[ሳንካራ፣ ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ መቐለ (MIT)፣ 5 ሓምለ፣2015ዓ.ም]
እዚ ፅሑፍ እዚ ንክፅሕፍ ተኸፊሉኒ እዩ። ብጥርሑዝበሃል ነገር የለን። ብግልፂ እየ ዝዛረብ ዘለኹ። ዝሕባእንዝሽፈንን ነገር የለን! ተኸፊሉኒ እየ ዝፅሕፍ። ሓደራኻትኩም ብድሕረይ ከይትሓምዩኒ። ስለ ዝተኸፈለለይእየ ብዘይስግኣት ዝፅሕፍ፣ ዝቕነ፣ ዝገጥምን ዝደርፍንዘለኹ። ተደሊኹም “ንኸብዱ ዝሓድር … ዕሱብ” ኢልኩምፅረፉኒ።
“ተኸፊሉካ ትፅሕፍ እንድሕር ኮይንካ ተኸፊሉካ ዓዲክትሸውጥ ትክእል ኢኻ” ኢልኩም ዝደምደምኩም እውንክትህልዉ ትኽእሉ ኢኹም። ኣይከራኸረኩምን፤ ናይ ምዝራብመሰል ኣለኩም። ሓደ ሓዲኹም ለለ “ይበሃል ድዩ ኮይኑ!” እናበልኩም ትግረሙ ከምዘለኹም ይስመዐኒ ኣሎ። ኣቱምኣሕዋተይ ሓቂ ቀጣን እያ። ወይለይ! ተኸፊሉኒ ከምዝፅሕፍንምንታይ ምሽጥር ይኾን! እወ ክኾን የብሉን፤ ክትፈልጡኣለኩም።
ብዘይፍርሓት ዝፅሕፍ፣ ዝሙጉትን ዝሓትትን ዘለኹመጸግዒ ከውሊ ስለዘለኒ እዩ። “ዓምዲ ሒዝካ ተቖጸ” ይብሉዓድና፤ ሓቆም እዮም። ዝተኸበረ ኣያ ኣለኒ። “እንታይዝኣዘዘሉ ብጩቕ” ክብለኒ! እንተይሓሰብክዎ ዶ ጉራኣብዚሐላትኩም? እንታይ እሞ ክትገብሩ? ምኽኣል ጥዑም…ከኣልዎ። እንተ ኣነ ንኽፅሕፍ ዝኸፈለለይን ፅላል ዝኾነንንወገን ኣለኒ። “ናይ መኒኦም ዘመድ እዩ፤ ምስ መኒኦምተዋሲቡ” እናበልኩም ዓፅሚ ኣይትቑጸሩ። ነገሩ ንስኻትኩምእንታይ ክትገብሩ። ዓፅምን ከባብን ከም ዋና መዐቀኒ ኣብዝኾነሉ ጊዜ እንዲና ዘለና። ቱፍ! ቱፍ! አረ ሓሽከርነት እውንዋና መዐቀኒ ኮይኑ እዩ። ንማዕርነት ዝተቃለሰ ሓሻክርፈጢሩ።
ከምትፈልጡኒ ወዲ መሳፍንቲ እንድየ፤ እንታይ ደኣገይሮም እዮም ኣቦ ሓጎታተይ ዝተወቐሱ፣ ዝተወረሱንዝተቐንጸሉን ማለተይ ዓሶ ዝበለዐቶም? ናብ ጓል ዘረባ ደኣከይወስደኩም እምበይ ሓዲኦም ኣቦሓጎይ ዘመናዎትመሳፍንቲ ክኾንልኹም እዮም እናበሉ ዓሪፎም። ሕዚ መንከይዱ ይንገሮም። ዝኾነ ኮይኑ እንተስ ዘመድ እንተስ ለኣኺኣያ ኣለኒ።
“ኣያ ዝሓዘ ደኣኾነይ ዝዕበሎየ“
“ኣያ ዝሓዘ ደኣኾነይ ዝዕበሎየ“
እናበልኩ “ደረተይ ነፊሐ” ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ዝንቀሳቀስዘለኩ ከውሊ ስለ ዘለኒ እዩ እሞ ግር ኣይበልኩም። እንተምንታይሲ ስለዝተከፈለለይ እዩ። ፍለጥዎ እቲ ሓቂ ንሱ እዩ።
ኣነ ንኽነብር ክባር ዋጋ ተኸፊሉለይ እዩ። ስለዝኾነኣነ ፈለማ ካብ ደገ ንውሽጢ እንተይኮነስ ካብ ውሽጢ ንደገ እየ ክርኢ ዝደሊ። ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰለይንኽውንን፣መንነትን ዓዲን ንክህልወኒ ተኸፊሉለይ እዩ።እዙይ ማለት ቛንቛ፣ ታሪኽ፣ ቅርሲ፣ ባህሊ፣ ሃይማኖት፣ ባህጊዓርሰ ምሕደራንን መሰል ዓርሰ ውሳነን ንኽህልወኒ ከምኡ ድማ ግዝኣት መሬት ንኽውንን ተኸፊሉኒ እዩ። ከም ኣካል ሕ/ሰብ ባህለይ ናይ ምዕቃብን ናይ ምትግባርን መሰል ንኽህልወኒ ተኸፊሉኒ እዩ። ንይምሰል ተይኮነስ ናይ እማንህዝቢ ዋንኣ ዝኾነት ዓዲ ንኽትህልወኒ ተኸፊሉኒ እዩ።
ስሉጥ ፍትሒ ንኽረክብ፣ ሰብ ብሙኳነይብፍትሓዊ መንገዲ ሃፍቲ ተማቒለ ህይወተይ ክመርሕ፣ ምሉእ ሓርነተይ ክእውጅ፣ መንግስታዊ ሕመቅ ንኸቃልዕ፣ ሙስና ንኽፅየፍ፣ ከም ወዲ ሰብ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ብማዕረ ንኽረአን ብሓደ ዓይነት ሕጊ ንኽዳነን ዋጋ ተኸፊልለይ እዩ።
ፆታይ፣ ዕድመይ፣ ከባብየይ፣ ኣካል ጉድኣተይ፣ እምነተይን ብርኪ ሃፍተ ገነተይን መሰረት ዝገበረ ጥቕዓት ከይበፅሐኒ ተኸፊሉለይ እዩ። ዝፍጠርን ዝተዋህለለን ሃፍቲ ዓዲ ንዓፈና ዲሞክራሲ እንተይኮነስ ንብዙሃን ማሕበራዊ ውሕስነት፣ ምዝርጋሕ መሰረተ ልምዓት፣ ምስፍሕፋሕ ግልጋሎትን ዲሞክራታይዜሽን ይውዓል ኢለ ክሓትት ዋጋ ከምዝተኸፈለኒ ይፈልጥ እየ።
ከም ውልቀ ዜጋ በይነይ ወይ ድማ ምስ ሕ/ሰብ ኮይነ ጥሕሰት ሕጊ ከይህሉ ክከላኸል፣ ትካላት ዲሞክራሲ ማለት እውን ትካላት ፍትሒ፣ መረፃ፣ ድሕነትን ፀጥታን፣ ሰብኣዊ መሰልን ቤት ምኽሪ ህዝብን መሳርሒ ፖለቲካ ከይኾና ፖለቲካዊ ቃልሲ ከካይድ ተኸፊሉኒ እዩ። ኣብ ዲሞክራስያዊ ከይዲ መረፃ ዓብላላይ ድምፂ ረኺበ ዓዲ ከመሓዳድር፣ ከም ዜጋ ብመንግስቲ ዝተተለሙ ተበግሶታት ልምዓት ይኹን ካልኦት ሓበሬታ ናይ ምርካብ መሰል ንኽህልወኒ ተኸፊሉኒ እዩ። ስለ ግቡእን መሰልን ብብርኪ ሕብረተሰብ እኹል ግንዛበ ምእንታን ኽህሊ ከስተምህርን ኣብ ከይዲ ህንፀት ዲሞክራሲ ንጡፍ ተሳታፊ ንኽኸውንን ተኸፊሉኒ እዩ። ብሓፂሩ መሰለይ ንኽኽበረለይ ግቡኣይ ድማ ንኽዋፅእ ተኸፊሉኒ እዩ።
ናፅነት ክብህግ ዋጋ ኣይተኸፈለለይ ድዩ? “እወ ተኸፊሉካ፤ ንበይንኻ ጥራሕ ተይኮነስ ንኹላትና ክባር ዋጋ ተኸፊሉና።” ከምትብሉ ኣይጠራጠርን! ውሽጥና እንተፈቲሽና ምእንተ ትግራይን ተጋሩን ቀየሕትን ጸለምትንተኸፊሎምልና እዮም።
ኣይትዝንግዕዎን፤ ምእንታይን ምእንታኽን ብሓፈሻምእንተ ፅባሕና መስዋእትን መጉዳእትን ዝኸፈሉ ኣለዉ። “ክስዋእ እየ። መስዋእተይ ግን ኣየናሰሐንን። እንተ ምንታይሲስለ ትግራይና እየ ዝስዋእ ዘለኹ።” ኢሉ ዋጋ ዝኸፈለለይኣሎ። ስለ ሓንቲ ቁሸት እንተይኮነስ ምእንተ ትግራይ ኢሉ . . . ኢላ ዋጋ ዝኸፈለለይ ወይ ድማ ዝኸፈለትለይ ኣላ።
ኣቱም ኣሕዋተይ፤ ምእንተ ኣነን ምእንተ ፅባሐይንኢሉ ዋጋ እንትኸፍለለይ ማለት እውን ኣካሉ እንትጎድልንግንባሩ ተወቒዑ እንትስዋእን ይረአየኒ ኣሎ። ኣብዝሓና እኳ ረሲዕናዮ እንዲና፤ እቲ ዘጉሂ ግን ትማሊ ንፀረ ምልክነት ተቓሊሱ ሀዚ ምልካዊ ዝኾነ ኣሎ። ፀረ ብርዥዋ ተቓሊሱ ብርዥዋ ዝኾነ ኣሎ። ዝተቓለሰሉ ዕላማን መስዋእቲ ብፃዩን ጠሊሙ ምልካዊ ዝኾነ ኣሎ። ዲሞክራሲ ብዝበለጸ መንገዲ ከስፍን እየ እሉ ምስ ብፆቱ ቃል ኣትዩ ግን ቃሉ ዝዓፀፈ ኣሎ። ንኣየይ ግን ቃሉ ከምዘይዓፀፈ ንኸምስል ወግሐ ፀብሐ ብታሪኽ ከብደይ ይነፍሐኒ። ንሱ በስቢሱ ንዓየይ ግን ኣብ ታሪኽ ከንብረኒ ዲሕ ይብል ኣሎ። ናቱ ጥፍኣትን ኣጉል ንዕቐትን ተደሚርዎ ናብ ዳግም ወፅዓ ኣትየ እናሃለኹብታሪኽ ክድልለኒ ይፅዕር ኣሎ። ተሸኹሊለ ኣብ ታሪኽ ንኽነብር ኣይደልን። ታሪኽ ኣያይ፣ ኣደይ፣ ሓፍተይን ሓወይ እናዘከርኩን እናኽበርኩን ሓዱሽ ታሪኽ ክሰርሕ እየ ዝደሊ!
ኣነ ንዝኣመንኩሉ ርእዮተ ኣለም ኣብ ዝደለኽዎፖለቲካዊ ውድብ ኣትየ ወይ ድማ ሓዱሽ ውድብ ፈጢረንህዝበይ መማረጺ ሓሳብ ከቕርብ ተኸፊሉኒ እዩ። ብዲሞክራስያዊ መንገዲ ተመሪፀ ኣካል ገዛኢ ውድብ ክኾን እንተደለኹውን መማረፂ ሓሳብ ዘለዎም ሰባት ወይ ውድባት ፖለቲካ ከም ፀላኢ ከይሕሰቡ፣ ከይእሰሩን ከይስደቱን ንኽገብር ሓደራ ተዋሂቡኒ እዩ።
ዝተረጋግዐት፣ ፍትሓውነት ዝሰፈና፣ መማረጺ ሓሳብዘለዎም ውድባት ዝወነነት፣ ቀጻሊ ዝኾነ ቅልጡፍ ምዕባለተመዝግብ ዓዲ ንኽውንን ተኸፊሉኒ እዩ። ንስርዓትን ሕግን ዝግዛእን በዓል መትከል ዝኾነን ቅኑዕ መሪሕነት ይሃልወና ንኽብል፣ ብልሽው ኣሰራርሓ ንኽፅየፍ፣ ብላይ ምሕደራይተሃደስ ኢለ ንኽሓትት፣ ፍትሒ ይንገስ ሕጊ ድማ ይተግበርንኽብል ተኸፊሉለይ እዩ። ናይ ማንም ምስክርነት ኣየድልዮን።
ጓሂ ኣሎኒ! ዘይጠፍእ ጓህሪ ኾይኑ ወግሐ ፀብሐ ውሽጠየ ዘቃፅለኒ! ዝተኸፈለለይ ዋጋ ይወሃበኒ ኢለ ስለ ዘይሓተትኩ ይጉሂ ኣለኹ። ኣብ ጓሂ ክነብር ግን ኣይደልን። ንደቀይ እውን ጓሂ ከውርሶም ኣይደልን። እዋእ! እንታይ ኣቢሶም። ፀኒሖም ጓሂ ዝወርሱ። ሃገር እሞ ድማ ዝማዕበለት ሃገር እየ ከውርሶም ዝደሊ።
ከም ሰብ ዝሓሸ ወይ ዝበለፀ ትምህርቲ ንኽረክብ፣ ጥዕንኡ ዝተሓለወ ዜጋ ንኽኸውን፣ ማዕርነተይ ንኽረጋገፀለይ፣ ማዕረ ናይ ኢኮኖሚ ተረባሒ ንኽኸውን፣ ብብቕዓተይ ተመምየ ስልጣን ሒዘ ዓዲ ከመሓዳድር፣ ኣባልድሕንነትን ጸጥታን ኮይነ ዞባውን ዓለም ለኻውን ናይድሕንነትን ፀጥታን ጉዳያት “ከፅንዕ፣ ክትንትንን ከፈፅምን”፣ብብቕዓተይን ውፍዩነተይን ተመሪጸ ብሳይነሳዊ መንገዲኲናት ከትርፍ እንተመጺኡውን ዓውደ ኲናት ክመርሕን ተማሂረ ዓደይ ከልምዕ ክባር ዋጋ ተኸፊሉኒ እዩ።
ከም በዓል ሞያ መራኸቢ ብዙሃን ናይ መንግስቲ ትልሚ፣ ተግባር፣ ንጥፈትን ሓፈሻዊ ፖሊሲን ንኸተባብዕ ወይ ድማ ንኽነቅፍ ተኸፊሉኒ እዩ። መራኸቢ ብዙሃን ድየ ዝበልኩ? ንባዕለን ሓራ ዘየውፀኣ ነዓይ ሓራ ከውፅኣ ኣይኽእላን። ህዝቢ ክቐርፃ እምበይ ንመንግስቲ “ግደፍ የኾንካን ዓሪ” ክብላ ኣይተመስረታን። “ሓደ ሓደ ነበርቲ ጣብያ እገለን ሓደ ሓደ ሙሁራንን ኝኝኝኝ ኢሎም” እናበላ እየን ዝውዕላ። አረ ትግራይ ሓደ ምሁር ጥራሕ ከምዘለዋስ ኩለን ሓደ ሰብኣይ እናቕረባ ይውዕላ! ቁሩብ ክነቕፈን ኢለእየ። መራኸብቲ ብዙሃን ዝተቐረጸ ፖሊሲ ዘፈፅማ ጥራሕተይኮናስ ንጊዜን ህዝብን ዘይምጥን ፖሊሲ ከቐይራ፤ ፖሊሲዘይብሉ ድማ ሓዱሽን ኣርሒቑ ዝጥምትን ፖሊሲ ንኽቕረፅ ንኽጉስጉሳ እየን ተመስሪተን ኢለ ፖለቲካዊ ቃልሲ ንኸካይድተኸፊሉኒ እዩ።
ንጉበኛ መራሒ ድማ ጉበኛ ኢኻ ንሰካራምውንሰካራም ጊዜ የብሉን ብዙሕ እዩ ዘበላሽው ኣይትምጥነንንእሞ ካብ መንበረ ስልጣንካ ውረድ ንኽብል ተኸፊሉለይ እዩ። ናይ ሎሚ እኒሄ ነገር ንዘባላሸወ በዓል ስልጣን ወሲካ ናብካልእ ዓዲ ወይውን ቦታ ኢኻ ትሾሞ። “ወዲላሕምና እዩ” እናተብሃለ ዶ ይኾን? ግደፉታ እንዶ ናብ ቁሸት ኣይትምለሱና! ወይለይ! ትግራዋይነት እምበይ ከባብያውነት ባህሪመስዋእትነትና ኣይኮነን ኢለ ኢ-ፍትሓውነት ንኽቃለስተኸፊሉኒ እዩ። ምእንተ ትግራይ እምበይ ምእንተ ሓንቲ ቑሸት ዝሞተ የለን።
ንኽመርፅን ንኽምረፅን፣ ፍትሓዊ ናይ ሃፍቲ ክፍፍልንኸንግስን ንኽነግስን፣ ብሰላማዊ መንገዲ ካብ ስልጣንክወርድንን ከውርድን፣ ግቡእ ህዝባዊ ኣገልግሎት ንኽህብንንኽረክብን ተኸፊሉለይ እዩ። ባርነት ተቓዊመ ሓርነትንኸስተማቕር፣ ተኸቢረ ዝነብረላ ሃገር ንኽብህግን ክውንንን፣ደጋዊ ጥራሕ ተይኮነስ ውሽጣዊ ምልካውነት ኣይቕበልንንኽብል ተኸፊሉለይ እዩ።
ዕድመ ይፍታሕ ስልጣን “ይኾኖ አረ ይኣክሎ” ንክብልተኸፊሉኒ እዩ። ኣያ ሓወኒ ርእስኻ ደሪቓ እያ፣ ደኺምካ ኢኻ፣ዕረፍቲ የድልየካ ኣሎ፣ ሕክምናኻ ተረጋጊዕኻ ተኸታተል፣ፖለቲካ ትግራይ ሓዱሽ ጉልበትን ሰብን የድልዮ ኣሎ እሞብሰላም ውረድ ንኽብልውን ተኸፊሉኒ እዩ።
ኣያዋኒ “ኣንበሳ እምበይ ከልቢ ኮይንኻ ኢድካውንብሞቑሕ ተኣሲሩ ኣብ ቤት ህንጸት ንኽትመውት ኣይደልንእሞ ውረድ” እንተይለ ኣይተሰሓሓትኩን። ሓዳርካን ገዛኻንክተመሓዳድር ዘይከኣልካ ህዝቢ ክተመሓዳድር ኣይትኽልን፥ ይትረፍዶ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዓለም ለኻዊን ጉዳያትንውሽጣዊ ፖለቲካዊ ድልየትና ኣይተረደአካን እሞ ካብ ስልጣንካ ልገስ እንተይለ ነውሪ ኣይኮነን። ንስኻ ንኽትሰርቕንክትግዕዝን ኣይኮነን ክባር ዋጋ ዝተኸፈለኒ ንኽብልውንቀየሕትን ጸለምትን ተኸፊሉለይ እዩ።
እሞ ተኸፊሉኒ እዩ ዝፅሕፍ ዘለኹ እወ ተኸፊሉኒ እዩ ዋጉኡውን ክባር። እምበኣር “ሓዱሽን ተሳጋርን ታሪኽንኽሰርሕ ዋጋ ተኸፊሉኒ እዩ” ንዓኺ ንዓኻውን ተኸፊሉልካእዩ ንለውጢ ዓድኻ ንለውጥኻን ተጠቐመሉ።
