እ ምግፋፍ ቀፂሎምሉ እዮም። ንኣብነት ብዕለት 9/10/2018 ዳርጋ ዝበዝሕ ናይታ ከተማ ናይ ንግዲ ትካላት ተዓፅዮም ነይሮም። ሐዚ ድማ ሕድ ሕድ ገዛ ክንደይ ተካራዪ ፣ መን ኣሎ ገለታት ዝብሉ ብዝርዝር ሓደ ኣብ ልዕሊ ካልእ ክጥቁም ብምግባር ምናልባት ሓቢኡ ዝተረኸበ በቲ ሕገ ኣራዊት ንክጥየቅ ይሰርሑ ኣለው። ኣብ ኣድያቦ ካብ ከባቢ ላዕላይ ኣድያቦ ከተማ ዓዲ ዳዕሮን ዙርያኣን ግፋታት ብፅዑቅ እናቀፀለ ከም ዘሎ ዝሕበር ኮይኑ ካብ ዓዲ ጓእታም ዝተብሃለ ቦታ ኣብ ወርቂ ምእራይ ዝነበሩ መናእሰያት ከም ዝገፈፉ ይሕበር። ካብ ዓዲ ዳዕሮ ዙርያኣን ተገፊፎም ናብ ሽረ ፍሉይ ቦታ ሱር ናብ ዝተብሃለ ወታደራዊ ካምፕ ገፊፎም ኣእትዮምዎም።

ካብ ዓዲ ነብርኢድ ፣ ዓዲ ሃገራይን ከባቢኡን ድማ ዓዲ ቦኽራይ ናብ ዝተብሃለ ወታደራዊ ካምፕ ገፊፎም ከም ዘእተውዎም ይግለፅ። ብምቅፃል ድማ ካብ ዝተገፈፉ መሰረታዊ ናይ ወታደራዊ ስልጠና ዘይወሰዱ ይኹኑ ዝወሰዱ ብዋናነትን ናብ ዛናን ቤተ ማርያን ናብ ዝተብሃለ መሰልጠኒ ማእኸል ንስልጠና ብሓይሊ ከም ዝወስድዎም ዝተሓበረ ኮይኑ ፣ ክሳብ ሐዚ ብዘሎ ሓበሬታ ድማ ከባቢ 4000 መንእሰይ ኣብ ዛናን ከባቢኡን ጥራሕ ተገፊፎም ኸቢድ ሓለዋ እናተገበረሎም ከም ዝነበሩን እቲ ሓበሬታ ዘመላኸተ እንትኾን ካብዚኦም ናብ ሱዳን ዝተወሰዱ ከም ዘለው ፣ ከምኡ ድማ ብዝተፈላለዩግዝያት እቶም መንእሰያት ካብቲ መሰልጠንቲ እናተበተኑ ዝጠፈኡ ከም ዘለው ይግለፅ። እዚ ከምዚ እናሃለወ ኣብዚ ዛና ማእኸል መሰልጠኒ ተገፊፎም ዝኣተው ኣብቲ መሰልጠኒ ማእኸል ከባቢ 5 መናእሰያት ዝኾኑ ተቃውሞ ዘርኣዩ ዝነበሩ እንትኾኑ በዚ ድማ ተፈልዮም ድሕሪ ምውሳድ ሃለዋቶም ተሳኢኑ ድሕሪ ግዜ ድማ ናይዞም ሓሙሽተ መንእሰያት ገይሮምዎ ዝነበሩ ጫማታት ኣብቲ ከባቢ ተደርብዮ ከም ዝተረኸበ ድማ ይግለፅ።

2.2. ዞባ ማእኸላይ

ኣብ ማእኸላይ ዞባ ኣብ መዋሰንቲ ከባቢታት ንኣብነት ኣብ ከተማ ራማ እቲ ምምሕዳራዊ ስራሕቲ ዝስርሕ ብዙሕ ግደ ከም ዘይብሉን እቲ ስራሕቲ ዝፍፅም ወታደራዊ እዩ ዝፍፀም። ። ምስ ግፋ ተተሓሒዙ ድማ ኣብ ገጠራት ዓድዋ ፍሉይ ቦታ ማይ ጥዑም ካብ ዝተብሃለ ቦታ ኣብ ወርሒ ጉንበት ከባቢ 86 መናእሰያት ብሓይሊ ከም ዝተገፈፉ ተረጋጊፁ እዩ። ገፊፎም ድማ ናብ ዝኾነ ቤት ትምህርቲ ከም ዝወስድዎምን ቤተሰቦም ክሓቱና እዮም ብዝብል ምኽኒት ዝዓርፍሉ ቦታታት ቶሎ ቶሎ ይቅይርዎም።

ካብ ዓድዋ ክሳብ ራማ ዘሎ ዝርገሐ ግፋ ማእኸል መአዘዚኡ ዓዲ በራኽ ካብ ዝተብሃለ ቦታ ከም ዝምንጩን ዝነቆጠን ብዕሊ ዘይፍለጥ ብሕቡእ ሓይሊ ይእዝዝ። ምስዚ ተተሓሒዙ ካብ ወረዳ ኣሕሰኣ ከተማ ዕዳጋ ቀዳም ተገፊፎም ብመኪና ይመፁ ዝነበሩ ተገፈፍቲ ክልተ መናእሰያት ካብ መኪና ዘሊሎም ንከምልጡ ህይወቶም ሓለፉ እዩ። ብዕለት 12/10/2018 ካብ ወረዳ ኣሕስኣን ገንደብታን ካብ ዝተብሃላ ወረዳታት ብ4 መኪና ተፃዒናም ተወሰዱም እዮም። ብተወሳኺ ኣብዚ ካብ ገጠራት ዓድዋ ተገፊፎም ኣብ ከተማ ዓድዋ ብግዝያዊ ተዓጕሮም ዝፀንሕሉ ቀናጭብ ኣብ ዝተብሃለ ቦታ እዩ።

ኣብ ከተማ ዓድዋ ብዕለት 25/10/2018 ቀትሪ ሰዓት 5 ቀትሪ ኣብቲ ከተማ ኣብ መናሃርያ ፣ ኣሉላ እንዳ ቢንጎ ካብ ዝተብሃለ ከባቢታት ብርክት ዝበሉ መናእሰያት ዝገፈፉ እንትኾኑ ገፊፎም ድማ ናብ ኮሌጅ መምህራን ከም ዝወሰድዎም ይሕበር። ኣብ ሙሉእ እታ ከተማ ዓድዋ ድማ ኸቢድ ናይ ግፋ ተግባር ቀፂሉ ከም ዘሎ ዝግለፅ ኮይኑ እቶም ገፈፍቲ ዝንቀሳቀስላ መኪና ድማ ብናይቲ ከተማ ሆስፒታል ከም ዝኾነ ተረጋጊፁ። እዚ ግፋ ኣብ ከተማ ዓድዋ ዝግበር ክሳብ ዕለት 6/11/2018 ዝቀፀለ በቢ መዓለቱ ድማ ሓንቲ ሚኒባስን ክልተ ቅጥቅጥ ባስን እናተገፈፉ ተወሰዶም እዮም። ብተወሳኺ ኣብ ወረዳ እምባሰነይቲ ጣብያ ኣዝመራ ዝተብሃለ ቦታ ብዕለት 12/10/2018 ትሕቲ ዕድመ ዝኾኑ በዝሖም 18 ቆልዑ ብሓይሊ ተገፊፎም ተወሰዱም ይሕበር።

5ኣብ ከተማ ኣክሱም ሰፊሕ ናይ ግፋ ኸይዲ እናቀፀለ ዝቀነየ ኾይኑ ብተለምዶ ዩኒየን ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ብሓይሊ ዝተገፈፈ መናእሰይ ናብ ማእኸል መሰልጠኒ ክሳብ ዝውሰድ ብጥብቂ ሓለዋ ይገበረሉ።

ብዕለት 17/9/2018 ካብ ከተማ ኣክሱም ናብ ዓድዋ ኣብ ዝወስድ መንገዲ ጣብያ ላኺዓ ኣብ ዝተብሃለ ቦታ መርዓ ዝነበረ እንትኸውን እቶም ገፈፍቲ ናብቲ መርዓ ብምእታው እቲ ዝበዝሕ ሰብ ከም ዝሃደመን ዝተወሰኑ ድማ ከም ዝሓዙን ተረጋጊፁ እዩ። ካሊእ ፍሉይ ቦታ ሳንሻይን ካብ ቦታ ዝተብሃለ ብለይቲ ከባቢ 4 መናእሰያት ከም ዝተገፈፉ እውን ይሕበር። ኣብዚ ከተማ እቲ ግፋ ሐዚ እውን ዝቀፀለ ኮይኑ ብዕለት 5/10/2018 ሰፊሕ ግፋ ዝተገበረ እንትኸውን ብዕለት 24/11/2018 ምሸት ድማ ኣብ ከባቢ ኣዱሊስ ዝተብሃለ ፉሉይ ቦታ ትሕቲ ዕድመ ዝርከብዎ ገፊፎም ናብቲ ቀበሌ ገፊጦም ወሲዶም እዮም።

ብዕለት 15/11/2018 ኣብ ወረዳ ላዕላይ ማይጨው ኣክሱም ዙርያ ሰፊሕ ግፋ እናተገበረ ዝቀነ ኮይኑ ናብ 18/11/2018 ዘውግሕ ለይቲ ኣብ ጣብያ መዳባይ ወለል ቁሸት ወለል ኣብ ዝተብሃ ብለይቲ ተገፊፎም ዝነበሩ መናእሰያት ፋሕ ኢሎም እንተምልጡ ሓደ ስሙ ተስፋይ ገብረ ገ/ዋህድ ዝተብሃለ ድማ ብጥይት ተወቂዑ ከም ዝሞተን ሬሳኡ ናብ ኣክሱም ሪፈራል ሆስፒታል ንመርመራ ዝተወሰደ እንትኸውን እታ ዕጡቃት ሒዛ ንምግፋፍ መፂኣ ዝነበረትን ድሕሪ ሓደ መንእሰይ መቅተልቲ ኣብ መንጎ ከባቢ ጭላን ራማን እትርከብ ጣብያ ዓዲ ኢለኒ ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ተታሒዛ እያ። ድሕሪ እዚ ድማ ናይ መዋቲ ቤተሰብ ካልኣይ ምርመራ ንክግበረሉ ናብ መቐለ ዓይደር ሪፈራል ሆስፒታል ክንወስዶ ኢና እንተበሉ ኾይኑ ግና ሬሳኹም ናብ መቅበሪ እምበር ናብ ካሊእ ሆስፒታል ኣይትወስድዎን ኣይንፈቅደልኩምን ተባሂሎም እቲ መዋቲ መንእሰይ ንክቅበር ተገይሩ እዩ።

ኣብ ከተማ ውቅሮ ማራይ ብዕለት 2/10/2018 ካብ ገጠራት ንሸቅሊ ዝመፁ መንእሰያት ኣብቲ ዝእከብሉ ከባቢ 70 ዝኾኑ ገፊፎም ምስ መጋፍያኦም ከም ተወሲዶም እዮም። ብተመሳሳሊ ብዕለት 15/10/2018 ኣብ መእተዊ ውቅሮ ማራይ ፍሉይ ቦታ ድዕታር ኣብ ዝተብሃለ ንገፅ ሽረ ተገፊፎም ኣብ ምጉዓዝ ካብ ዝነበሩ መናእሰያት ሓደ ኣምሊጡ ንክሃድም ብጥይት ተወቂዑ ምስ ሞተ ሓደ ቀሺ ከም ዘልዐልዎ ዝተገለፀ ኮይኑ እታ መኪና ብትራፊክ ክትትል ተገይርላ ኣብ ሽረ ከም ተትሓዘት ተታሒዛ እያ። ብዕለት 10/10/2018 ኣብ መንጎ ዓዴትን ዕዳጋ በርሀን ዘራኽብ ከባቢ ኣብ ወርቂ ምውፃእ ተዋፊሮም ዝነበሩ መናእሰያት ከባቢ 70 ዝኾኑ ዝተገፈፉ ኮይኖም ምስ ተገፉፉ ድማ እቶም ገፈፍቲ ሓንቲ ባስ ብኡ ትሓልፍ ዝነበረት ብሓይሊ ብምግዳድ ክሳብ ስጉሕ መሰልጠኒ ማእኽል ንከብፅሖም ከም ዝገበሩ ይግለፅ። ካብ ወረዳ ናዕዴር ፍሉይ ቦታ ዳዕሮ ሓፋሽ ካብ ዝተብሃለ ቦታ ወርቂ ኣብ ምውፃእ ዝነበሩ መንእሰያት ኣብዚ መእተዊ ወርሒ ሰነ ከባቢ 80 6ዝኾኑ መእሰያት ተገፊፎም እዮም። ብተወሳኺ እውን ኣብዚ ወረዳ ደቅኹም ናብ ኣዲስ ኣበባ ልኢኹም ኢኹም ተባሂሎም ወለዲ ኸቢድ ምንግልታዕ ይበፅሖም ኣሎ። ካብ ኣክሱም ዙርያኣን ዝተገፈፉ መናእሰያት ድማ ኣብ መኣከቢ ዩኒየን ድሕሪ ምፅናሕ መዓልታዊ ብለይቲ ብመኪና ተፃዒኖም ናብ ከባቢ ነበለት ስጉሕ ናብ ዝተብሃለ ማእኸል መሰልጠኒ ይውሰዱ። ኣብ ወረዳ ዓዴት እቲ ግፋ ንምጅማር ተደጋጋሚ ምልክታት ከም ዝነበረን ኾይኑ ግና ብዙሕ ከም ዘይትደፈአሉን ናይቲ ከባቢ ህዝቢ እምቢታ የርኢ ከም ዘሎዝሕበር እዩ።

ኾይኑ ግና ኣብ ጣብያ ሽናቆ ኣብ ዝተብሃለ ገፋፍን ተገፋፍን ክሳብ ምጥፍፋእ ከም ዝበፅሐ ሓደጋ ኣጋጢሙ እዩ።

ኣብ ወረዳ ማይ ቅነጣል ኣብ ጣብያታት መልቃ ፣ ዞንጕ ፣ ጎልጎሎ ፣ ሕብረት ፣ ፃኢ ወዘተ ንመንነቶም ብዘይፍለጡ ዝተሸፋፈኑ ብለይቲ መንእሰያት ገፊፎም ይወስዱ ከም ዘለው ይሕበር። ብተወሳኺ ድማ ብዕለት 25/9/2018 ብገበን ተተርጥሪኹም ተባሂሎም ብፖሊስ ማይቀነጣል ዝተትሓዙ 12 መንእሰያት ንዝፈፀምክምዎ መጠርመሪ ገበን ንሕድሕዶም ብር 2000 ድሕሪ ምቅፃዕ እቲ ናይታ ከተማ ፖሊስ ጣብያ ሕብራ ፃዕዳ ፓትሮል መኪና መፂኣ ኣገዲዱ ክፀዓኑ ድሕሪ ምግባር ናበይ ከም ዝኸዱ ዛጊድ ኣይተፈለጠን።

ኣብዚ ወረዳ ተገፊፎም ዝመፁ ብዋናነት መእኸል መሰልጠኒ ፍሉይ ሽሙ ማእኸል ሰግሊ ፣ ዞንጕ ዝተብሃሉ ከም ዘለው ዝተሓበረ ኮይኑ ናይዚ ዋና ስሕበት ዘለዎ ግን ዞንጕ ከም ዝኾነ ይግለፅ።

ብዕለት 14/9/2018 ኣብ ዓብዪ ዓዲ ፍሉይ ቦታ ካብ እንዳባጋብርን መላቁሞን ዝተብሃሉ ቦታታት ከባቢ 600 ዝኾኑ መናእሰያት ብሓይሊ ብምግፋፍ መኪና ፅዒኖም ከም ዝወሰድዎም ይግለፅ። ከምኡ ድማ ዓብዪ ዓዲ ካብ ዝርከብ ሰለስተ ናይ ተመዛበልቲ መዓስከራት ብሓይሊ ይገፍዎም ከም ዘለውን ይሕበር።

ብተመሳሳሊ ብዕለት 27/9/2018 ኣብ ገለበዳ ዝተብሃለ ቦታ ዕዳጋ መዓልቲ ገፆም ዝተሸፋፈኑ ዕጡቃት ናብቲ ዕዳጋ ብምመፃእ ንምግፋፍ ፈተነ ዝገበሩ ከም ዝነበሩን እቲ ህዝብን መናእሰይን ናብ ኸቢድ ግርግር ከም ዝኣተወ ይግለፅ። ብዕለት 24/10/2018 ኣብ ዓብዪ ዓዲ መዓልቱ ዕዳጋ ሮቡዕ ብምዃኑ ምሸት ሰዓት 2 ካብ ሆቴላት ዓራት ሒዞም ዝሓድሩ ፣ ካብቲ ከተማ እናዘሩ ከባቢ 400 መናእሰያት ገፊፎም ናብ መምህራን ኮሌጅ ወሲዶምዎም እዮም። ኣብዚ ክሳብ 15 ሽሕ ብር ብትራንስፈር ነቶም ገፈፍቲ ከፊሎም ካብቲ ግፋ ክልቀቁ ዝተገበሩ እውን ኣለው እዮም።

እቶም ካብዚ ዞባ ዝተገፈፉ መናእሰያት ድማ ናብ ማይ ቅነጣል ፣ ከባቢ ዕዳጋ ዓርብን ነበለትን ዝርከቡ ሰግሊ፣ ዞንጕ ፣ ዕዳጋ ሓሙስ ፀደያን ስጉሕን ናብ ዝተብሃለ ማእኸል መሰለጠኒ ብኣሸሓት ዝቁፀሩ ተገፊፎም ከም ዝተወሰዱ ይግለፅ። ኣብዚ ካብ ስጉሕ ካብ ዝተብሃለ ቦታ ንምምላጥ ዝፈተኑ ክልተ መናእሰያት ብጥይት ተወቂዖም ዝሞቱ እንትኾኑ ሓደ ድማ ካብ መኪና ዘሊሉ ከምልጥ ወዲቁ ከም ዝሞተ ዝሕበር ኮይኑ ከምልጥ ዝፍትን ድማ ኸቢድ ምቅጥቀቃጥ ከም ዝበፅሖ ተረጋጊፁ እዩ። ኣብ ማእኸላይ ዞባ ብዋናነት ማእኸል ስሕበት መሰልጠኒ ማእኸል ዝኾኑ ስጉሕን ዞንጕን እዮም ።

2.3. ዞባ ምብራቅ

ኣብ ዞባ ምብራቅ ከምቶም ኣብ ካልኦት ዞባታት ግፋ ኣብ ውሱን ቦታታት ዝተጀመረ ኾይኑ ብዋናነት ኣብ ዙርያ ሓውዜን ኣብ ገማግም ወርዒ ምስ ወርቂ ምውፃእ ተተሓሒዙ መናእሰያት ይግፈፉ ከም ዘለው ይሕበር። ብፍላይ ድማ ብዕለት 14/10/2018 ኣብ ከተማታት መጋብ ፣ ቆራሮ ግፋ ዝተኻየደ ኮይኑ ካብ ከተማ ቆራሮ ከባቢ 50 ዝኾኑ ብርክት ዝበሉ ትሕቲ ዕድመ ዝርከብዎ ቆልዑ ብሓይሊ ተገፊፎም ከም ዝተወሰዱ ይግለፅ። ምስዚ ግፋ ተተሓሒዙ ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቀሱ ዝነበሩ ናይ NGO ፅንዓት ዝገብሩ ዝነበሩ እቲ መጠይቅ ዝሓትዎ ሕቶ ካብ ግፋ ዝነቀለ ስግኣት ደርጋ ዝበዝሓ ደቂ ኣንስትዮ “ምስ ሓዳረን ተፋቲሐ እየ” ፣ “ስብኣየይ ኣብዚ የለይ ኣይፈልጢ” ዝብል መልሲ ይህባ ከም ዝነበራን እቶም ገበርቲ ሰናያት ትካላት እውን ዝተሰሓሐተ መረዳእታ ይእክቡ ከይህልው ስግኣት ከም ዝፈጠረሎም ይሕብሩ።

ብተወሳኺ ብዕለት 4/11/2018 ካብ ዙርያ ዓዲግራትን ካልኦት ከባቢታትን ገፊፎም ኣብ ዓዲግራት ፍሉይ ቦታ ምውፃእ ወርቂ ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ዝኸዘንዎም መንእሰያት በቲ ናይቲ ከባቢ ህዝቢ እምቢታ ካብቲ ዝተዓጎርዎ ክወፁ ከም ዝኸኣሉ ይሕበር።

2.4. ዞባ ደቡብ ምብራቅ

ኣብ ዞባ ደቡብ ምብራቅ ግፋ ካብ ዝተጀመረሎም ዞባታት ሓደ ኾይኑ ኣብ ወረዳ ሰሓርቲ ከተማ ግጀት ብዕለት 20/10/2018 መዓልቲ ዕደጋ ናይቲ ዕዳጋ መእተዊ ኣርባዕቲኡ ኣንፈት ብምዕፃው ግፋ ዘካየዱ እንተኾኑ ነዚ ግፋ ልክዕ ኣይኮነን ፣ ምግፋፍኩም ትኽክል ኣይኮነን ንዝበሉ ድማ ከቢድ መውቃዕቲ ከም ወቐዖምዎም እዮም።

ብካሊእ ገፅ ብዕለት 21/10/2018 ምሸት ኣብ ሒዋነ ንምግፋፍ ምንቅስቃስ ዝገበሩ እንትኾኑ ካብቲ ግፋ ንምምላጥ ፈተነ ንዝገበሩ ድማ ጥይት ዝተተኮሰሎም እንትኾን ብዕለት 23/11/2018 ድማ ካብታ ንእሽተይ ዕሸል ከተማ ሒዋነ ኣብ ፅርግያ ዝረኸብዎ ብኣልማሚት ዝገፈፉ እንትኾኑ ኣሽዑ ዕዳጋ ብምንባሩ ድማ ናብቲ ማእኸል ዕዳጋ ብምእታው ብሓይሊ ገፊፎምን ኣብቲ ዕዳጋ ዝነበራ ኣዶታት ድማ ግደፉ እለን ዋላ እንተእወያን እንተተቃወማን ብሓየሊ ደፊኦመን ኸይዶም እዮም።

ብዕለት 22/10/2018 ኣብ ከተማ ዓዲ ጉደም ዝተፈላለዩ ሸቃሎ ገፊፎም ከም ዝተወሰዱ ዝፍለጥ ኮይኑ ብዕለት 21/11/2018 ካብታ ከተማ ዝርከቡ ካብ እንዳቡንን እንዳሻሂን ብሓይሊ ገፊፎም ከም ዝወሰዱ እውን ይፍለጥ። ኣብ ሃገረ ሰላም ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ጣብያታት ግፋ ይግበር ከም ዘሎን ይቅፅል ከም ዘሎ ይሕበር። ከምኡ ድማ ብዕለት 21/10/2018 ኣብ ከተማ ኩሓን ኣብ ጣብያታት ወረዳ እንደርታን ሰፊሕ ናይ ግፋ ምንቅስቃስ ከም ዝነበረ ይሕበር።

ኣብ ወረዳ ሳምረ ብዕለት 23/10/2018 ኣብ ጣብያ ዳቀራ ፣ መትከል ልምዓት ግፋ ዝተፈፀመ እንትኸውን ናይቲ ከባቢ ወርቂ ንምውፃእ ዛምራ ናብ ዝተብሃለ ሩባ ዝኸዱ መናእሰያት ድማ ልዕሊ 300 ከም ዝተገፈፉ ተፈሊጡ።

ብዕለት 17/11/2018 ካብ ሳምረ ተሳፊሮም ንዕዳጋ ንፊናርዋ ዝኸዱ ዝነበሩ ተሳፈርቲ ኣብ መንገዲ ፀኒሖም ኣውሪዶም ገፊፎም ዝወሰዱ እንትኾኑ ኣብ ከባቢ ዓዲ ዓውሶ ፍሉይ ቦታ ማይ ተኽሊ ኣብ ዝተብሃለ ድማ ናይታ ጣብያ ምልሻታት ምስ ዕጡቃት ሰራዊት ብምዃን ገዛ ንገዛ እንዘሩ ብሓይሉ ገፊፎም እዮም።

ብካሊእ ገፅ ብዕለት 6-7/11/2018 ኣብ ከተማ ዓዲጉደም ካብ ዕዳጋን ካብ መንገድታትን ፣ ኣብ ወረዳ ሕንጣሎ ድማ ከባቢታት ጣብያ ማይ ነብሪ ፣ ቤት መራን፣ ፍረ ወይኒ ፣ ደጉዓ ሓባትን ሒዋነን ገዛ ንገዛ ብሓይሊ ዝገፈፉ ኮይኖም ከምኡ እውን ካብ መቐለ ናብ መኾኒ ሰብ ፅዒነን ካብ ዝጓዓዛ ዝነበራ ሚኒባሳትን ካልኦትን ነተን መካይን ጠጠው ኣቢሎም መናእሰያት ካብተን መኪና ክወርዱ ብምግባር ገፊፎም ወሲደሞም።

ኣብ ከተማ ሃገረ ሰላም ብዕለት 9-10/11/2018 ኸቢድ ናይ ግፋ ዝተገበረ ኾይኑ ልዕሊ 300 መናእሰያት ትሕቲ ዕድመ ዝርከብዎ ብሓይሊ ተገፊፎም ከም ዝተወሰዱን ኣዶታት ድቅና ኣይንህብን ንዝበላ ድማ ከም ዝተጋፈዓን ንማእሰርቲ ዝተዳረጋን ተፈሊጡ።

ብዕለት 18/11/2018 ኣብ ወረዳ ደጉዓ ቴምቤን ጣብያ ሰረት ኣብ ዝተብሃለ ልዕሊ 30 ዝኾኑ መናእሰያት ብሓይሊ ብምግፋፍ ናብቲ ኣብኡ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ብግዝያውነት ክፀንሑ ከም ዝገበርዎም ይግለፅ።

2.5. ዞባ መቐለ

ኣብ መቐለ ዝግበር ዘሎ ግፋ እቶም ዝበዝሑ ኣብ ናይ ሸቃሎ ዝእከብሉ ቦታታት ከም ዝኾነ ዝተረጋገፀ ኮይኑ:

ኾይኑ ግና ብዕለት 19/10/2018 ዓ/ም ናብ ዕለት 20/10/2018 ዘውግሕ ለይቲ ካብ ናይ ኣብነት ተምሃሮ ካብ ቀፅሪ ውሽጢ እንዳ ገብርኤል ቤተ ክርስትያን ከባቢ 20 ዝኾኑ ተመሃሮ ገፊፎም ወሲዶም እዮምከም ዝወሰድዎም ይግለፅ። ብተመሳሳሊ ዕለት 22/10/2018 ንጉሆ 12 ሰዓት ካብ እንዳ ኣቡነ ኣረጋዊ ቤተ ክርስትያን 15 ተምሃሮ ተገፊፎም እዮም። ብዕለት 23/10/2018 ካብ ቀልቀል ደብሪ ኣብ ናይ ቡሌክት ስራሕቲ ዝተዋፈሩ መናእሰያት ከም ዝተገፈፉ ይሕበር። ኣብ መቐለ ዝግፈፉ ግዝያዊ መፅንሒ ኣብ ከባቢ ዓይደር ዝርከብ ናይ ፖሊስ ጣብያ ከም ዝእጉርዎም ንምርግጋፅ ተኻኢሉ እዩ።

ብኻሊእ ገፅ ድማ ኣብዚ ከተማ መቐለ ሓድሽ ፎርም ብምድላው 140 ካሬ ክንህብ ኢና ምፁ ብምባል ካለእ ናይ መግፈፊ ስልቲ ከም ዘዳለወ ይሕበር። ብተወሳኺ ዕለት 26/10/2018 ኣብ ቀበሌ 05ን 06 ከባቢ ዒላላ ቤት ትምህርቲ ከባቢ መናእሰያት ብሓይሊ ገፊፎም ወሲዶም እዮም። ኣብዚ ነዚ ግፋ ዝተቃወማ ኣዶታት ድማ 12 ኣዴታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲረን ይረከባ።

ብተመሳሳሊ ካብ ኣቡነ ኣረጋዊ ቤተ ክርስትያን ደብረ ዳሞ መቐለ ወጋሕቲ ዕለት 8/11/2018 ተምሃሮ ቀሺ ገፊፎም ከም ዝተወሰዱ ይሕበር። ካብዚኦም ድማ 5 ናይ ቅኔ ተምሃሮ ፣ 2 ናይ ዜማ ተምሃሮን 2 ናይ ኣቋቋም ተምሃሮ ብሓፈሻ 9 ተምሃሮ ተገፊፎም ተወሲዶም።

ብዕለት 20/11/2018 ኣብ ክፍለ ከተማ ሓድነት ቀበሌ 17ን 18ን ኣብ ጣብያ ስምረት ኣብ ዝተብሃለ ሰፊሕ ናይ ግፋ ከይዲ ዝነበረ ኮይኑ ብተለምዶ ኣብ ከባቢ ዓዲ ሓውሲ ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ እውን ብዕለት 21/11/2018 ሰፊሕ ግፋ ተኻይዱ እቶም ዝተገፈፉ መንእሰያት ድማ ብመኪና ተፃዒኖም ተወሲዶም እዮም። ካብ ዕዳጋ ሶኒ ከባቢ ደደቢት ክሳብ ቴሌቭዥን ትግራይ ዝተዘርገሐ መንገዲ ብተደጋጋሚ ካብ ታክሲ ፣ ኤሌክትሪክ ሞተር ባጃጃት ዝተሳፈሩን ብእግሮም ዝጓዓዙን ግፋ ዝፍፀም ኾይኑ እዚ ኣብዝ ከባቢ ተፈጋጋሚ ዝፍፀሙሉ ምኽንያት ድማ እቲ ከባቢ ካብ ተንቀሳቃሲ ሰብ ሓራ ንክኸውንን ምናልባት እውን እቲ ጣብያ ቴሌቭዥን ኣብ ሓደጋ ከይወድቅ እዩ ዝብል ግምታት እውን ኣለው እዮም።

2.6. ዞባ ደቡብ

ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ከምቲ ኣብ ካልኦት ዞባታት ናይ ግፋ ኣንፈት መደብ ዝተውሃበ ኮይኑ ኣብዝ ድማ ፈላማ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ፣ ኣብ ካሊእ ናይ ፖለቲካ ሰልፊ ዘለው ኣባላት ፈለማ ስጉምቲ ብምውሳድ እቲ ግፋ ብፅዑቅ ንምስላጥ ተተሊሙ ከም ዘሎ ይሕበር። እዚ ከምዚሉ እናሃለወ ኣብ ወረዳ ስላዋ ብዕለት 6/11/2018 ተጋደልቲ ዝነበሩ መንግስቲ ሰራሕተኛታት ካብ ናይ ስሩዕ መንግስታዊ ሰረሖም ተገፊፎም ኣብቲ ናይቲ ወረዳ ፖሊስ ጣብያ ተኣሲሮም ይርከቡ። ብተወሳኺ እውን ምስ ናይ ኣገው ሽንጎ ብምዃን መናእሰያት ደላ ብሓይሊ ተወቂዖም ከም ዝተገፈፉ ኣረጋጊፅና ኣለና። ምስዚ ተተሓሒዙ ኣዶታትን ኣቦታትን እታ ከተማ ነዚ ተግባር ብሰላማዊ መንገዲ ንክኹንኑ ምንቅስቃስ ኣብ ዝገበሩ ከባቢ 11 ዝኾኑ ዝተኣሰሩ እንትኾኑ ካብዚ እተን 8 ድማ ኣዶታት ከም ዝኾና ተገሊፁ ኣሎ።

3) ፈፀምቲ ኣካላት ግፋ

ብብርኪ ላዕላዋይ መዋቕር ትግራይ ናብ ኩሉ ዞባታት ናይ ግፋ ተግባር ንክፍፀም መደብ ወሪዱ እኳ እንተኾነ በቲ ዝተደለየ ኣንፈትን ኸይድን ግና እቲ ግፋ ክሳለጥ ኣይኸኣለን። ነዚ ከፈፅሙ ካብ ወረዳ ኣመሓደርቲ ናብ ጣብያ ካብ ጣብያ ናብ ቁሸት ዝተዘርገሐ መሓውር ካድረታት፣ ምልሻታት ናይቲ ጣብያ ምስ ሰራዊት ብምዃን እቲ ግፋ ይፍፀም። እዞም ግፋ ፈፀምቲ ኣካላት ብዕሊ ናይ ኣልሽባብ መልክዕ ብምሓዝ ግፋ ዝፍፅሙ ኮይኖም ፣ ነዚ መፈፀሚ ድማ ደሓን ዝበሃል በጀት ከም ዝተበጀተን ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ካብቶም ተገፈፍቲ ኣካላት ካብ ናይ ውልቀ ንብረት ተገፋፊ ንኣብነት ከም ሞባይል ካልኦት ንብረትን ምምንጣል፣ ከምኡ እውን ተገፈፍቲ ካብ ዝተሓተ ብር 2000 ክሳብ 15000 ከፊሎም ገና ተገፊፎም ክኸዱ ከለው ከፊሎም ከም ዝልቀቁ ከምዘለው ዝተረጋገፀ ኮይኑ እዚ ድማ ነቶም ገፈፍቲ ፍልፍል ኣታዊ ኮይኑሎም ኣሎ ብተወሳኺ እውን ናብ ናይ መሰልጠኒ ማእኸል እንተኣትዮም ድማ ብስልኪ ናብ ቤተሰቦም ክራኸቡ ንዝደልዩ ብሕቡእ ብምርኻብ ካብቲ መሰልጠኒ ማእኸል ካብ 30 ሽሕ ክሳብ 50 ሽሕ ብር ከፊሎም ከም ዘውፅእዎም ይሕበር። እዚ ግፋ ንሕድሕድ ዞባ ዝግፈፍ ኮታ ዝተውሃበ ብምዃኑ ነዚ ኮታ ንምምላእ ድማ ሕድ ሕድ ዝገፍፍ ጉጅለ ዝረኽቦ ጥቅሚ መዓልታዊ ብዝገፎም መናእሰያት እናተዓቀነ ስለ ዝኾነ እቲ ገፋፊ ኣብ ልዕሊ ዝግፈፍ ዘብፅሖ ሰብኣዊ በደላት ጭካነ ዝተመለኦ ይገብሮ።

4) ግፋ ትኹረት ዝተገበረሎም ማሕበራዊ ንጥፈታት

ክሳብ ሐዚ ኣብ ዝተገበሩ ግፋታት ትግራዋይ ማሕበራዊ ርክቡን ካልኦትን ኣብ ዘሳልጠሎም ወይ ዝነጥፈሎም ዓንድታት መሰረት ዝገበረ ብምዃኑ ኣብዞም ማሕበራዊ ንጥፈታት መሰረታት ዝነበሮ ተሳትፎ ፎትዩ እንተይኾነስ ተገዲዱ ክቅንስ ተገይሩ እዩ። ንኣብነት ኣብ መርዓ ፣ ኣብ ቤተ እምነት ፣ ኣብ ዕዳጋ ፣ ኣብ ሓዘን ወዘተ ዝግበሩ ግፋታት ብምፍራሕ ናይዚ ብሄር መሰረታዊ መስተጋብር ዝበሃሉ ማሕበራዊ ርክባት እናተሸርሸሩ ይርከቡ።

ብካሊእ ገፅ ግፋ ትኹረት ዝግበረሎም ኣብ ወርቂ ዘውፅኡ መናእሰያት ስለ ዝኾነ እዚ ድማ ካብ ቤተሰቦም ተፈልዮም ንኣዋርሕ ኣብ በረኻ ስለ ዝቅመጡ ናብቲ በረኻ ብምኻድ ግፋ ይሳለጥ። ብተመሳሳሊ ኣብ ከተማ ካብ ዝተፈላለዩ ገጠራት መፂኦም መዓልታዊ ናይ ጉልበት ስራሕቲ ዝሰርሑ ብሓይሊ ይግፈፉ። ኣብ ናይ ኣብነት ተምሃሮ እውን ተመሳሰሊ ብሓይሊ ይግፈፉ። እዚ እውን እቶም ዝግፈፉ ካብ ሰብ ሕልና ወይ ድማ ብቀረባ ሓታቲ የብሎምን ካብ ዝብል ዝነቀለ ከም ዝኾነ እውን የእመን። እዚ እውን ኣብ ማሕበራውን ቁጠባውን ዓርሱ ዝኻለ ቅልውላው ይፈጥር።

5) ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት

ብሰንኪ እዚ ዝግበር ዘሎ ግፋ ነቶም ዝግፈፉ መውቃዕቲ ይበፅሖም ፣ ወለዲ ደቅኹም ኣምፅኡ ተባሂሎም ብዘይ ኣግባብ ይእሰሩ ፣ ይንገላትዑ ከምኡ ድማ ተገፊፎም ምስ ተወሰዱ ከምልጡ ከለው ምስ ተትሓዙ ኸቢድ መውቃዕቲ ይበፅሖም ፤ ተተሒዞም ክኸዱ ከለው ካብ መኪና ይወድቁ ፣ ብጥይት ይውቅዑ ወዘተ ዝብሉ ከበድቲ ማህሰይቲን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት እናበፀሑ ይርከቡ።

6) ሳዕቤናት ግፋ

  • ኣብ ሓደ ሓደ ከባቢታት ናይ ሰብ መዓልታዊ ምንቅስቃስ ደርጋ ጠጠው ኢሉ ይርከብ
  • ብዋናነት እቲ ግፋ ኣብ ገጠራት ብፅዑቅ እናተሳለጠ ስለ ዝርከብ ዓበይቲ ፣ ዝሸምገሉ መሬቶም ዝሓርሰሎም መንእሰይ ደርጋ የለን ምባል ይከኣል።
  • ወለዲ እኖታትን ኣቦታትን ብግፍዒ ይእሰሩ ኣለው።
  • ግፋ ሓደ ከም ፍልፍል ኣታዊ ገፈፍቲ እናኾነ ይርከብ ኣብነት ንብረት ተገፈፍቲ ከም ሞባይልን ካልኦትን ንብረታት ተመንጢሎም እናተዘረፉ ይርከቡ።
  • ዝግፈፉ መናእሰያት ብቀዳምነት ኣብ መዓልታዊ ስራሕ ሰርሖም ዝናበሩ መናእሰያት ዘነፃፀረ ስለ ዝኾነ ብጉልበት ስራሕ ሰሪሖም ስድረኦም ዝዕንግሉ መናእሰያት ስድረኦም ኣብ ኸቢድ ናይ ጥምየት ሓደጋ ኣውዲቅዎም ይርከብ።
  • ናይ ቁጠባዊ ምንቅስቃስ ኣዝዩ ተዳኺሙ ፣ ናይ ንግዲ ስራሕቲ ተዓፅዮም ምባል ፣ ነጋዶ ይስደዱ ኣለው።
  • ኣብቲ ማሕበረሰብ ኸቢድ ናይ ስነ-ልቦናዊ ፣ ማሕበራዊ ፍርሒ ነጊሱ ይርከብ።
  • ናይ መናእሰያት ስደት በገፊሑ ተበራኺቱ ቀፂሉ ይርከብ። በቢ መዓልቱ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ መናእሰይ ካብ ትግራይ ይወፁ ኣለው።
  • ተምሃሮ ቃሺ ኣብ ቤተ ክርስትያን ሰጋህ ኢሎም ክርከቡ ብዘይምኽኣሎም ናይ ቤተ ክርስትያን ግልጋሎት ንኣብነት ከም ስርዓተ ቀብሪ ኣብ ምፍፃም ዓብዪ ፀገም ፈጢሩ ይርከብ።
  • ሓይሊ ትግራይ ብክልቲኡ ኣንፈት እናተበተነ ይርከብ ማለት እውን ናብ ማእኸል ዝኸይድ ከም ዘሎ ኮይኑ ብሰራዊት መልክዕ ብኤርትራ ወፂኡ ናብ ሱዳን ዝኸይድ ዘሎ ሓይሊ ግዳማውያን ሓይልታት ብፍላይ ብሻዕብያ ጅሆ ክተሓዝ ይኽእል እዩ፡

7) ግፋ ከመይ ደው ነብሎ

እዚ ግፋ ደው ክነብሎ እንተኾይንና ብኣብዝሓ ነዚ ተግባር ዝኹንን ኣካል ሓበራዊ ርድኢት ብምፍጣር ዝተዋደደ ቃልሲ ብምግባር ኮይኑ ነዚ ከዐውቱ ዝኽእሉ ድማ ነዞም ዝስዕቡ ኣንፈታት ከም መማረፂ ምጥቃም የድሊ።

  • ዲፕሎሚያሳዊ ፀቅጢ ምግባር:- ዓለም ለኻዊ ሰብኣዊ መሰላት ዝሕለቑ ብኣግባቡ ዝተሰነደን ዝተዋደደን ሓበሬታ ምሃብ ፣ ብዛዕባ ኣብዚ ግፋ ኣመልኺቱ ዓለምለኻዊ ፀቅጢ ንክፍጠር ድማ ተደጋጋሚ ርክባት ናይ ዲፕሎሚያሳዊ ስራሕቲ ምስራሕ ኣገዳሲ ይኸውን።
  • ህዝባዊ እምቢታ:- ህዝቢ ነዚ ተግባር ክኹንን ከምኡ እውን እምቢታኡ ዝገልፀሉ ኹነታት ክፍጠር ብዕሊ ብምግዋሕ ኣንፃር ግፋን ኢሉ ድማ ኣንፃር እዚ ስርዓት ንክዘምት ዝተፋላለዩ ናይ መንቀሒ ደወላትን ምልዕዓልን ስራሕቲ ብስፍሓት ምስራሕ።
  • ናይ ሚድያ ወፍሪ:- ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ሚድያ ብዛዕባ ግፋን ዝኹንን ብፃዕቂ ስራሕቲ ምስራሕ ማለት እውን ፅሑፋት ምፅሓፍ ፣ ሓፀርቲ ቪድዮታት ምዝርጋሕ ፣ ጭርሖታት ምዝርጋሕ ፣ ናብ ዝተፈላለዩ ሚድያታት ብዛዕባ ዝፍፀም ዘሎ ግፋ ሓበሬታ ብምሃብ ወዘተ ኣቢሉ ሓበራዊ ርድኢት ንክፈጠር ምግባርን ባይታ ዝሓዘ ቃልሲ ምግባርን።
  • ዝተዋደደ ፖለቲካዊ ቃልሲ:- ዝተዋደደ ፖለቲካዊ ቃልሲ ነቲ ማሕበረሰብ ተመሳሳሊን ሓበራውን ርደኢትን ንክፈጥር ብምግባር ፖለቲካዊ ስራሕትናን ኩሎም እቶም እንቃለሰሎም መንገድታትን ብዝተናበበ መልክዑ ንክኸዱ ኣዝዩ ተሓጋጋዚ ንክኸውንን ፍረ ንከፍሪ ምግባርን።

8) መደምደምታ

ግፋ ኣዝዪ ከቢድ ማሕበረ-ቁጠባዊ፣ ፖለቲካውን ፀጥታውን ኢሉ እውን ዲሞግራፊያዊ ፀገማት እናፈጠረ ይርከብ። እቲ ብጉልበት ስልጣን ዝበሓተ ሓይሊ ናይ ምግፋፍ ተኽእልኡ ክሳብ ዘይተመጠንጠለ ክሳብ መወዳእታ ክቕፅለሉ ዝሃቀኖ ናይ ጥፍኣት ተግባር ስለዝኾነ ነዚ ተግባር ደው ንምባል ኢሉ እውን ትግራይ ናብ ሓቋፋይ ከይዲ ስግግር ክትሰጋገር ዝተዋደደ ቃልሲ ይጠልብ። ስለዝኾነ እዚ ብቐንዱ መናእሰይ ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ ብኣማኢት ኣሸሓት ካብ ትግራይ ክወፁ ዘገደደ ግፉ ብፍሉይን ተግባራት እዚ ስርዓት ድማ ብሓፈሻ ንምልዋጥ ልዕሊ ዝኾነ እዋን ፖለቲካዊ ቃልሲ ምሕያል ኣብ ዘድልየሉ ኩነታት ኣለና። ስለዝኾነ ፖለቲካዊ ሓይልታት ፣ ስቢልን ስቪክን ማሕበራትን ኢሉ እውን ካልኦት ሰብ ግደ እዚ ህዝብና ንብተና፣ ብሄረ ትግራይ ንጥፍኣት ዓድና ንቐረመት ዘቃልዐ ገበን ግፋን ካልኦት ተግባራት እዚ ኣብ ስልጣን ዝተኾየጠ ሓይልን ደው ንምባልን ንምልዋጥን ዘኽእል ከይዲ ማለት ብሓቋፋይ ብሄራዊ ዘተ ኣቢሉ ዝጠየሽ ናይ ሓባር መሰጋገሪ መንግስቲ ምዃኑ ብምእማን እዚ ንምግሃድ ተናቢብካ ምስራሕ ኣብ ዝጠልበሉ እዋን ኣለና።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *