[ከራድዮን ካብ ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ መቐለ፣2015 ዓ.ም]
ትግራይና መቦቆል ስልጣነ፣ሳይንስ፣ቴክኖሎጅን ምህዞን ምንባራ ዝሕብሩ ብዙሓት መረዳእታት ዘለዉ ሙዃኖም ዝፍለጥ እዩ። ምስዚ ተተሓሒዙ ህዝቢ ትግራይ ኣንፃር ወረርቲ ኣብ ዝገበሮን ዝገብሮ ዘሎን ብረታዊ ቃልሲ ካብ መጀመርታ ጀሚሩ ዕላማታት ቃልሱ ብምንፃርን ኣወዳድብኡ ብምሕያልን ብዙሕ መስዋእቲ እናኸፈለ ኣብ ልዕሊ ፀላእቱ እናሰዓረን ሰፍ ዘይብላ ክሳራ እናብፀሐን ብዙሓት ዓወታት እናሓፈሰ መፅዩ እዩ። እዚ ውህሉል ተመኩሮ ብረታዊ ቓልሲ ብዝግባእ ብምፅናዕን ብምስናድን ከምኡ‘ን ብቴክኖሎጂ እናተሓገዝካ ኣብ ናይ ዳግመ ሕውየትናን ምስኻዕ ውሑስ ልምዓታዊ ስራሓውትናን ብኣግባቡ እንተውዒልናዮ ዓብዪ ዝላ ንምምዝጋብ ዘኽእለና ዓቕሚ ክኾነና ከም ዝኽእል ምንም ዘጠራጥር ነገር ኣይኮነን ። ኣጋጢሙና ብዘሎ ዘርኢ ናይ ምፅናት ወራር ብዙሕ ዕንወትን ክሳራን ዋላ እኳ እንተጋጠመና ዓቕሚ ቴክኖሎጂ ብዝግባእ ብምምዝማዝ ናብ ረብሓና እንተውዒልናዮ ካብዚ ከቢድ ፀገም ቀልጢፍና ክንወፅእ ንኽእል ኢና። ብዙሓት ፀላእቲ ሓቢሮም ከፅንቱና እንትዘምቱ ቃልስና ብምጥንኻርን ብምምዕርራይን፣ ኣድለይቲ ምድላዋት ብምግባር፣ዝበለፀ ስትራተጂ ብምድላውን ኣብ ተግባር ብምውዓልን ንመላእ ዓለም ዘስደምሙ ዓወታት ክንሓፍስ እንተኺኢልና ትግራይና ካብ ሱር ዝሰደደ ድኽነት ምውፃእ ከመይ ኢሉ ይኣብየና ዝብል ሕቶ ግቡእ መልሲ ዘድልዮ ዓብዪ ውራይ እዩ።
ብዙሓት ሊቃውንቲ ኣብ መንጎ ዝማዕበላን ዘይማዕበላን ሃገራት ዘሎ ኣፈላላይ ናይ ትካላት ምህላውን ዘይምህላውን ኣፈላላይ እዩ ክብሉ ይስማዕ እዩ። ዘይማዕበልናን ብዙሓት ፀገማት ዘለውናን ሕብረተሰብ ከም ምዃንና መጠን ካብዞም ፀገማትና ንምውፃእ ትካላት ክንሃንፅ ኣለና ኣብ ዝብል ሓሳብ ብዝተወሰነ መልኽዑ ኣነ’ን እቕበሎ እየ። ሙሉእ ንሙሉእ ዘይቅበለሉ ምኽንያት ግን ኣለኒ። ናብ ዝርዝር ጉዳያት ቅድሚ ምእታወይ ብናተይ ርድኢት ትካል እንታይ እዩ ዝብል ከቐምጥ። ትካል ማለት ሓደ ውልቀሰብ ወይ ክልተን ካብኡ ንላዕልን ሰባት ዕላማኦም ንምስኻዕ ዘኽእሎም ስራሕ ንምስራሕ ዝምስርትዎ ሕጋዊ ህልውና ዘለዎ ነገር እዩ። እቲ ትካል ዕውት ንክኸውንን ውፅኢታዊ ስራሕ ንኽሰርሕን መስረትቲ እቲ ትካል ዝላዓለ ግደ ይፃወቱ። ኣብቲ ትካል ዝህነፅ ባህሊ ድሌት፣እምነትን ኣተሓሳስባን ናይቶም መስረትቲ ኣካላት ብግልፂ የመላኽት።ስለዝኾነ እቶም መስረትቲ ቅኑዕ ኣተሓሳስባ ዘለዎም፣ልኡኽን ራእይን እቲ ትካል ንምስኻዕ ብቕንዕናን ብውፉይነትን ዝሰርሑ ከምኡ‘ን ብሕግን ብስርዓትን ዝኣምኑ እንተኾይኖም ኣብቲ ትካል ፅቡቕ ባህሊ ብምህናፅ ሕማቕ ስራሕ ፅያፍ ኮይኑ ንክቕፅል ፅቡቕ ባህሊ ንኽምዕብልን መሰረት የንፅፉ። ናብቲ ትካል ከመይ ዓይነት ኣመራርሓ ክመፅእ ከምዘለዎ ድማ በቲ ዝተሃንፀ ባህሊ መሰረት ዝውሰን ይኸውን።
እሞ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት እኳ እንተሪኢና ትካላት ኣይሃነፅናን ዲና? ናተይ መልሲ እወ ሃኒፅና ኢና ዝብል እዩ።ንኣብነት ሚኒስትር ምክልኻል ሃገር፣ ቤት ፅሕፈት ፖሊስን ፀጥታን፣ ቤት ፅሕፈት ፍትሒ፣ ቤት ፅሕፈት ሰብኣዊ መሰል፣ኮምሽን ቦርድ-መረፃ ከምኡ ‘ን ኮምሽን ፀረ-ሙስና፣ቤት ፅሕፈት ሓባሲ ንብዓትን ካልኦት ተመሳሰልቲ ትካላትን ሃኒፅና ኢና። እዘን ጠቒሰየን ዘለኹ ትካላት ብዝተፈላለዩ ናይ ውልቀይን ናይ ህዝቢ ዋኒናትን ከይደ ሪአየንስ እንታይ ከም ዝመስላ ኣንዳዕዲዐ ይፈልጠን እየ።ካብተን ትካላት ዝተፀበኽዎን ዝረኸብክዎን ፍታሕ ከመዛዝኖ ከለኹ ናይ ሰማይን መሬትን ኣፈላላይ ዘለዎ እዩ።
እሞ ንምንታይ ድኣ እየን እዘን ትካላት ነቲ ዘቕረብክዎ ዋኒን ግቡእ ፍታሕ ክህባኒ ዘይከኣላ? ብሓፈሻ ድማ ንሕብረተሰብና ካብ ፀገም ከድሕነኦ ዘይከኣላ ኢለ እሓብ ኣለኹ። መቸም ምሕሳብ ንኹሎም ደቂ ሰባት ዝተውሃበ ፀጋ እዩ። ኣነ ኣይኮንኩን ዝብል ዘለኹ ሊቃውንቲ ዓለምና ዝበሉዎ እዩ። እዚ ናይ ምሕሳብ ነፃነት መን ሂብዎም ዝብል ሕቶ ዘልዕሉ ሰባት ኣይሰኣኑን። እሞ እንተደሊኹም ምሕሳብ ናይ ኩሎም ደቂ ሰባት ናይ ተፈጥሮ ፀጋ እዩ በልዎ። ከምኡ ስለዝኾነ ኩሎም ደቂ-ሰባት ክሓስቡ ይኽእሉ እዮም።እንተኾነ ግና ኩሎም ደቂ ሰባት ማዕረ ናይ ምሕሳብ ዓቕሚ ኣለዎም ማለት ኣይኮነን።ብባህሪኦም ደቂ-ሰባት ዝሓስብዎ ሓሳብ ኣብ ጭብጢ ዘይተመስረተ ፣ ሙሉእነት ዘይብሉ ፣ ዝተዛበዐ ፣ ምኽንያታዊ ዘይኮነን ኣድልዎ ዝተመልኦን እዩ። ፅሬትን ብቕዓትን እንሰርሖም/እንሃንፆም ነገራት ብሓፈሻ ድማ ፅፈት/ፅርየት ሂወትና ኣብ ፅፈት ኣተሓሳስባና ይድረኽ። ዝተዛበዐ ኣተሓሳስባ ብዙሕ ዋጋ የኽፍል፣ዓብዪ ክሳራ ድማ የስዕብ። ብሉፅ ዝኾነ ኣተሓሳስባ ዕዉት ስራሕ ንምስራሕ መሰረት እዩ። ብሉፅ ዝኾነ ሓሳብ ብዝተዋደደን ጥበብ ብዝተመልኦን መንገዲ ናብ ተግባር ክሽረፍ ኣለዎ ይብሉ ሊቃውንቲ።
እሞ ተጋሩ ከምተጋሩስ ኣተሓሳስባና ከመይ እዩ? ብሉፅን ፅፉፍን ኣተሓሳስባ ነይሩና ዶ? ወነንቲ ሳይንሳውን ዝተዋደደን ኣተሓሳስባ ዲና ነይርና? እንተረይሩና ላበይ ድኣ ከይዱ? ከመይ ኢሉ ከይዱ? ሐዚ ኸ እንታይ ይመስል? ዝበለፀ ኣታሓሳስባ ክንውንን ንኽእል ዶ? ዝብሉ ሕቶታት ኣብ ቀፃሊ ፅሑፋተይ ንምድህሳስ ክሙክር እየ። ወይ ድማ ካልኦት ከምዚ ከማይ ናይ ምፅሓፍ ድሌት ዘለዎም ተለማመድቲ ፀሓፍቲ ወይ ድማ ኣፍቲ ዘርፊ ዝሐሸ ፍልጠትን ልምድን ዘለዎም ሰባት መልሲ ክህቡሎም ተስፋ እገብር። መልሲ ተዋሂብዎም እንተኾይኑ ሓበሬታ ንኽትህቡና እላቦ።
ሓቂ ንምዝራብ እዚ ዘለናሉ ኹነታት ናብ ዕድል ብምቕያር ብትኽክል ውሽጥና እንፍትሸሉን ኣተሓሳስባና እነስተኻኽለሉን ከምኡ ድማ ኣሰራርሓታትና እነዘምነሉ ክኸውን ኣለዎ። ኩሎም ኣሰራርሓታትና ምኽንያታውን ኣብ ጭብጢ ዝተመስረቱን ክኾኑ ኣለዎም። ካብ ተንኮልን ኣሻጥርን ዝተመልኦ ኣተሓሳስባን ኣሰራርሓን ንውፃእ። ኩሉ እንሓስቦን እንዛረቦን ነገር ብጥልቀት ክንርምሮ ይግባእ። ኩሉ ዝተነገረናን ዝሰማዕናዮን ነገር ሓቅነቱ ንመርምሮ። ካብ ሕሜትን ዘይረብሕ ወረን ወፂና ብግልፂ ንዘራረብ።ሙሁራት ተባሁሎም ዝሓስብዎን ዝሰርሕዎን ክትርኢ ከለኻ ብጣዕሚ ዘሕፍር እዩ። ኣብ ሚድያ ዝዛረብዎ ካሊእ ብተግባር ድማ ካሊእ።ዓብዪ ተስፋ ዝገበርካሎም ሰባት ከምዚ ኮይኖም እንትትረኽቦም ብስሩኸ እዛ ዓድስ ተስፋ ኣለዋ ዶ ክትብል ትግደድ።
ሶቅራጠስ ሓቂ እቲ ዝላዓለ ክብሪ/ዋጋ ዘለዎ ነገር እዩ ኢሉ ይኣምን ከምዝነበረ ፅሑፋት የቐምጡ። ሓቂ ድማ ብምኽንያታውን ርትዓዊ ኣተሓሳስባን/ስነ-መጎትን ክብፃሕ ይኽእል እዩ ዝብል ሓሳብ ኣቕሪቡ ነይሩ ሶቅራጠስ። ሰባት ንምእማን፣ሓቂ ንምፍላጥን ናይ ባዕልኻ ተግባር ንምውሳንን ርትዓውነት ከም ግቡእ መንገዲ ምጥቃም ይከኣል እዩ ይብል። ርትዓውነት ማለት ኣብ ስምዒት ወይ ሃይማኖታዊ እምነታት መሰረት ከይገበርካ ምኽንያታውነት ብዝተላበሰ መንገዲ ወይ እውን ጭብጢ መሰረት ገይርኻ ምውሳንን ቀፂልካ ድማ ኣድላዪ እንተኾይኑ ስጉምቲ ምውሳድን ዘጠቓለለ እዩ። ሕድ ሕድ ሰብ ብዙሕ ዝፈልጥ ዝመስሎ ዋላ እኳ እንተኾነ ብዓይኒ ሓቂ እንትርአ ግና ብዙሕ ዝፈልጦ የብሉን፣ብጣዕሚ ውሑድ እዩ ዝፈልጥ እውን ኢሉ ነይሩ ሶቅራጠስ።እቶም ፈላጣት ዝበሃሉ ሰባት ንባዕልቶም ፈላጣት ይመስሎም ብሓቂ ግን ፈላጣት ኣይኮኑን። ሶቅራጠስ ንባዕሉ ፈላጥ ከምዘይኮነ ይፈልጥ ነይሩ ብኣንፃሩ ግን ፈላጥ ዘይምዃኑ ምፍላጡ ፈላጥ ገይርዎ እውን ይበሃል። ኣብ ዓድና መብዛሕቲኡ ምሁር እየ ዝብል ሓቀኛ ፍልጠት ዘይብሉን መምሰልን እዮም ዝመስሉ።እሞ ኣንቱም እትፈልጡ ዝመስለኩም ተመሊስኩም ንባዕልኹም ፈትሹ ወይ ድማ ምስ ሶቅራጠስ ተኸራኸሩ። ንሶቕራጠስ ኣበይ ክንረኽቦ ክትብሉ ትኾኑ እንታይ ፈሊጠ ሶቅራጠስ ዋላ ብሂወት እንተዘይሃለወ ንዕኡ ዝመስሉን ናቱ ኣተሓሳስባ ዝኽተሉን ዘማዕብሉን ሰባት ተኪኡ ኣይከደን ዲኹም ትብሉ ዘለኹም?
ናብቲ ዘልዓልክዎ ዋኒን ክምለስ።ትካላትስ ኣለዋና እየን እየ ዝብል ዘለኹ። እንተኾነ ግና እዘን ትካላት ሰብ የብለንን። ኣቐዲሙ ሰብ ዶ የለይ? ሰብ ዶ የለይ? ዝበለ እቲ ውሩይ ደራፋይ ኪሮስ ኣለማዮስ ለከ ሓቁ እዩ ነይሩ። እሞ ደጊመ ሰብ ዘይብለን ትካላት እየን ዘለዋና እየ ዝብል ዘለኹ።
ተጋጊኻ ሰብ እማ ኣለወን እዩ ላዕለዎት ሓለፍቲ ተመዲቦምለን ካልኦት ሰራሕተኛታት’ን ተቖፂሮሙለን ይሰርሓ ነይረን ክትብሉኒ ትኽእሉ ኢኹም። እዙይስ ኣይዘንጋዕኹዎን ግን እቲ ዝተመደበ/ዝተቖፀረ ሰራሕተኛ እቲ ቀንዲ ስርሑን ሓላፍነቱን ዘንጊዑ ካሊእ ዋኒን ዘተግብር፣ህዝቢ ምግልጋል ገዲፉ ንሓለቕኡ ዘገልግል እንተኾይኑ እተን ትካላት ሰብ ኣለወን ምባል ኣይከኣልን። እተን ትካላት በቲ ዝተመስረታሉ ዕላማ ኣንፃር እንትረአ ሰብ ዘለወን ኣይመስለንን።እቲ ቀንዲ ፀገም ድማ ኣብቲ ነቲ ኣመራርሓ ዝመደበ ኣካልን ኣተሓሳስባኡን ከምኡ ድማ ኣብቲ ኣመራርሓ ተባሂሉ ዝምደብ ኣካል ባዕሉን እዩ ዘሎ። በሉ እምበኣር እዘን ትካላት ሰብ የብለንን ካብ ዝብልስ መራሒ የብለንን እተበልኩ ይሐሸኒ። ትኽክል እዩ ሓለቓ(boss) ኣለወን እዩ። መራሒ(leader) ግን የብለንን። መራሒ እንትበሃል ኣርሒቑ ዝእምት፣ንግዝያዊ ጥቕሚ እንተኮነስ ንዘላቒ ረብሓታትን ምዕዋት ልኡኽን ራእይን ትካሉ ቅድሚት ሰሪዑ ትኽክለኛ ነገራት ዝሰርሕ(A leader is a tactical as well as strategic thinker) ፣ ንኹሎም መሳርሕቱ ብማዕረ ዓይኒ ዝርእን ዝተፈላለየ ዓቕምታቶም ዝጥቀምን፣እቲ ትካል ዕዉት ዝገብርን ካልኦት ነቲ ትካልን ሃገርን ዝጠቕሙ መራሕቲ ናይ ምፍጣል ልዑል ጥበብ ዝወነነ ሰብ እዩ። ሓለቓ ዝብልዋቶ ግና ምንም ዓይነት ናይ ኣመራርሓ ድሌት፣ክእለትን ፍልጠትን ዘይብሉ እቲ ዝተሓተ ደረጃ ስልጣን ዝወነነ ኾይኑ ስልጣኑ ተጠቒሙ እናፈራርሐ ሰባት ንናይ ባዕሉ ረብሓ ክኽተልዎ ዝደሊ ትኽክለኛ ነገራት እንተይኮነስ ነገራት ትኽክል ኣምሲሉ ዝሰርሕ ኣካል እዩ። (Rather than doing the right things, focuses on doing things that resemble right)
ኣመራርሓ ሓደ ትካል ኣብ ዕውትነት እቲ ትካል ዘለዎ ግደ ብጣዕሚ ዝላዓለ እዩ። ብቑዕ ኣመራርሓ ሓደ ትካል ቅድሚ ኹሉ ንምዕዋት ራኢን ልኡኽን እቲ ትካል ጊዜኡ፣ገንዘቡ፣ፍልጠቱ፣ክእለቱን ብዘይምንም ትልግምቲ ዘወፍን ኣድላዩ እንተኾይኑ እውን ናይ ሂወት መስዋእቲ ዝኸፍልን እዩ። እዚ ንምፍፃም ምቹው ባይታ ብምፍጣር ናይ ባዕሉን ኩሎም መሳርሕቱ ዓቕሚ ብምውዳድ ይፍፅሞ።ኣብ መንጎ መሳርሕቱ ምትእምማንን ምክብባርን ንኽህሉ ይፅዕር። ሰራሕተኛታት ብዓርከይ ዓርከይ ወይ ድማ ካሊእ መመዘኒ ሮቕሓ እንተይኮነስ ብብቕዓቶምን ዘለዎም ተወፋይነትን ተጠቀምቲ ይኾኑ ይገብር። በዚ ምኽንያት ድማ እቶም ሰራሕተኛታት ሕጉሳት ኮይኖም ነቲ ትካል ብተኣማንነት ክሰርሑን ኣብ ስርሖም ከድህቡን ይገብሮም። ብተወሳኺ ድማ ዓቕሞም ንምዕባይ ብዝበለፀ ክፅዕሩን ውፅኢታውያን ክኾኑን የኽእሎም። ስለዚ ኣመራርሓ ሓደ ትካል ሞተር ናይቲ ትካል እዩ እንተተብሃለ ምግናን ኣይኸውንን።ምኽንያቱ ድማ መራሒ እቶም መሳርሕቱ ዓብዪ እምነት ዘሕድሩሉን ትኽክለኛ ነገራት ብትኽክለኛ መንገዲ ዝሰርሕ፣ እቲ ናይ ኣሰራርሓ መንገዲ ዝፈልጥን ንኻልኦት ድማ ዘፍልጥን እዩ።እቶም ዝተፈላለዩ ኣካላት እቲ ትካል ኣተሓባቢሩ ዕዉት ስራሕ ንኽስራሕ እቲ ናይ ኣንበሳ ብፅሒት ይወስድ። ብሓፈሻ እቲ ትካል ዕውት ንክኸውንን ካልኦት መራሕቲ ንክፍጠሩን ዓብዪ ሓላፍነት ኣለዎ።
መራሒ ሓደ ትካል ኣብቲ ትካል ጉጅለታ(groups) እንተኮነስ ጋንታታት(teams) ንኽፍጠራ ዓብዪ እጃም ኣለዎ። ጋንታታት ንሓበራዊ ዕላማን ውፅኢትን ብሙሉእ ዓቕሞም ሓቢሮም ዝሰርሑን ዝደጋገፉን ኣባላት ዘለዉወን ሓቢርና እንተሰሪሕና ኩላትና ዝበለፀ ውፅኢት ነምፅእ ብዝብል ኣተሓሳስባ ይህነፃ። መብዛሕቲኡ እዋን ኣብ ጋንታታት ናይ ውልቀ ድሌትን ረብሓን ናብ ግምት ዝኣቱ ኣይኮነን።ኩሉ ግዜ ናይተን ጋንታታት ሓድነት ብምሕላው፣ ኣብ መንጎአን ፅቡቕ ርክብን ናይ ሓበሬታ ልውውጥን ክህሉ ብምግባር፣ናይ ሓባር ውሳነ ብምውሳን ንሓበራዊ ዓወት ሓቢርካ ንክትሰርሕን ሓደ ሰብ ንኹሉ ኣባል ኹሉ ኣባል ድማ ንሓደ ሰብ(One for All and All for One) ዝብል ኣታሓሳስባ ንኽስፋሕፋሕ ፃዕሪ ይገብር። ጋንታታት ዓብዪ ዋጋ ዘለወን ናይቲ ትካል ሃፍትታት ሙዃነን ብምግንዛብ ከምኡ’ን ናይ ለውጢ መለዓዓልትን ተፈጥሮኣዊ ናይ ፀገማት መፍትሒ መሳርሕታትን ኮይነን ከገልግላ ይገብር። ኣብ መንጎ እተን ጋንታታት ዝግበር ምይይጥ ውፅኢታዊ ክኸውንን ውሳነ ናይተን ጋንታታት ድማ ናብ ተግባር ንኽሽረፍን እጃሙ ይፃወት።
እተን ዝዓያ ሃገራት እውን ኣብዚ ንኽበፅሓን ብስርዓት ንኽምረሓን ዝላዓለ እጃም ዝተፃወቱ እቶም ናይ መጀመርያ ራእይ ሒዞም ዝተልዓሉን እቲ ራእይ ንኽሳኻዕ ህዝቦም ብምትሕብባር ለይትን ቀትርን ዝፀዓሩን ጀጋኑ መራሕቲ ድኣ እምበር ትካላት ኣይመስለንን። ብሓፈሻ ትካል ንህነፅ ካብ እንብል ሰብ ንህነፅ፣መራሕቲ ድማ ንፍጠር እንተንብል ዝሐሸ ይመስለኒ። ሰብ ክሳብ እንሃንፅን መራሕቲ ክሳብ እንፈጥርን ነዚ ዘፈፅሙ ተጋሩ ኣብ ዘለዉ ይሃልዉ ብዓይኒ ላምባዲና ንኣልሾም፣ንዓዶም ዓቕሞም ከበርክቱ ድማ ዕድል ንሃቦም! ኣብዚ ሓሳብ እዚ ተወሰኽቲ ሃነፅቲ ሓሳባት ወስኹላቱ።ተፃራሪ ሓሳብ ዘለኩም ወይ ካልኦት ዘይተልዓሉ ዛዕባታት ዘለኩም ፀሓፉታ እሞ እዚ ሓሳብ ዝበለፀ ነማዕብሎ!
ህዝቢ ትግራይ ይዕወት
