ተኸፊሉኒ እዩ!

Opinion

[ሳንካራ፣ ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ መቐለ (MIT)፣ 5 ሓምለ፣2015ዓ.ም]

እዚ ሑፍ እዚ ንክሕፍ ተኸፊሉኒ እዩብጥርሑዝበሃል ነገር የለንብግል እየ ዝዛረብ ዘለኹዝሕባእንዝሽፈንን ነገር የለን! ተኸፊሉኒ እየ ሕፍሓደራኻትኩም ብድሕረይ ከይትሓምዩኒ ስለ ዝተኸፈለለይእየ ብዘይስግኣት ሕፍዝቕነዝገጥምን ዝደርፍንዘለኹተደሊኹምንኸብዱ ዝሓድርዕሱብኢልኩምረፉኒ

ተኸፊሉካ  ትሕፍ እንድሕር ይን ተኸፊሉካ ዓዲክትሸውጥ ትክእል ኢኻኢልኩም ዝደምደምኩም እውንክትህልዉ ትኽእሉ ኢኹምኣይከራኸረኩምንናይ ምዝራብመሰል ኣለኩምሓደ ሓዲኹም ለለይበሃል ድዩ ኮይኑ!”  እናበልኩም ትግረሙ ከምዘለኹም ይስመዐኒ ኣሎኣቱምኣሕዋተይ ሓቂ ቀጣን እያወይለይ! ተኸፊሉኒ ከምዝሕፍንምንይ ምሽጥር ይኾን! እወ ክኾን የብሉን፤ ክትፈልጡኣለኩም

ብዘይፍርሓትሕፍ ዝሙጉትን ዝሓትትን ዘለኹመጸግዒ ከውሊ ስለዘለኒ እዩ። “ዓምዲ ሒዝካ ተቖጸይብሉዓድና ሓቆም እዮምዝተኸበረ ኣያ ኣለኒእንታይዝኣዘዘሉ ብጩቕ ክብለኒ!  እንተይሓሰብክዎ ጉራኣብዚሐላትኩም? እንታይ እሞ ክትገብሩ? ምኽኣል ጥዑምከኣልዎእንተ ኣነ ንኽሕፍ ዝኸፈለለይን ላል ዝኾነንንወገን ኣለኒ። “ናይ መኒኦም ዘመድ እዩ ምስ መኒኦምተዋሲቡእናበልኩም ኣይትቑጸሩነገሩ ንስኻትኩምእንታይ ክትገብሩምን ከባብን ከም ዋና መዐቀኒ ኣብዝኾነሉ ጊዜ እንዲና ዘለቱፍ! ቱፍ! አረ ሓሽከርነት እውንዋና መዐቀኒ ኮይኑ እዩንማዕርነት ዝተቃለሰ ሓሻክርፈጢሩ

ከምትፈልጡኒ ወዲ መሳፍንቲንድ እንታይ ደኣገይሮም እዮም ኣቦ ሓጎታተይ ዝተወቐሱዝተወረሱንዝተቐንጸሉን ማለተይ ዓሶ ዝበለዐቶም? ናብ ጓል ዘረባ ደኣከይወስደኩም እምበይ ሓዲኦም ኣቦሓጎይ ዘመናዎትመሳፍንቲ ክኾንልኹም እዮም እናበሉ ዓሪፎም ሕዚ መንከይዱ ይንገሮምዝኾነ ኮይኑ እንተስ ዘመድ እንተስ ለኣኺኣያ ኣለኒ

ኣያ ዝሓዘ ደኣኾነይ ዝዕበሎየ

ኣያ ዝሓዘ ደኣኾነይ ዝዕበሎየ

እናበልኩደረተይ ነፊሐካብ ጫፍ ናብ ጫፍ  ዝንቀሳቀስዘለኩ ከውሊ ስለ ዘለኒ እዩ እሞ ግር ኣይበልኩምእንተምንታይሲ ስለዝተከፈለለይ እዩፍለጥዎ እቲ ሓቂ ንሱ እዩ

 ኣነ ንኽነብር ክባር ዋጋ ተኸፊሉለይ እዩስለዝኾነኣነ ፈለማ ካብ ደገ ንውሽጢ እንተይኮነስ ካብ ውሽጢ ንደገ እየ ክርኢ ዝደሊ። ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰለይንኽውመንነትን ዓዲን ንክህልወኒ ተኸፊሉለይ እዩእዙይ ማለት ቛንቛታሪኽ ቅርሲባህሊሃይማኖት ባህጊዓርሰ ምሕደራን መሰል ዓርሰ ውሳነን ንኽህልወ ምኡ ድማ ግዝኣት መሬት ንኽውንን ተኸፊሉኒ እዩከም ኣካል ሕ/ሰብ ባህለይ ናይ ምዕቃብን ናይ ምትግባርን መሰል ንኽህልወኒ ተኸፊሉኒ እዩ። ንይምሰል ተይኮነስ ናይ እማንህዝቢ ዋንኣ ዝኾነት ዓዲ ንኽትህልወኒ ተኸፊሉኒ እዩ

ስሉጥ ፍትሒ ንኽረክብ፣ ሰብ ብሙኳነይብፍትሓዊ መንገዲ ሃፍቲ ተማቒለ ህይወተይ ክመርሕ፣ ምሉእ ሓርነተይ ክእውጅ፣ መንግስታዊ ሕመቅ ንኸ፣ ሙስና ንኽፅየፍ፣ ከም ወዲ ሰብ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ብማዕረ ንኽረአን ብሓደ ዓይነት ሕጊ ንኽዳነን ዋጋ ተኸፊልለይ እዩ።

ፆታይ፣ ዕድመይ፣ ከባብየይ፣ ኣካል ጉድኣተይ፣ እምነተይን ብርኪ ሃፍተ ገነተይን መሰረት ዝገበረ ጥቕዓት ከይበፅሐኒ ተኸፊሉለይ እዩ። ዝፍጠርን ዝተዋህለለን ሃፍቲ ዓዲ ዓፈና ዲሞክራሲ እንተይኮነስ ንብዙሃን ማሕበራዊ ውሕስነት፣ ምዝርጋሕ መሰረተ ልምዓት፣ ምስፍሕፋሕ ግልጋሎትን ዲሞክራታይዜሽን ይውዓል ኢለ ክሓትት ዋጋ ከምዝተኸፈለኒ ይፈልጥ እየ።

ከም ውልቀ ዜጋ በይነይ ወይ ድማ ምስ ሕ/ሰብ ኮይነ ጥሕሰት ሕጊ ከይህሉ ክከላኸል፣ ትካላት ዲሞክራሲ ማለት እውን ትካላት ፍትሒ፣ መረፃ፣ ድሕነትን ፀጥታን፣ ሰብኣዊ መሰልን ቤት ምኽሪ ህዝብን መሳርሒ ፖለቲካ ከይኾና ፖለቲካዊ ቃልሲ ከካይድ ተኸፊሉኒ እዩ። ኣብ ዲሞክራስያዊ ከይዲ መረፃ ዓብላላይ ድምፂ ረኺበ ዓዲ ከመሓዳድር፣  ከም ዜጋ ብመንግስቲ ዝተተለሙ ተበግሶታት ልምዓት ይኹን ካልኦት ሓበሬታ ናይ ምርካብ መሰል ንኽህልወኒ ተኸፊሉኒ እዩ። ግቡእን መሰልን ብብርኪ ሕብረተሰብ እኹል ግንዛበ ምእንታን ኽህሊ ከስተምህርን ብ ከይዲ ህንፀት ዲሞክራሲ ንጡፍ ተሳታፊ ንኽኸውንን ተኸፊሉኒ እዩፂሩ መሰለይ ንኽኽበረለይ ቡኣይ ድማ ንኽዋፅእ ተኸፊሉኒ እዩ።

ናፅነት ክብህግ ዋጋ ኣይተኸፈለለይ ድዩ? “እወ ተኸፊሉካ፤ ንበይንኻ ጥራሕ ተይኮነስ ንኹላትና ክባር ዋጋ ተኸፊሉና።” ከምትብሉ ኣይጠራጠርን! ውሽጥና እንተፈቲሽና ምእንተ ትግራይን ተጋሩን ቀየሕትን ጸለምትንፊሎምልና እዮም         

ይትዝንግዕን፤ ምእንታይን ምእንታብሓፈሻምእንተ ባሕና መስዋእትን መጉዳእትን ፈሉ ኣለዉ። “ክስዋእ እየመስዋእተይ ግን ኣየናሰሐንንእንተ ምንታይሲስለ ትግራይና እየ ዝስዋእ ዘለኹ።” ኢሉ ዋጋ ዝኸፈለለኣሎስለ ሓንቲ ቁሸት እንተይኮነስ ምእንተ ትግራይ ኢሉ . . . ኢላ ዋጋ ዝኸፈለለ ወይ ድማ ዝኸፈለትለይ ኣላ

ኣቱም ኣሕዋተይ ምእንተ ኣነን ምእንተ ባሐይንኢሉ ዋጋ እንትኸፍለለይ ማለት እውን ኣካሉ እንትጎድልንግንባሩ ተወቒዑ እንትስዋእን ይረአየኒ ኣሎ ኣብዝሓና እኳ ረሲዕናዮ እንዲና እቲ ዘጉሂ ግን ትማሊ ንፀረ ምልክነት ተቓሊሱ ሀዚ ምልካዊ ዝኾነ ኣሎ። ፀረ ብርዥዋ ተቓሊሱ ብርዥዋ ዝኾነ ኣሎ። ዝተቓለሰሉ ዕላማን መስዋእቲ ብፃዩን ጠሊሙ ምልካዊ ዝኾነ ኣሎዲሞክራሲ ብዝበለጸ መንገዲ ከስፍን እየ እሉ ምስ ብፆቱ ቃል ኣትዩ ግን ቃሉ ዝዓፀፈ ኣሎ። ኣየይ ግን ቃሉ ከምዘይዓፀፈ ንኸምስል ወግሐ ፀብሐ ታሪኽ ከብደይ ይነፍሐኒ። ንሱ በስቢሱ ንዓየይ ግን ኣብ ታሪኽ ከንብረኒ ዲሕ ይብል ኣሎ። ናቱ ጥፍኣትን ኣጉል ንዕቐትን ተደሚርዎ ናብ ዳግም ወፅዓ ኣትየ እናሃለኹብታሪኽ ክድልለኒ ይፅዕር ኣሎ። ተሸኹሊለ ኣብ ታሪኽ ንኽነብር ኣይደልን። ታሪኽ ኣያይ፣ ኣደይ፣ ሓፍተይን ሓወይ እናዘከርኩእናኽበርኩን ሓዱሽ ታሪኽ ክሰርሕ እየ ዝደሊ!

ኣነ ንዝኣመንኩሉ ርእዮተ ኣለም  ኣብ ዝደለኽዎፖለቲካዊ ውድብ ኣትየ ወይ ድማ ሓዱሽ ውድብ ፈጢረንህዝበይ መማረጺ ሓሳብ ከቕርብ ተኸፊሉኒ እዩ።  ብዲዊ መንገዲ ተመሪፀ ኣካገዛኢ ውድብ ክኾን እንለኹውን መማረፂ ሓሳብ ዘለዎም  ሰባት ወይ ውድባት ፖለቲ ከም ፀላኢ ከይሕሰቡ፣ ከይእሰሩን ከይስደቱን ንኽገብር ሓደራ ተዋሂቡኒ እዩ።

ዝተረጋግዐት ፍትሓውነት ዝሰፈና መማረጺ ሓሳብዘለዎም ውድባት ዝወነነት ቀጻሊ ዝኾነ ቅልጡፍ ምዕባለተመዝግብ ዓዲ ንኽውንን ተኸፊሉኒ እዩንስርዓትን ሕግን ዝግዛእን በዓል መትከል ዝኾነን ቅኑዕ መሪሕነት ይሃልወና ንኽብል፣ ብልሽው ኣሰራርሓፅየፍ ብላይ ምሕደራይተሃደስ ንኽሓትት፣ ፍትሒ ይንገስ ሕጊ ድማ ይተግበርብል ተኸፊሉለይ እዩ። ናይ ማንም ምስክርነት ኣየድልዮን።

ጓሂ ኣሎኒ! ዘይጠፍእ ጓህሪ ኾይኑ ወግሐ ፀብሐ ውሽጠየ ቃፅለኒ! ዝተኸፈለለይ ዋጋ ይወሃበኒ ኢለ ስለ ዘይሓተትኩ ይጉሂ ኣለኹኣብ ጓሂ ክነብር ግን ኣይደልን። ንደቀይ እውን ጓሂ ከውርሶም ኣይደልን። እዋእ! እንታይ ኣቢሶም ፀኒሖም ጓሂ ዝወርሱ። ሃገር እሞ ድማ ዝማዕበለት ሃገር እየ ከውርሶም ዝደሊ።

ከም ሰብ ዝሓሸ ወይ ዝበለፀ ትምህርቲ ንኽረክብ፣ ጥዕንኡ ዝተሓለወ ዜጋ ንኽኸውን፣ ማዕርነተይ ንኽረጋገፀለይ፣ ማዕረ ናይ ኢኮኖሚ ተረባሒ ንኽኸውን፣ ብብቕዓተይ ተመምየ ስልጣን ሒዘ ዓዲ ከመሓዳድር ኣባልድሕነትን ጸጥታን ኮይነ ዞባውን ዓለም ለኻውን ናይድሕነትን ጥታን ጉዳያት ንዕ ክትንትንን ከፈምንብብቕዓተይን ውፍዩነተይን ተመሪጸ ብሳይነሳዊ መንገዲኲናት ከትርፍ እንተመጺኡውን ዓውደ ኲናት ክመርሕተማሂረ ዓደይ ከልም ክባር ዋጋ ተኸፊሉኒ እዩ።

ም በዓል ሞያ መራኸቢ ብዙሃን ናይ መንግስቲ ትልሚ፣ ተግባር፣ ንጥፈትን ሓፈሻዊ ፖሊሲን ንኸተባብዕ ወይ ድማ ንኽነቅፍ ተኸፊሉኒ እዩ። መራኸቢ ብዙሃን ድየ ዝበልኩ? ንባዕለን ሓራ ዘየውፀኣ ነዓይ ሓራ ከውፅኣ ኣይኽእላን። ህዝቢ ክቐርፃ እምበይ ንመንግስቲ “ግደፍ የኾንካን ዓሪ” ክብላ ኣይተመስረታን። “ሓደ ሓደ ነበርቲ ጣብያ እገለን ሓደ ሓደ ሙሁራንን ኝኝኝኝ ኢሎም” እናበላ እየን ዝውዕላ። አረ ትግራይ ደ ምሁር ጥራሕ ከምዘለዋስ ኩለን ሓደ ሰብኣይ እናቕረባ ይውዕላ! ቁሩብ ክነቕፈን ኢለእየ መራኸብቲ ብዙሃን ዝተቐረጸ ፖሊሲ ዘፈፅማ ጥራሕተይኮናስ ጊዜን ህዝብን ዘይምጥን ፖሊሲ ከቐይራ ፖሊሲዘይብሉ ድማ ሓዱሽን ኣርሒቑ ዝጥምትን ፖሊሲ ንኽቕረፅ ንኽጉስጉሳ እየን ተመስሪተን ኢለ ፖለቲካዊ ቃልሲ ንኸካይድተኸፊሉኒ እዩ

ንጉበኛ መራሒ ጉበኛ ኢኻ ንሰካራምውንሰካራም ጊዜ የብሉን ብዙሕ እዩ ዘበላሽው ኣይትምጥነንንእሞ ካብ መንበረ ስልጣንካ ውረድ ንኽብል ተኸፊሉለይ እዩናይ ሎሚ እኒሄ ነገር ንዘባላሸወ በዓል ስልጣን ወሲካ ካልእ ዓዲ ወይውን ቦታ ኢኻ ትሾሞ። “ወዲላሕምና እዩእናተብሃለይኾን? እንዶ ናብ ቁሸት ኣይትምለሱና! ወይለይ! ትግራዋይነት እምበይ ከባብያውነት ባህሪመስዋእትነትና ኣይኮነን ኢለ ኢ-ፍትሓውነት ንኽቃለስተኸፊሉኒ እዩ ምእንተ ትግራይ እምበይ ምእንተ ሓንቲ ቑሸት ዝሞተ የለን።

ንኽመር ንኽምረ ፍትሓዊ ናይ ሃፍቲ ክፍፍልንኸንግስን ንኽነግስን ብሰላማዊ መንገዲ ካብ ስልጣንክወርድንን ከውርድን ግቡእ ህዝባዊ ኣገልግሎት ንኽህብንንኽረክብን ተኸፊሉለይ እዩባርነት ተቓዊመ ሓርነትንኸስተማቕር ተኸቢረ ዝነብረላ ሃገር ንኽብህግን ክውንንንደጋዊ ጥራሕ ተይኮነስ ውሽጣዊ ምልካውነት ኣይቕበልንንኽብል ተኸፊሉለይ እዩ

 ዕድመ ይፍታሕ ስልጣን ይኾኖ አረ ይኣክሎ ንክብልተኸፊሉኒ እዩኣያ ሓወኒ ርእስኻ ደሪቓ እያ ደኺምካ ኢኻዕረፍቲ የድልየካ ኣሎ ሕክምናኻ ተረጋጊዕኻ ተኸታተልፖለቲካ ትግራይ ሓዱሽ ጉልበትን ሰብን የድልዮ ኣሎ እሞብሰላም ውረድ ንኽብልውን ተኸፊሉኒ እዩ

ኣያዋኒ ኣንበሳ እምበይ ከልቢ ኮይንኻ ኢድካውንብሞቑሕ ተኣሲሩ ኣብ ቤት ህንጸት ንኽትመውት ኣይደልንእሞ ውረድ እንተይለ ኣይተሰሓሓትኩንሓዳርካን ገዛኻንክተመሓዳድር ዘይከኣልካ ህዝቢ ክተመሓዳድር ኣይትኽልንይትረፍ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃዓለም ለኻዊጉዳያትንውሽጣዊ ፖለቲካዊ ድልየትና ኣይተረደአካን እሞ ካብ ስልጣንካ ልገስ እንተይለ ነውሪ ኣይኮነንንስኻ ንኽትሰርቕንክትግዕዝን ኣይኮነን ክባር ዋጋ ዝተኸፈለኒ ንኽብልውንቀየሕትን ጸለምትን ተኸፊሉለይ እዩ

እሞ ተኸፊሉኒ እዩ ዝፅሕፍ ዘለኹ እወ ተኸፊሉኒ እዩ ዋጉኡውን ክባርእምበኣር ሓዱሽን ተሳጋርን ታሪኽንኽሰርሕ ዋጋ ተኸፊሉኒ እዩንዓኺ ንዓኻውን ተኸፊሉልካእዩ ንለውጢ ዓድኻ ንለውጥኻን ተጠቐመሉ

                                                         

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *